ኣብ ዶባት ትግራይ-ኤርትራ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?
ኣብ ቀረባ፡ ደገፍቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ገለ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ጽምዶ" ብዝብል ምሕዝነት ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዙሕ ከዘራርብ ምፅንሑ ይፍለጥ። እቲ ተበግሶታት ኣብ መንጐ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ አበባን ምትፍናን ኣብ ዝዓሞቐሉ ይካይድ ምህላዉ ድማ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ገለ ካብቶም ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ...
Latest releases
ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተገምጊሙ
ብ17 ለካቲት 2024 ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ኣብ መንጐ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ 700 ሽሕ ዩሮ ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።
ኤርትራ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበረላ እገዳ ክናዋሕ ምውሳኑ ኰኒና
ኤርትራ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንዘንበረላ እገዳ እንደገና ከናውሖ ምውሳኑ ብትሪ ኰኒና።ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳን፡ በልጂም፡ ነዘርላንድን ላክሰንበርግን፡ ኣብ ብራስለስ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምንዋሕ ናይቲ እገዳታት "ዘይምኽኑይ ተጻብኦ ኣንጻር ኤርትራ'ዩ" ክብል ነቒፉ።
ኤርትራ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለኣ ካበይ ናበይ?
ኣብ ኤርትራ ኣብ 40’ታት፡ 50’ታት፡ 60’ታት ዝነበረ ህይወት፡ ብሓፈሻዊ መልክዓቱ ምስ ዝልካዕ፡ ምስዚ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ህይወት ኣይመጣጠንን’ዩ ዝብሉ ብዙሓት ምሁራን ዜጋታት ኣለዉ።
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ናይ’ዚ ዓመት ብሉጽ ጸሓፋይ ተባሂሉ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ።