Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ስነ-ልቦናዊ ኵናት (PsyWar)

ኣደይ ማኑ፡ ኣብ ውሽጢ ካንቸሎ በይነን ይቕመጣ ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ዝርካቡ ንብረተን ከይስረቐን ብማለት ፡ከልቢ ኣጥርየን ነይረን። ይኹን ‘ምበር፡ ነታ ኸልበን ጣይታ ጥራይ ይድርብያላ ብምንባረን፡ ዕባራን ውሕ ንኽትብል ድማ እኹል ሓይሊ ዘይነበራን ፍጥረት እያ ነይራ። ስለዚ፡ ኣደይ ማኑ እቲ ናይታ ከልበን ዝና ኣብልዕሊ ሰረቕትን ወጣማት ቆልዑን ፍጹም ራዕዲ ንኺፈጥር ብማለት፡ ስነ-ልቦናዊ ኵናት ኪጥቀማ ተገዲደን።ብመጀመርታ፡ ነታ ከልበን ዋዕሮ ዚብል ስም እየን ዘጠመቓኣ። ሽሕኳ ዋዕሮ ጌና ዘይተበኮረት እንተ ነበረት፡ኣደይ ማኑ ግን ሰብ ንምድሃል ኣብቲ ናይቲ ካንቸሎአን ማዕጾ፡ ካብ ሓራስ ከልቢ ተጠንቀቑ፡ ዚብል ጽሑፍእየን ኣቐሚጠን ዝነበራ። ኣብ ርእስዚ፡ ሰብ ምስ ዚዅሕኵሐን፡ ምስጢረን ንኸይቅላዕ ብማለት፡ ነቲ ማዕጾ
ፍንቅቕ ከም ዚብል እምበር፡ ጋህ ኣቢልካ ምኽፋት ኣመለን ኣይነበረን። ዋዕሮ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብቲመደቀሲኣ ዝኾነ እተጋደመ በርሚል እያ ተዓምጺጻ ትድቅስ ዝነበረት።

Add a comment

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ካናዳ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ጨንፈር ካናዳ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ  ንሰንበት ዕለት06/05/2018ኣቦ መንበር ውድብና ተጋዳላይ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ዝምእከል፣ ብጉዳይህዝብንሃገርንኤርትራ ንምዝታይን፣ ኣብ ትሕቲ ጨኳኒ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፣ ሃገርና ትሓልፎ ዘላ ኩነታትን ንምግምጋምን፣ ከምኡ’ውን ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝቃለሱ ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ገድላዊ ዕማማት ንምድንፋዕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብሉ ሓሳባት ንምልውዋጥን፣ ኣገዳሲ ህዝባዊኣኼባኣብ ከተማ ቶሮንቶ ኣዳሊዩ ምህላዉ ብምሕባር፣ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስኤርትራዊኣብዚ ተጸዊዑ ዘሎ ኣኼባ ንክሳተፍ ብክብሪይዕድም።

ብድሓንምጽኡ!!

ግንባርሃገራዊድሕነትኤርትራ

ጨንፈር  ካናዳ

Add a comment

ካብ ሃብቲ ሎሚ ድኽነት ትማሊ

ሃብትን ድኽነትን ተጻረርቲ’ዮም። ከም ጸላምን ቀትርን፣ሓጋይን ክረምትን፣ ሕቖን ከብድን፣ ጓልን ወድን፣ ሰማይን መሬትን፣ ሓጺርን ነዊሕን፣ ቀይሕን ጸሊምን፣ …ወዘተ ፈጺሞም ዘይራኸቡ ተጻረርቲ’ዮም። ሃብትን ድኽነትን ተጻረርቲ ይኹን ‘ምበር ስራሓት ተፈጥሮ ግን ኣይኮኑን። ውጽኢት ስራሓት ሰብን ዘይቅኑዕ ስሱዕ በይናዊ ተጠቃምነትን ’ዮም። ተፈጥሮ ለጋስ’ዩ። ንኣብነት መሬትና መሬት ኤርትራ ንኹሎም ዓይነት ህይወታውያን፣ ሰባት፡ ኣዝርእትን እንስሳታትን ዝሰማማዕ’ዩ። ህዝብና ኸኣ ጻዕራም’ዩ። ብረሃጽካ ምንባር ደኣምበር ተጸባይነት ባህሉ ኣይኮነን። ሚዛኑ ዘይሓለወ ናይ ወሃብን ተቐባልን ባህሊ ዝውቱር ኣይጸንሐን።

Add a comment

ግ ዜ እ ን ከ ለ ካ ግ ዜ ኣ ይ ት ጸ በ !

ኣ ብዚ እ ዋ ን ዚ ህ ዝ ቢ ኤ ር ት ራ ዘ ሕ ል ፎ ዘ ሎ ስ ግ ኣ ት ን ጸ ገ ምን ከ ምዚ ኢ ል ካ ክ ት ገ ል ጾ ዘ ስ ደ ምም እ ዩ ። ና ይ ዚ ጸ ገ ም ቀ ን ዲ ጠን ቂ ኣ ብ ኤ ር ት ራ ዘ ሎ ስ ር ዓ ት ምዃኑ ዘ ዳ ዲ ኣ ይ ኮ ነ ን ። ና ይ ዚ ጸ ገ ም መፍ ት ሒ ኣ ብ ምምጻ እ ሓ ላ ፍ ነ ት ን ረ ብሓ ን ዘ ለ ና ወገ ና ት ብዙ ሓ ት ኢ ና ። ኤ ር ት ራ ዊ ፖ ለ ቲ ካ ዊ ውድባ ት ን ማሕ በ ራ ት ን ከ ምኡ ከ ኣ ና ይ ቲ ወጽ ዓ ተ ሰ ካ ሚ ህ ዝ ቢ ኤ ር ት ራ እ ቶ ም ቀ ን ዲ ጸ ገ ማት ኣ ብ ምጽ ብጻ ብ ዘ ይ ኮ ነ ፍ ታሕ ኣ ብ ምምጻ እ ሓ ላ ፍ ነ ት ክ ን ወስ ድ ዝ ግ በ ኣ ና ኢ ና ። ዝ ያ ዳ ኩሉ ድ ማ ና ይ

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ጨንፈር ስዊስ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ጨንፈር ስዊስ ብዕለት 5 መጋቢት 2018፣ ካብ ዝተፈላለየ ካንቶናት ስዊዘርላንድ ዝመጹ ኣባላት ጨንፈርን ክልተ ኣባላት መሪሕነት ውድብን ከምኡ’ውን ኣባል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳን ዝተሳተፍዎ ጨፈራዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ሉዛን ኣሰላሲሉ።

Add a comment

ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ ንተኸታታሊ 10 ዓመታት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ከምእትስራዕ ሓድሽ ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ካብ 180 ሃገራት ዓለም፣ ኤርትራ፣ ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ፣ ኣብ መበል 179 ከምእትስራዕ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኣፍሪቃ'ውን ብናጽነት ፕረስ ድሕሪ ኩለን ሃገራት ተሰሪዓ እትርከብ ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ሃለዋቶም ብምጥፋእን ግኑን ስም'ዩ ዘለዋ።

Add a comment

ንልዕሊ 11 ዓመታት ዝተኣስሩ ኣላዩ ቤተ ክርስትያን ቃለ-ህይወት፣ ፓስተር ዑቅባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ተፈቲሖም

Pastor Okbamicheal

ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ፣ ኣላዩ ቤት-ኤል፣ ቃለ-ህይወት ቤተክርስትያን ኤርትራ ፓስተር ዑቅባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲሖም።

ፓስተር ዑቕባሚካኤል፣ ኣላዩ ቤት ኤል ቤተ ክርስትያን ቃለ-ህይወት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ዳይረክተርን መምህርን ናይታ በታ ቤተ ክርስትያን እትመሓደር፣ ኣብ ደቀምሓረ ዝነበረት፣ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ እተምህር ኣሕዳሪት ኮሌጅ SIM'ውን'ዮም ኔሮም።

Add a comment

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ሆላንድ

ንቐዳም ዕለት12/05/2018 ብጉዳይህዝብንሃገርንኤርትራ ንምዝታይን፣ ከምኡ’ውን፣ ኣብ ትሕቲ ጨኳኒ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፣ ሃገርና ትሓልፎ ዘላ ኩነታትን፣ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝቃለሱ ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ስራሓት ንምሕብራን፣ብሓላፊ ፖለቲካውን ስርዒታውን ጉዳያት ግንባርሃገራዊድሕነትኤርትራ ብጻይ ነጋሽ ዑስማን ዝምራሕ፣ ብጨንፈር ግሃድኤ ኣብ ሆላንድሰፊሕንክፉትንህዝባዊኣኼባ ኣብ ከተማ ሮተርዳም ተዳሊዩ ኣሎ።

ኩሉግዱስ ኤርትራዊኣብዚ ተጸዊዑ ዘሎ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ንክሳተፍ ብክብሪይዕድም።

”ድሕነትህዝብንሃገርንልዕሊኹሉ!!”

ብድሓንምጽኡ!!

ግንባርሃገራዊድሕነትኤርትራ

ጨንፈር  ሆላንድ

Add a comment

"ኤርትራ ብሕሉፍ ምልኪ እትመሓደር ሃገር'ያ" ክብል ክፍሊ ጉ/ ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ

us report"ኤርትራ ብሕሉፍ ምልኪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እትመሓደር ሃገር'ያ" ክብል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ። እቲ ክፍሊ ነዚ ዝገለጸ፣ ንዓመታዊ ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሰፊሕ ጸብጻብ'ዩ።

ኣብቲ ሰፊሩ ዘሎ 25 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ እቶም መሰረታውያን ዝብሃሉ መሰላት ክግሃሱ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ኣስሚርሉ። 

ዜጋታት ኤርትራ ብሃውሪ ክእሰሩ፣ ናብ ቤት ፍርዲከይቀረቡ ወይ ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተለ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩን ደሃዮም ክጠፍእን ተደጋጋሚ ዝርአ ፍጻሜታት ምዃኑ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ርእሲኡ'ውን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ግዱድ ዕስክርና፣ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ጠንቂ ስደት እታ ሃገር ይኾኑ ምህላዎም ኣገንዚቡ።

Add a comment

ኣባላት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ካብ ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ህግደፍ ብንቕሓት ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

ጉጅለ ህግደፍ ናተይ ዝብሎ ካብ ግዳማዊ ኢድ ምትእትታው ዝጸረየ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምትከል ስለዘይብሉን፡ ሕሉፍ ስሰዐ ስልጣንን ነዋትን ስለ ዘለዎን ወትሩ ህዝቢ ኣንጻሩ ከይለዓል ኣንፈቱ ዘስሕት ዘየመሰረታዊ ነገራት ፈብሪኹ፡ ዕሱባት ኣዋፊሩ ፖለቲካዊ ደሮና ናይ ምፍጣር ልምዲ ስለዘለዎ፡ ኣንጻር መልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝተወደበን ዘይተወደበን መልከዓት ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ወገናት፡ ብናቶም ፖለቲካዊ መስመርን

Add a comment

ኤርትራዊ ባህላዊ ፎርም ኣብ በርሚንጋሃም

ዕድሜ ን ኣኼባ ራቢጣ ሙንኸፈዳት ማሕበራዊ ውዕል ኣብ ኤርትራ ምሕደራዊ ሽግራትን ምፍታሕ ዝብል ኣምርመግለጺ ክህቡ ስለ ዝኾኑ ኣብዚ ዝስዕብ ዕለትን ማዓልትን ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ምሳና ሓቢርኩም ከተምስዩብትሕትና ን ዕድም።

ዕድሜ ን ኣኼባ ራቢጣ ሙንኸፈዳት ዕለት፡ ሰንበት 06/05/2018 ዕድሜ ን ኣኼባ ራቢጣ ሙንኸፈዳት ግዜ፡ ካብሳዓት2፡00-፡00 ዕድሜ ን ኣኼባ ራቢጣ ሙንኸፈዳት

(ቦታ፡ Birmingham Community Association,TheInstituition Jenkins Street, Small Heath, Birmingham, B10 0PQ

Add a comment

ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ኣብነታዊ ኣፈታትሓ ፖለቲካዊ ግርጭትን መትከላዊ ጽንዓትን

ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን መንግስታትን ርእይቶ ወይ ኣተሓሳስባ ማእከል ዝገበረ ፍልልይ እንከጋጥም፡ ውሽጡቅንዕና መልክዕ ኣቀራርባኡ ድማ ሰላማዊ እንተደኣ ኮይኑ፡ ከም ክኸውን ዘለዎ ባህሪያዊ ነገር ተወሲዱ፡ ምንጪ ሓሳባት
ኮይኑ ከገልግል ዝያዳ ከቀራርብ ደኣምበር፡ ዘሰንብድ፡ ዘነውር፡ ብዓይኒ ጸላእነት ዘጠማምት ዘቃትል ክኸውንኣይግባእን። ብርግጽ ኩሎም ሓሳባት ወይ ርእይቶታት ካብ ቅኑዕ ሕልና ዝብገሱ፡ ንሓቢርካ ምንባርን ሓቢርካ
ምጥቃምን ዝዕድሙ ’ዮም ማለት ኣይኮነን። ሓላፍነታዊ ብምዃን፣ ብምቕርራብ፣ ብግልጽነት እሂን ምሂን ብምብህሃልብምድምማጽ ክፍትሑ ዝኽእሉ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ኣለው። ኣነ ልዕለኻ’የ ዝበልኩኻ ስምዓን ፈጽምን፣ ኣነ ክበልዕ
ንስኻ ጾምካ ሕደር ዝዓይነቱ ብስስዐ ኣእምሮኦም ዝተደፍኑ፡ ብትምክሕታዊ ኣረኣእያ ዝሰኸሩ መሰረታዊ ፍልልያትድማ ኣለው። ስለዚ እቲ ፍልልይ መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ምንጻር የድሊ። ርእይቶታት ሓሳባት መሰረታውያን
ድዮም ዘይመሰረታውያን ክትፈሊ ድማ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብቕዓት ምሕደራን ልባዊ ቅንዕናን ክትውንን ይግባእ።

Add a comment

መጸዋዕታ ንኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ተቀማጦ ጀርመን

ብመሰረትእቲ ኣብደንሃክ-ሆላንድብደቂ-ኣንስትዮኤርትራውያንዝተጋብአዋዕላ ምርኩስብምግባርኩሉና ማሕበራትንውልቀ-ሰባትንድቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብንነብረሉሃገራትኣብህልዊኩነታትደቂኣንስትዩዘተኮረሓደጥርኑፍዝኾነኣስራርሓንክህልወናንስፍሕዝበለናይ ምርድዳእንምይይጥባይታከነጣጥሕኣብ`ቲ ቀዳምዕለት05/5/2018 ልክዕሰዓት12:00 ድሕሪቀትሪእነካይዶ ኣኼባና ክትሳተፋ ብክብሪንዕድም።

ዛዕባታትኣኼባ

 

1.      ናይሓባርራእይ ምቅማጥ

2.      ናይሓባርመደባትምስራዕ

3.      ናይሓባርመጽውዒወይመላለይስምምግባር

4.      መራከቢትሽማግለምምራጽ

 

ግዜ፡ ቀዳም ዕለት 05/05/2018 ልክዕ 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ፡ Wilhelm-Leuschner str.12  

         

         60329 Frankfurt am Main

 

ብድሓንምጻ

Add a comment

ተጽዕኖ ዝፈጥር መኻርን ምኽሪ ዝሰምዕ ወለዶን ዘይብሉ መድረኽ፡

ከም ሎም ከይኮነ እቲ ቀደም ቀደም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክብሪ ነይርዎም። ብዕድመ ዓበይቲ ስለዝኾኑ ጥራሕ ዘይኮነፈሪሓ እግዝኣብሄር ነይርዎም። ቅኑዓትን ሓላፍነታውያንን ነይሮም። ናይ ጽቡቕ ደኣምበር ናይ ሕማቕ ኣብነት ከይኾኑ ይጥንቀቑ ነይሮም። ንደቆም ደቂ ደቆም ጽልእን ደምን ከይገድፉሎም ሓላፍነታዊ ፍርሒ ይፈርሑ ምንባሮም፡ ድሕሪ ድራር ብፍላይ ወርሒ ኣብ ትወጽኣሉ እዋን ኣብ ገበላና ተኣኪብና፡ ካባና ብዕድመ ዝሰጎሙ ከዘንትውልና ንሕናጽን ኢልና ክንከታተል ይዝከረኒ። ድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ እንከለኹ ከኣ ይናፍቕ። እቲ ብሓውሲ ዕላል ጸወታዝንገረና ዝነበረ ዛንታ ንቐጻሊ ህይወትና ስንቂ ዝኾነና ትምህርቲ’ዩ ነይሩ። ንሕና እቶም ኣብ’ቲ ግዜ’ዚ ዝነበርና ቆልዑ ታሪኽ ወለድና ክንፈልጥ እሞ፡ ካብ ሓሶት ስርቂ ጭካነ ገበን ክሕደት ነ

Add a comment

ኣእምሮ ተሓለቕቲ (The mind of apologists)

ሽሕኳ ክንዲ ብጹሕ ውላድካ ኣይትምሓል እንተ ተባህለ፡ ኣደይ ለቱ ግን ነቲ እንኮ ውላደን፡ ኣብ ኩሉ ኩነታትን ኣጋጣምታትን እየን ዚሕለቓሉ ዝነበራ። ሓደ እዋን ብስርቂ ተኸሲሱ ምስ ተኣስረ፡ ወደይ ከምዚ ኣይገብርን እዩ፡ ዘጋገዩዎ ድማ እፈልጦም እየ፡ ደኣ እየን ዝበላ እምበር፡ ነቲ ንውላደን ከም ሰራቒ ወይ ፈገር ገይሩ ዚገልጾ መሪር ሓቂ ኪቕበላኦ ድሉውቲ ኣይነበራን። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ቤትማእሰርቲ ተፈቲሑ ገለ ኣቕራሽ ምስ ሰረቐን ግን፡ ቅሩብ ክጥንቀቓ ጀሚረን። ወድ ድሙስ ነይገድፍ ግብረ እሙ እዩሞ፡ ወደን ነቲ

Add a comment

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣትላንታ 2018

ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ሓድነት ህዝብና ዝጠመትና: ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን ሰፊሕ ህዝባዊ ፈስቲቫል ንመጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ (August 3, 4, and 5) 2018 ንምክያድ ዘድሊ ምድላዋት ኣፋሪቕና ምህላውና ነበስረካ ኣለና። ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ካብ ዝተፈላለያ ውድባት: በርጌሳዊ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ዝሳተፍዎ ኤርትራዊ ቅነ: ድሮ ቦታ ተታሒዙ ናይ ስራሕ ሽማግለታትንተመስሪተን

Add a comment

መሰረት ሓቀኛ ዕርቂ፡ ሕልናዊ ቅንዕናን መትከላዊ ንጹርነት’

ደቂ-ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታትን ኣጋጣሚታትን ብሓሳብ ይፈላለዩ’ዮም። እቲ ዝተፈላለየ ሓሳባት ለባም፡ ሓላፍነታዊ ኣላዪ እንተረኽቡ፡ ንሓባራዊ ሰላም፡ ሓባራዊ ልምዓታዊ ገስጋስ ዘገልግል ኣማራጺታት ዘመንጩ ደኣምበር ዝጉድእ ኣይከውንን። ንዝተፈጥረ ናይ ርእይቶ ዘይምቅዳው ብግቡእ ዝኣሊ ሓላፍነታዊ ልቦና በቲ ሓደ መዳይ፡ ነቲ ኣወንታዊ ቀላሲ ሓሳባት ዝቕበል ድልውነት ከኣ በቲ ካልእ ሸነኽ እንተዘይሃልዩ ግን፡ ናብ ኣካላዊ ረጽሚ ክሰጋገር

Add a comment

ደምዳሚ ኣዋጅ መስራትን ሓድነታውን ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ

መስራትን ሓድነታውን ጉባኤና፣ ጉባኤ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ “ ንጉዕዞ ሓርነት ብሓድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፣ንኣ ርባዕተ መዓልታት ማለት ካብ ዕለት 27 - 30 ሚያዝያ 2018 ብ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ወከልቲ ሓድነት ኤርትራውያን
ንፍትሒ። ከምኡ’ውን ክመጹ ዘይከኣሉ ወከልቲ ኣባላት ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ብምስታፍ፣ ዓሚቕ ዘተ ብምክያድ ዕላማ’ኡኣነጺሩ ይ ርከብ። ጉባኤና ጸኒሕ ፖለቲካዊ ባህሊ ብምቕያር፣ ኣዝዩ ልዑል ተጻዋርነትን ምክብባርን ናጽነትን ዝመልኦ፣ ጽቡቕ
ኣብነት ነቲ ጽባሕ ኣብ ሃገርና እንተኽሎ ባይቶ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ። ጉባኤና ንሕና ኤርትራውያን ኣብትሕቲ ናጽ ነት፣ ብዘይናይ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ምስልና ዝረኣናሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኢዩ። ጉባኤና ኩሎም መለለይታትና፣ማለት ፍቕሪ፣
ምጽውዋር፣ ዓቕሊ፣ ቅንዕና፣ ህርኩትነት፣ ተሳታፍነት ኮታ ኩሎም ክብርታትና  ዝተመልስሉን ኩሉም ተጋባእቲዝተሓቓቖፍሉን ሓጎስ ዝጎስዕሉን ናይ እምነት እምነ-መሰረት ኣንቢሩ ይርከብ።

Add a comment

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጸኦ ሪፖርት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ናይ 2017 ዓ/ም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኩነታት ኣተሓሕዛ መሰላት ኣመልኪቱ ሪፖርት ኣውጺኡ ኣሎ። ገለ ካብ ትሕዝቶ’ቲ ሪፖርት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፣ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ስርዓት ትትግብር ሃገር’ያ። ገዛኢ ፓርቲ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ) ኣብ’ቲ ቅድሚ 3 ዓመት ዝተካየደ ሃገራዊ ምርጫ ን547 መናብር ፓርላማ ሙሉእ ንሙሉእ ተዓዊቱ።

Add a comment

ኣብ ከተማ ጎቲንገን ሃገረ ጀርመን ዝተቓንዐ ኣኼባ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ)፡

ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ መወዳእታ 2017 2ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ምስ ኣጠናቐቐ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለማትማለት ኣብ ኣወስትራልያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ኣውሮጳ፡ ኣብ ኣፍሪቓ ድማ ኣብ ኢትዮጵያንሱዳንን ንዝርከቡ ኣባላቱ ቀጻሊ ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ከካይድ ጸኒሑን የካይድ ኣሎን፡፡ እዚ ዝተዋደደንጥፈታትን መደብን ውድብ ኣብ ኩሉ ቦታታት ብዝርከቡ ኣባላት መሪሕነት ግሃድኤ-ሕድሪ ተማእኪሉ ኣብኣገደስትን እዋናውን ዛዕባታት ኮምኡውን ውሽጣዊ ውድባዊ ኣካይዳን ግልጽነትን ተሓታትነትን ጽፉፍኣሰራርሓን ማእከል ዝገበረ ከምዝኾነ፡ ኮምኡውን ምስኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ብምርድዳእ ኩሉዓቕምታት ብምውዳድ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክውዕል ምግባር ዋዓል-ሕደር ዘድልዮ ጉዳይ ከምዘይኮነ፡ እዚ
ከኣ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኣብ ምልክት ሕቶ ወዲቑ ከምዘሎ ንኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ዜጋ ብጭብጥታትዝተደገፈ መርትዖታት ብምቕራብ ቀጻሊ ዝርዝራዊ መብርህታት ይወሃብ ከምዘሎ ካብቶም ዝተጠቐሱ ከባብታትዝበጽሓና ዘሎ ጸብጻባት ይሕብር፡፡

Add a comment

ስለምንታይ ኣብ ደውታ ተኣትዩ፡ ህዝቢ ይሕተት መራሕቲ ውድባት ይመልሱ

ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ዘድልዮ ሃገራዊ ጉዳይ፡ ሓታትን ተሓታትን ክህሉ ኣለዎ። ተሓታቲ ናይ’ቲ ሓባራዊ ሃገራዊ- ስራሕ መደባት ቀላሲ፡ ዕለታዊ ንጥፈታት ተቖጻጻሪ መራሒ ማለት’ዩ። ሓታቲ ድማ፡ መሰረትን በዓል ቤትን ናይ’ቲ ሓባራዊ ጠለብ ኮይኑ፡ ምንጪ ፍልጠት፡ ጉልበት፡ ገንዘብ ብምዃን በቲ መራሒ ስራሕ እናተኣልየ ጭቡጥ ዓቕሙን ዝነበረሉ ከባብን ብዝፈቕዶ መሰረት፡ ብዝተወደበ ኣገባብ ናቱ ምቅሊት ስራሕ ወሲዱ ኣብ ተግባር ዝዋሳእ ወሳኒ ሓይሊ’ዩ። ሓታትን ተሓታትን ብመንጽር ሓባራዊ ዛዕባኦምን ምቅሊት ስራሖምን

Add a comment

جبهة الإنقاذ تعقد ندوة سياسية في مدينة "أوكلاند" بكالفورنيا

رئيس التنظيم يؤكد في الندوة على:·عملية إحداث التغيير الديمقراطي في إرتريا ليست مسؤولية تنظيم سياسي أو تنظيمات سياسية بعينها، بل هي مسؤولية كافة القوى الحية والقادرة على تحمل مسؤولياتها الوطنية.· جهود جادة لإخراج المعارضة الوطنية من حالة الضعف التي تمر بها في الوقت الراهن. استغلال النظام الديكتاتوري صراعات المنطقة في إطالة أمد حكمه.

Add a comment

ዕድመ ድራር ውጉእት ሓርነት

ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እንገብሮ ድራር ነቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ዶሮናን ሃገር ሱዳን ምስ ኵሉ መውጋእቲ ስቓይን : ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን ወዘተ….. ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን
ኣሕዋትና ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኵላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፤ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኺ/

Add a comment

ጽላሎትነት ፍትሒ (The Illusion of Justice)

ዝኾነ ትርጉመንኣስታት 20 ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣስመራ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ገዛይ ኣብ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ተሰቒሉ ዝነበረ ታቤላ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዚብል ጽሑፍ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብልበይ ድማ፡ እዛ ፍትሒ እትብል ቃልሲ ክሳዕ ክንደይ እያ ተናዒቓ ዘላ፡ ክሳዕ መኣስከ እያ ተናዒቓ ክትነብር ተመዲቡላ ዘሎ፡ ብምባል ደጋጊመ እሓስብ ነይረ። ናይ ደሞክራሲ ጉዳይውን ከምኡ። ኣብ ኤርትራ እዘን ክልተ ኣምራት እዚኣተን፡ ባዕላተን እውን ናይ ትርጉምን ናይ ትግበራን ፍትሒ ዝረኸባ ኣይመስላን። ከምቲ ህግደፋውያን ዚብሉዎ ግን፡ ናይ ሓቂ ትርጉመን ዚትግበረሉ፡ ማለት ከምቲ ህዝቢ ዚግምቶን ኣብ ዓለምና ድማ ዝውቱር

Add a comment

ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ፖለቲካዊ ወሻሽም ክቐያይር ዝመሰዮ መንግስታዊ ጉጅለ፡

መርሕነት ህግደፍ ትማሊ ባህጊ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ መትከል ኣይነበሮን። ኣብ’ቲ ካብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ፍጮ ዝወጽአ ናቱ ጸቢብ ጉጅላዊ ሕሳባት ከረጋግጸሉ ዝሓዞ ኣንፈት’ውን ቀጥ ኢሉ ዝኸይድ ዘይኮነ፡ ከከም ኩነታቱ ዝጋላበጥ’ዩ ነይሩ።

Add a comment

ነጻነት መራኸቢ ብዙሓን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎ ተገሊጹ፡

ነጻነት መራኸቢ ብዙሓን ሓደ ኣካል ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ምዃኑ፡ ይኹን ግን፡ ኣብ ዓለምና  ብሓፈሻ፡  ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ሓደገኛ እናኾነን እናደኻመን ይመጽእ ምህላው፡ ብ3 ግንቦት 2018 ኣብ መላእዓለም ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ፡ መዓልቲ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝተገልጸ ምንጭታት ሓቢሮም።መንግስቲ ህግደፍ ብዘርእዮ ዘሎ ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍኦ ዓፈና፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ድሕሪ’ታ ብዝኸፍአጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ምግዳብ ነጻነት መራኸቢ ብዙሓንን እትውቀስ ሃገረ ሰሜን ኮርያ ከምእተሰርዐት፡

Add a comment

ብጃምላዊ መቕዘፍቲ ዜጋታቱ ዘይሓዝንን ዜናዊ መርድእ ዝነፍግን ጉጅለ ህግደፍ.............

ብጃምላዊ መቕዘፍቲ ዜጋታቱ ዘይሓዝንን ዜናዊ መርድእ ዝነፍግን ጉጅለ ህግደፍብልኡላዊ  መሬት ይግደስ ’የ ክብል ኣየምሕረሉን ክብሉ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ኣፍሊጦም።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ዝተገፈፉ፡ ገለ ብዘይጭቡጥ ምኽንያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ክሳቐዩዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ዝኾኑ ዜጋታት፡ ኣብ መስመር ኣስመራ ባጽዕ ብዝጋጠመ ምግምጣል መኪና፡ ልዕሊ40 ሰባት ከም ዝተቐዝፉ፡ ልዕሊኦም ከኣ ብከቢድን ፈኲስክን ከም ዝተጎድኡን ዝገለጹ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡
በዚ ዘይስንብድን ብወግዒ መግለጺ ሓዘን ዘየውጽእን መንግስቲ መንግስቲ ኢልካ ክትገልጾ ኣጸጋሚ’ዩኢሎም።

Add a comment

ፖሊቲካን ሃይማኖትን- ናይ ኤርትራ ቅልውላው

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እንተረኤና ካብ ፖሊካዊ ቃልሲ ክሳብ ብረታዊ ቃልሲ ቀጺሉ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ምንጪ ክሳብ ሕጂ እውን ክፍታሕ ዘይተኻእለ ፖሊቲካዊ ምሕደራን ሃይማኖትን ፈሊኻ ዘይምርኣይ ኢዩ፣ምንጪ ናይ ግርጭት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ መንነት ወይ ድማ ካብ ስነ-ሓሳብ ዝመንጨወ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መንነታት ከም ሃይማኖት፣ ዓለት ቋንቋ፣ ኣውራጃ ኢዩ፣ እቲ ቀንዲ መሃንድስ ናይዚ መንነታት እቲ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኢዩ፡ ስዒቡ ድማ እቲ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝርኤ ዘሎ ኣሰዃኹዓ ኣብ ፖሊቲካዊ ይኹን በርገሳዊ ኣብ ሃገራዊ መንነት ዘይኮነ ኣብ ሃይማኖታውን፣ብሄራውን፣ ኣውራጃዉን ዝተወደበ ኢዩ፡፤ ልክዕ ኢዩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ መንነት ወይ ሃገረ ኤርትራ ብዙሓት ሕዝብታትን ቋንቋታትን ሃይማኖትን ከምዘሎ ፍሉጥ ኢዩ፣ እቲ ተሳኢኑ ዘሎ ጥበብን ኣፍልጦን ነዚ መንንታት እዚ ከመይ ተመሓድሮ እዪ። እቶም ፖሊቲካ ፈሊጣውያን ኤርትራ ነዚ መንንታት እዚ እናመዝመዙ ሕዝቢ ኣብ ሓድሕዱ እምነት ከይሕድርን ብሓንሳብ ብሰላም ዝነብረሉ ክንዲ ዘናዲ ኣብ ናይ ሓድሕድ ጽልእን ባእስን ይኣቱ እታ ሃገር ከም ሃገር ዘይኮነትስ ናይ ውግእ ጎይቶት/ War-Lords/ ዝዕንድሩላ ቦታ ኮይና ትተርፍ፣ እዚ ከይከውን እዩ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘገድሶም ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምእትታው ዘይኮነስ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብታ ሃገር ጸጥታን ሰላምን/ stability and security/ ንኦም ብዘገልግል ከመሓድር ዝኽእል ሓይሊ ዝመርጹ።

Add a comment

ቀቢላዊ ድራኸ (Tribal Urge)

ኣብ ከባቢ 1962፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብታ ከተማ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ብዙሓት ኣይነበሩን። እቶም ዝነበሩ ግን፡ ካብ ሰቦም፡ ዓዶምን ባህሎምን ርሒቖም ብምንባሮም፡ ዚእክቦምን መንነቶም ዚሕልወሎምን፡ ስምዒት ውሕስነት ዚህቦምን መፍትሒ ንኺረኽቡ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብቲ እዋንቲ እዩ ማሕበር ምትሕግጋዝ ሰም ዓሰም (ሰራየ) ዚብል ምትእኽኻብ ይካየድ ከም ዝነበረ ብኣዝማደይ ዝሰማዕኩ። ኣብቲ

Add a comment

ፖለቲካዊ ምንዝርና

ውልደቱ ፖለቲካዊ ድሕረት ሚዛኑ በለጽ መንነት ዘይብሉ ህይወቱ ዝመርሕ ብሎቕመጽመጽ ብረሃጽ ካልኦት ዝነብር ከይበለ ሓጎጽጎጽ ፍትሒ ዘይለይቱ ዘመሓድር ብሕረድ ቁረጽ ሓባራውነት ዘይመትከሉ ኣገልጊልካ ቅበጽ።

Add a comment

ኤርትራ፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተኣስሩ ትሕቲ ዕድመ ተፈቲሖም

Haji Mussa

ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተኣስሩ ትሕቶ ዕድመ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 17 ዝርከቡ ትሕቶ ዕድመ፣ መብዛሕቶም ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላሚያ ኮይኖም፣ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀርብሪ ሓጂ ሙሳ፣ ብኣልማማ ዝተገፈፉ'ዮም።

እቶም ትሕቲ ዕድመ፣ ኣብቲ ብ3 መጋቢት ኣብ መቓብር ሸኽ ኣላሚን ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ድሕሪ ምስታፎም፣ ኣብ ዝፋነውሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብጉዳይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ተገፊፎም ከምዝተወስዱ ስድራቤታቶም ምሕባሮም ኣይርሳዕን።

Add a comment

ብምኽንያት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ-ሸቃሎ፡ ግንቦት ሓደ ዝተዳለወ ውድባዊ መግለጺ።

ሎሚ ግንቦት ሓደ፡ መዓልቲ ሸቃሎ፡ ንመበል 125 ጊዜ ብዓለም ደረጃ ትኽበር ኣላ። እዛ ዕለት'ዚኣ፡ ንቃልስን መስዋእትን ሸቃሎ ብኽብሪ ንምዝካር ተባሂላ ዝተሰየመት ታሪኻዊት በዓል እያ። ስለዚ ከኣ፡ ንሸቃሎ ኤርትራ'ውን፡ ከም ኣካል ኣምሳል ሸቃሎ ዓለም መጠን፡ ክብርቲ በዓሎም እያ። ዘኪሮማ ክውዕሉን ብህሉው ኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ብሓፈሻ፡ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ሂወት ድማ ብፍላይ፡ ኣልዒሎም ዝዝትዩላ መዋጽኦ ዝእምቱላ ክብርቲ ዕለቶም እያ።

Add a comment

ውሽጣዊ ተቓራኒ ሓይሊ (dialectics of growth)

ኩሉ ለውጢ ወይ ሰውራ፡ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ወይ ተቕዋም ወይ ኣተሓሳስባ ወይ ቅርጺ (structure) ብምንጻግን ብምቅዋምን፡ ብምእዳምን እዩ ንጥፈታቱ ዚጅምር። እቲ ዝነበረ ንዘልኣለም ኪቕጽል ኣይክእልን።ብቐደሙውን ንዘልኣለም ኣይነበረን። ኩሉ ነገራት ይውለድ ወይ ይፍጠር ወይ ይድኰን፡ ብድሕርዚ ይዓቢ፡ኣብ መወዳእታ ድማ ይመውት ወይ ይበታተን። ካብዚ ሕግዚ ዘምልጥ ግዙፍ ወይ ረቂቕ ነገር የልቦን። እዚባህርያትዚ፡ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ነገራትን ኣብ ሰብን፡ ኣብቲ ሰብ ዘፍርዮ ሓሳባትን፡ ዚምስርቶ ማሕበራዊ ወይቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይውን ሃይማኖታዊ ትካላት ይኽሰት። በዚ መሰረትዚ፡ ትካላት ይድኰናን ይዓብያንይሞታን። መንግስቲ ይቐውም፡ ይዓቢ፡ ይበታተን። ሓሳባት ይፍጠሩን ይዓብዩን ይሞቱን፡ ብኻልእ ሓሳባትድማ ይትክኡ። ሃገራት ይፍጠራን ይዓብያን ይበታተናን ወይ ይጠፍኣን። ትካላት እምነትውን ብወገነንይውለዳን፡ ይዕምብባን ይቕምስላን ወይ ይብረዛን

Add a comment

መርሆ

ብባህርን ምስልን ንክልተ፡ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ኩነት ዝጣመሩ ተርእዮታት ብማዕረ ዝውክል፡  ማንታ ትርጉም ዘለዎ ኣምር ወይ ቃል’ዩ፡፡ካብ ድቅድቕ ጸላም፣ ካብ ዓሚቕ ባዓቲ ወይ’ውን ካብ መሪር መግዛእታዊ ኣርዑት ሓራ ንምውጻእ ዘገልግል፡ መዋጽኦ ወይ’ውን ባብ ራህዋ ክህሉ ግድን’ዩ፡፡ እዚ ባብ’ዚ ካብ ጭንቅን ሕሰምን ዘናግፍ መስተርሆ ናይቲ ኣደራዕ ብምዃኑ፡ እቲ ባብ መርሆ’ዩ፡፡

ናብ’ቲ ክትበጽሖ እትብህጎ መስተርሆ-ባብ፣ ጫፍ ዓወት ንምብጻሕ፡ ንጊዚያዊ ግድላት ካብ እምኒ-ዓረ ብዝተረረ ጽንዓት፣ ውፉይነትን ቅሩብነትን ምብልሓት ዝሓትት’ዩ፡፡ ምንጪ ናይ’ዚ ተኣምራታዊ ሓይሊ፡ ብንጹር ራእይን እስትራቴጂን ዝግራሕ ቅኑዕ መስመር ምዕታር ድማ የድሊ፡፡ እዚ ቅኑዕ መስመር’ዚ መንገዲ ዓወት’ዩ፡፡ ነዚ መንገዲ ዓወት ዝቕልስ ከኣ መርሆ’ዩ፡፡

መርሆ ዕላዊት ልሳን ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ኮይና፡ ከም ውድብ ንዝተበገስናሉ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ቃልስና ንምዕዋት፡ ውድባዊ ፖለቲካዊ ኣማራጺታትና እትእምት፡ መንገዲ ሓቀኛ ዓወት ብምምራሕ፡ ብመንፈስን ተልእኾን ነቲ ዝተሰመየትሉ ዓሚቕ ትርጉምን ረዚን ዕላማን ብብቕዓት ንምፍጻም፡ ኣብ መስርዕ ጸረ-ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ መኸተ፡ ዳግም ናይ ቃልሲ ግቡኣ ንከተበርክት ዝተሰለፈት፡ መርሆ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ዕላማታትና’ያ፡: 

Add a comment

ውሽጣዊ ተቓራኒ ሓይሊ (dialectics of growth) (2)

ኩሉ ለውጢ ወይ ሰውራ፡ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ወይ ተቕዋም ወይ ኣተሓሳስባ ወይ ቅርጺ (structure) ብምንጻግን ብምቅዋምን፡ ብምእዳምን እዩ ንጥፈታቱ ዚጅምር። እቲ ዝነበረ ንዘልኣለም ኪቕጽል ኣይክእልን።ብቐደሙውን ንዘልኣለም ኣይነበረን። ኩሉ ነገራት ይውለድ ወይ ይፍጠር ወይ ይድኰን፡ ብድሕርዚ ይዓቢ፡ኣብ መወዳእታ ድማ ይመውት ወይ ይበታተን። ካብዚ ሕግዚ ዘምልጥ ግዙፍ ወይ ረቂቕ ነገር የልቦን። እዚባህርያትዚ፡ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ነገራትን ኣብ ሰብን፡ ኣብቲ ሰብ ዘፍርዮ ሓሳባትን፡ ዚምስርቶ ማሕበራዊ ወይቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይውን ሃይማኖታዊ ትካላት ይኽሰት። በዚ መሰረትዚ፡ ትካላት ይድኰናን ይዓብያንይሞታን። መንግስቲ ይቐውም፡ ይዓቢ፡ ይበታተን። ሓሳባት ይፍጠሩን ይዓብዩን ይሞቱን፡ ብኻልእ ሓሳባትድማ ይትክኡ። ሃገራት ይፍጠራን ይዓብያን ይበታተናን ወይ ይጠፍኣን። ትካላት እምነትውን ብወገነንይውለዳን፡ ይዕምብባን ይቕምስላን ወይ ይብረዛን

Add a comment

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዞባዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ገድላዊ ግደ ውድብና ነዕዝዝ” ዝብል ጭርሖ ብዕለት 20/04/2018 ዞባዊ ጉባአኡ ኣብ ከተማ ኦክላንድ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ብዓወት ኣሰላሲሉ። ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ሕቡራት ሃገራት መንግስታት ኣመሪካ ብኣካል ክሳተፍዎ ከለዎ፣ ካብ ካናዳ ከኣ ብዘመናዊ መራኺቡ ተሳቲፎም። ብጻይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑን፣ ብጻይ ኣለም ስዩም ምክትል ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶን፣ ብጾት ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሮሞዳን ሳልሕ፣ ጀማል ኣደም ሰንጋል፣ ሳልሕ ሳዓድ እውን ኣብ ጉብኤ ብኣካል ተሳቲፎም።

Add a comment

ንሰላምን ምርግጋእን መርኣያ ዝኾነ ስጉምቲ

ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ኣብ ውሑዳት ዘይኮና ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ብፍላይ፡ ድሕሪ ካብ ባዕዳዊ ግሉጽ መግዛእቲ ተላቒቐን ተዛምዳዊ ናጽነት ረኺበን ሂወተን ምምራሕ ካብ ዝጀመራሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ብሰንኪ ስእነት ቅዋማዊ ብቑዓትን ቅኑዓትን ስርዓታት፡ መመሊሰን ናብ ስዉር ምግዛእታዊ ህይወት እናተቖርና፡ ህዝብታተን ብከቢድ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማትን ሓሳረ-መከራታትን እናተሳቐዩ ዝመጹን ገና

Add a comment

ተስካር ዝለመደ ሕሙም ርእዩ የምባሁቕ፡ ጽግዕተኛ ፖለቲካዊ ባህሪ ጎይታ ብምርካቡ ይስሕቕ፡

ስርቂ፣ ሓሶት፣ ፍሽኩልና፣ ተጸባይነት፣ ተንበርካኽነት፣ ጽግዕተኝነት ኣብ ኩሎም ብሄራትን ብሄረ ሰባትን  ህዝብታት ኤርትራ ቅቡል ኣይኮነን ጽዩፉን ውጉዝን’ዩ። ግን ከኣ ከም’ቲ ካብ ስርናይ ክርዳድ ዘይጠፍእ፡ሳሕቲ ብደረጃ ውልቀ ሰባት የጋጥም ወይ ይረአ’ዩ። ከምኡ እንከጋጥም ብሕብረተ-ሰብና ዝወሃቦ ስም ሕማቕኣማል ዝብል’ዩ። እቲ ሕማቕ ኣመል ካበይ መጺኡ ወይ ከመይ ማዕቢሉ ንምሕባር ከኣ ሕማቕ ማዕበያ ክብልይገልጾ። ሓቂ’ዩ ኩሉ ኣማል ወይ ጠባይ ናይ ሰባት ምስ ኣተዓባብያ ዝተኣሳሰረ’ዩ ዝብል ምሉእ መደምደምታንምሃብ ‘ኳ ዝኸብድ እንተኾነ፡ ማዕበያ ዝለዓለ እጃም ከም ዝወስድ ግን ዘከራኽር ኣይኮነን።

Add a comment

ህግደፋውያን ኣብ ነበርና ይነብሩ ህወሓት-ኢህወደግ ወሓዚ ታሪኽ ይሰርሑ

ወዲ-ሰብ ነባሪ ኣይኮነን። ድሕሪ ዝተወሰነ ርሕቀት ጉዕዞኡ ብሕጊ ተፈጥሮ ይዕገት’ሞ ኣካላዊ ህላወኡ ኣኽቲሙ ናብ ነበረን ታሪኽን’ዩ ዝቕየር። እዚ ሰናይ ፍቓድ፡ ወይ ሕመቕን መንፈዓትን ናይ ደቂ ሰባት ዘይኮነ ሕጊ ተፈጥሮ’ዩ። እንተኾነ በቲ ታሪኽ ዝወርስ ነበረ ኢሉ ዘዘንቱ ሕብረተ-ሰብ ቅቡል ክትከውን ነባሪ ታሪኽ ከተትርፍ እሩም ጸባይ፡ ሕጋዊ ኣካይዳ፡ ቅንዕናን ተወፋይነት ክህልወካ የድሊ። ምኽንያቱ ተግባርካ ድሕረኻ ይዛረብ’ዩ። ቅኑዕን ቅቡልን እንተነይርካ ኣብ ልዕ

