Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ብምኽንያት ሓገዝ ነቶም ንልዕሊ 40 ዓመታት ብውግእ ዝሰንከሉ'ሞ ኣብ መደበር ከሰላ ሃገር ሱዳን ዘለዉ ብናይ ቁስልን ቃንዛን፥ብሕማም ሽኮርን፥ ጸቕጢ ደምን፥ ካልእ ተወሳኺ ሕማማትን፥ ብደሮናን ሙቐትን፣ እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት፡ኣሕዋትናን ብጾትናን ሓገዝ ንምግባር መዲብና ስለ ዘሎና ናባኻትኩም እንቕርቦ ሓሳብ ቅቡል ብምዃኑ ዘልፕና እምነትን ትጽቢትን ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ። ዝብዕለሉ ቦታ ኣብ Eritreische Vereinibung Heilbronner Straße 107 PLZ 70191 Stuttgart ካብ Bahnhof ብእግሪ መንገዲ 10 ደቓይቕ ኰይኑ ንዕለት 24-11-2019 ካብ ሰዓት 16.00 ተጀሚሩ ዝቕጽል ምዃኑ ብትሕትና ንዕድመኩም።

Add a comment

ትካላዊ መርሆ ዘይብሉ መንግስቲ፡ ኣንፈት መጻኢ ዕድሉ ዘይፈልጥ ትውልዲ የፍሪ

ኣነ ብጌጋ ከይትርድኡንን ከይትቕየሙኑን ኣቐዲመ ይቕረታ ይሓትት፡ ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን። ኣብ ሓንቲ ሃገር ህላወ ብህዝባዊ ዘተ በሲሉ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም፣ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዘኽብሩ ትካላት፣ ብኩለንተንኡ መንነቱ ዝፈልጥን ብመንነቱ ዘይስከፍ ዝኾርዕ ህዝቢ፣ ፍትሓዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት፡ ኣድላይነቱ ብዝኾነ መለክዒ ኣብ ምርጫ ዘይኣቱ ረቛሒታት’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚኦም ክህልውን ትካላዊ ውሕስነት ረኺቦም ክቕጽሉን’ውን ከምኡ።

Add a comment

መግለጺ ሐዘን ብምኽንያት ዕረፍቲ ሐውና ገብረእግዝ ኣቢሄር( ጃዕመል)

ገብረእግዝኣብሄር ገብረስላስየ ማና ዓሪፉ‘ ዓዲ ሰጉዶ; ቤት መኻእ ሰሚዕኩም ዶ‘ዓዲ ኩልና ከይዱ ገብረስላስየ ዝወለዶ‘ ወዲ ኣዝማሪኖ ጻዕዳ ካብ ተበገስካ‘ ሐወይ ሐወይ ኢልና ከነፋንወካ‘ ዓዲ ኣርሒቅና‘ኣምላኽ ኣብ ዝፋኑ ይቀበልካ‘ ጃዕመል ወዲ ኣስመራ ጻዕዳ‘ ዘሕለፍካሉ እንበር የብካን ዕዳ‘ጽላል ዳዕሮ ነርካ ኢላ‘ ጓላ ምስ ወዳ።

Add a comment

ካብ ኣብዘለኻዮ ምኽርዛዝን ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ሃላልነትን መታን ክንድሕን

ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሕማም ነዊሕ ሰረት ዘለዎ’ዩ። ኣብ በብመድረኹ ንምፍዋሱ ዝግበር ፈተነታት ምንባሩን ዛጊት’ውን ምህላውን ድማ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ። በቲ ፈተነ ዝተረኽበ ውጽኢት ግን፡ ንዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ኣንፈት ገላሊሁ ዘጽሪ፡ ብህዝብን ሃገርን ንዝንግዱ ውዲተኛታት ዘረግቲ ብጭብጥን በረኣእይን ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ኣቕሪቡ ዘቃልዕን
 

Add a comment

ሃየ ተባራበር ወዲ ሃገር !!

ሃገረይ እንታይ እዩ ሽግርኪ

ወደባት ክትረግጺ ሙሉእ መዋልኪ

ወግሔ ጸብሔ ይባራረዩልኪ

መዕለብ ኩሉ ኮንኪ ሰማዒ ሲኢንኪ

ክብረተይ ባዕለይ ክሕመሎ ኣደራዕ ስቃይኪ

Add a comment

ቆጸራና ን31 ጥቅምቲ

ንውዲት ክንምክት ምእንቲ መጸዋዕታ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ኣይኮነን ንክትከፍሉ ክልተ ካብ ሚእቲ ህዝቢ ክድሕን ካብ ዳግማይ መግዛእቲ፣

Add a comment

ኣምለኽቲ ኢሳያስ ሎሚ’ኸ ይስቆሮም’ዶ ይኸውን?

ዝበዝሕ ወዲ-ሰብ መግለጺኡ ይፈላለ እንተዘይኮይኑ ብወግዒ፡ ኣብ ህላወን ሓይልን ፈጣሪ ዝእምን ሃይማኖተኛ’ዩ። ውሑዳት ባህላዊ ሰረተ እምነት ዘለዎም ኣለው። ካብ’ቲ ኣማኒ ወይ ሃይማኖተኛ ብቑጽሪ ኣብዚ እተው ዘይበሃሉ ኣዝዮም ውሑዳት ከኣ፡ ኣብ ህላወን ዘይህላወን ኣምላኽ ነግ ፈረግ ዝብል ዘይተነጸረ እምነት ዘለዎም ተመራመርቲ፡ ከምኡ’ውን ይብላ ሰሚዐን ይማላኣ ሰሊዐን” ከም ዝተባህለ፡ ይብሉ ኣለው ኢሎም ኣብ ዘይፍልጥዎ ተለኪሞም ኣብ መንጎ መንጎ ክነብሩ ዝፍትኑ’ውን ኣለው። ብሓደ እምኒ ክልተ ዑፍ” ዓይነት ሰብኣዊ ተፈጥሮኣዊ ክብሮም ኣዋሪዶም፡ ኣብ ውልቀ

Add a comment

ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ

ኤርትራ ድሕሪ'ቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ናበይ ገጻ እያ? ህልው ኩነታት'ታ ሃገርን ብዝምልከት ምስ ዳንኤል መሓሪ :ኪሮስ ተክለአብ: ዳዊት ተክለን ከሰተ በራኺን ዝተካየደ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Add a comment

ትግራዋይ ዳዊት ነቲ ሐቂ ኣይትሸፍኖ

ኤርትራ መኻን ኣይኮነትን‘ ክንካኸለላ ኢና ህዝባ

ጭርሖ ትግራይ ትግርኚ መዓስ ይዓጅባ

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ ብዓጀባ

 ኤርትራ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣኽራን ዝኸበባ

ኤርትራ ንኤርትራዊያን ደቂ ርስቲ ኣለና እንዳባ

ኩሉ ምህዞ ናይ ነጋዳይ ትግራዊይ ዳዊት ዘረባ‘‘

Add a comment

እዋኑ፡ መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ግብርን ለውጢ ‘ምበር፡ ብስምስም ኣብ ጋማን ንምንባር ዘፍቅድ ኣይኮነን።

ህዝቢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላው ወጺኡ፡ ከም ህዝቢ ንቡር ህይወት ክመርሕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ደሞክራስያውን ምሁራትን ካብ’ቲ ዝጸንሐ ዝሩግ ወይ ድሑር ስምዒታት ሓራ ዝኾነ፡ ብሓቂ ህዝባዊ ዝኾነ ገዛኢ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ቅድሚት ክመጽእ ኣለዎ። ክሳብ ሎሚ ዝመጻኣናዮ ብዓብላሊ ብፖለቲካዊ ድሕረት ዝተዓብለኸ ወይ ከም’ቲ ኣብ ዓውዲ ዘኹድድ ምሕርትን ሓሳርን ዝሓዋውስ ዘራጊቶ ንፋስ፡ ካብ ዘለዎ ንድሕሪት እናተመልሰ፡ ሕድሕዱ እናተኻሰሰን እናተነኸሰን ሕምብሊል ዝብል ‘ምበር፡ ህዝብን ህዝባዊ ስልጣንን ማእከሉ ገይሩ፡ ዓቕሙ ጸንቂቑ ዝዋሳእ ኣይነበረን። ኣብ ክንዲ ካብ ዝኣተኻዮ መዓሙቕ ድሕረት ክት

Add a comment

ኤርትራ ዝመበቆሉ ዮሴፍ ንጉሰ፣ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ

Yosef Nguseኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ማእከላይ ግዜ ምርጫ ኣባላት ባይቶ፣ ንሰልፊ ደሞክራትስ ብምውካል ኣብ ኮሎራዶ፣ ካልኣይ ዲስትሪክት ዝተወዳደረ ኤርትራ ዝመበቆሉ ዮሴፍ ንጉሰ፣ ተመሪጹ። ኣብ ኣመሪክ ዝተወልደ፣ ወዲ 34 ዓመት ዮሴፍ ንጉሰ፣ ኣብ ታሪኽ ኮሎራዶ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣባል ባይቶ ወይ ኮንግረስ ኮይኑ ዝተምርጸ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዕድመ'ውን ካብቶም ዝነኣሱ ኣባላት'ዩ።

