ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ምትእኽኻብ ሰራዊት ተካይድ ከም ዘላ ንዝቐረበሉ ክሲ ብትሪ ነጺጉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፍጹም መሰረት ኣልቦን ዘደናግርን፡" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ...
Latest releases
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።
ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይካይድ
ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ብሰኑይ 06 ግንቦት ጀሚሩ።
ዓወት ቢንያም ግርማይ ኣብ 3ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ
ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ: ሎሚ ሰኑይ 6 ግንቦት 2024 ሳልሳይ መድረኽ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ: ኤርትራዊ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተቋዳሲ ፖድየም ኮይኑ::
Load more...