Add a comment

ወተሃደራት ህግደፍ ብላዕሊ ንዝመጽኦም ትእዛዝ ናይ ዘይምቕባል ንቕሓት የማዕብሉ ከም ዘለው ተገሊጹ

ቅድሚ ሎሚ ካብ ላዕሊ ዝወርደሎም ትእዛዝ ወይ መምርሒ፡ ሕማቕን ጽቡቕን ከይመመዩ ተቐቢሎም ብትግሃት ዝትግብሩ ዝነበሩ ወተሃደራት ህግደፍ፡ ካብ’ዚ ቀረባ ግን፡ መምርሒ ክግለጽ እንከሎ ጽን ኢልካ ዘይምስማዕ፡ ኣብ ካልእ ዕላልን ጸወታን ምድሃብ፡ ኣብ ስራሕ ምስ ወፈረካ፡ ስራሕ ከምዘይጽብቕ ምግባር ሓድሽ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የርእዩ ኣለው ክብል ንስለ ድሕነት ስድራ ቤቱ ስሙ ክግለጽ ዘይደለ፡ ነዊሕ ዓመታት

Add a comment

ክብረት ዝተሐረሞ ኤርትራዊ መንእሰይ

ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ምስ ተገፍዔ,ኣብ ከባቢ ሸግርኒ ብሐደጋ, ህልቀት መንእሰያት ምስ ሰማዕኩ,ወየ ወየ ደቀየ እንዳ በልኩ ማንታ ማንታ ነቢዔ,,

Add a comment

ስርዓት ህግደፍ፡ ስጋ ሰብ በሊዑ ደም ሰብ ስለዘጉስዕ፡ ተናዚዙ’ውን ኣይጸድቕን’

ማዕከናት ዜና ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ድሕሪ 14 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምፍጻም ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምርኻቡ ብምጥቃስ፡ እቶም ከነጥፍኣኩም ኢና፡ ኣይንፈትወኩምን ኢናዝብሉና ዝነበሩ ጸላእትና፡ ጽንዓትናን ሓቅነትናን ስለዝሰዓረ፡ በጃኹም ተዓራረኹና ፍተዉናይብሉና ኣለው” ብምባል ዋጥየንን ኣቃጪጨንን። እንተኾነ ንዓይ ነንጭዋዶ ኣብ ለቆታ” ከም ዝበሃል፡ መርገጽን ሜላን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ምስ ሃገራት ዝምስርቶ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባውን ወተሃደራውን መዳያት፡ ትማሊ ዝነበረ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ’ውን ዘይቅየር ፖሊሲ

Add a comment

መጸዋዕታ ንኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ተቀማጦ ጀርመን

Image result for frankfurt germany

ብመሰረት እቲ ኣብ ደንሃክ-ሆላንድ ብደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝተጋብአ ዋዕላ ምርኩስ ብምግባር ኩሉናማሕበራትን  ውልቀ-ሰባትን ድቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ንነብረሉ ሃገራት ኣብ ህልዊ ኩነታት ደቂ ኣንስትዩ ዘተኮረሓደ ጥርኑፍ ዝኾነ ኣስራርሓ ንክህልወናን ስፍሕ ዝበለ ናይ ምርድዳእን ምይይጥ ባይታ ከነጣጥሕ ኣብ`ቲ ብቀዳም ዕለት 05/5/2018 ልክዕ ሰዓት 14:00 ድሕሪ ቀትሪ እነካይዶ ኣኼባና ክትሳተፋ ብክብሪ ንዕድም።

Add a comment

እዘን ውድባትን ሰልፍታትን ኣይውሓዳንዶ?

ውድብ ወይ ሰልፊ ምምስራት ካብ ምሕሳብ ካብ ምእማን ኢዩ ዝብገስ፡ ክንደይ እምነታት ክንደይ ኣተሓሳስባኸ ኣሎ ንዝብል ሰብ መልሱ ማእለያ የብሉን ኢዩ ፡ ስለዚ ክንደይ ውድባት ክፍጠራ ይኽእላ ንዝብል ሕቶ መልሱ ወሰን የብሉን። ኣብ ግብጺ ድሕሪ ዓርቢ ሓርነት 52 ሰልፍታት ፡ኣብ ጀርመን ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ ጀርመን 82 ሰልፍታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ 62 ሰልፍታት ተፈጢረን፡ እቲ ሕቶ ኣብ ምርጫ ክንደይ ሓሊፈን ኢዩ=====2

Add a comment

ህግደፍ ምስቲ ትማልን ሎሚን ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ክገልጾ ዝጸንሐ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምስጢር ክዛተ ምጽንሑ ሓቢሩ

ሕንቃቐ ዘንቀሎ በሽቀጥቀጥ ደኣምበር፡ ናይ ብሓቂ ምስ ኣሜሪካ መሰረታዊ ባእሲ ከም ዘይብሉ ካብ ቀደሙ መሳርሒ ናይ ኣሜሪካ ምዃኑ’ኳ ርዱእ እንተነበረ፡ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ብምሉእ ስዕረቱ ዝተዛዘመ ኲናት ባድመን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ 2003 ምስተዋህበን ብዱል ክመስል ምምሕዳር ዋሽንግቶን ዝብል ጽዑቕ ጎስጓሳት ከካይድ ጸኒሑ።

Add a comment

ንሐቂ ሐቂ ንጌጋ ጌጋ ካብ ምብል ኣይለቋርጽንየ

ውረ ውረ«ዓዲ  ጀጋኑ ኣያ ሲኢኑ«በዓል ስረ ተወረረ«፡ ኢሰያስ ብውሽጢ ኤርትራ፡«፡ብወገን ኢትዮጵያ ገለ ሳዲስቲ ተጋሩን ኣምሐራን ገለ ሙሁራት ኤርትራዊያንን« ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርዱና፡ዓይኒ ዘለዎ ይርኤ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ኣይበዝሔን ዶ ኣንድነት እንዳ በልካ ንብዓት ሐርገጽ ምንባዕ፡«፡

Add a comment