ንሱ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ስደተኛታት ኮይኑ ናብ ኣመሪካ ዝመጹ ስድራቤቱ፣ ዝገበርሉ ምህብሓብን ናብዚ ደረጃ ንኽበጽሕ ዝገበርሉ ጻዕርን ምትሕግጋዝን ኣመስጊኑ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሚነሶታ'ውን ሶማል ዝመበቖላ ኣመሪካዊት ኢልሓን ዑመር፣ ንደሞክራትስ ብምውካል ኣባል ባይቶ ወይ ኮንግረስ ኮይና ተመሪጻ።

Add a comment

ኤርትራ ቀያሕትን ጸለምትን ከፋላ'ኣይጸበቐን ዕድላ

ሃገርና ኤርትራ ቀያሕትን ጸለምትን ከፊላ‘ዓዲ ጀጋኑ ኣይጸበቐን ዕድላ‘ኤርትራ ሃገርና ከም ሎሚ እኳ ዘይሐሰማ‘ምስ ሃብታ ክትሐር ጾማ‘ኣብ ርእሲ ከተማ ኣስመራ ባኒ‘ ክሽየጥ ኣብ ጽርግያ‘ኤርትራ ብህግደፍ ከም ጨው ፈርያ‘ኤርትራ ብጃንዳ ህግደፍ ጠምያ‘ ኤርትራ ምስ ሃብታ ከላ ደኽያ‘

Add a comment

ካምፓላ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ 340 ኤርትራውያን ዑቕባ ሓቲቶም

uganda_unhcrኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፣ 340 ኤርትራውያን፣ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስደተኛታት፣ ሕቶ ዑቕባ ከምዘቕረቡ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ካብታ ሃገር ገሊጹ።

     ኣብታ ወርሒ እቲኣ ጥራይ 1264 ስደኛታት ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኡጋንዳ ከምዝኣተዉ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፣ ካብዚኦም እቶም 745 ዜጋታት ሶማል ክኾኑ እንከለዉ እቶም 100 ከኣ ሩዋንዳውያን'ዮም።

     ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ከተማ ካምፓላ ዑቕባ ዝሓተቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ኡጋንዳ ዝኣተዉ'ዮም።

     ብዘይካ'ዚ ናይ መውጽኢ ቪዛ ዕድል ዝረኸቡ ኤርትራውያን'ውን ኡጋንዳ ድሕሪ ምእታዉ ዑቕባ ይሓቱ ከምዘለዉ ይግለጽ።

Add a comment

ተወሳኺ ሓበረታ ንሰለማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት 31.10.2018

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብቲ ጠቕላይ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጽያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣኸባ ዘካይደሉ ናይ ኮመርስ ባንክ ኣረና መዳ መጻወቲ ኩዕሶ እግሪ እዩ።

Add a comment

ተጋዳላይ፥ መጸውዒ ዘይኮነስ ባህርይ እዩ

ተጋዲልና ኢና፡ ይኣኽለና”፡ ዚብል ኣዘራርባ፡ ነቲ ተጋዲለ እየ ዚብል ሰብ ብብዙሕ መገዲ ክብሩ ከውርደሉ ይኽእል እዩ፡ ከመይሲ ምግዳል ወይ ምቅላስ፡ ባህርይ እምበር ብሰብ ዚውሃብ መጸውዒ ወይ ሽመት ወይ መዓርግ ኣይኮነን። ባህርይ ድማ ኣብ ሓደ መድረኽ ዚፍጠር፡ ኣብ ካልእ መድረኽ ድማ ዚጠፍእ ኪኸውን ኣይግባእን። ከምኡ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ባህርይ ከም መጋበርያ (expediency) እዩ ተራዒሙ ነይሩ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ምግዳል ኪብሃል ከሎ፡ ይኣኽለኒ ዘይፈልጥን ዘይቋርጽን፡

Add a comment

ውድቀት ሃገር ዓይኒኻ እናረኣየ ዘይምእማን መድሓኒት ዘይብሉ ሕማም’ዩ።

ብውሽጣዊ ሕማም እናተሳቐኻን ብማዳ ዝተደወነ ገጽካ እናሓበረን ኣብ ክንዲ ናብ ሕክምና ምኻድ፡ ሕማምካ ካብ ሰብ ንምሕባእ ኣነ ደሓን’የ ዝኾነ ይኹን ናይ ጥዕና ጸገም የብለይን፣ ክንዲ ሎሚ ከማን ጽቡቕ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እናበልካ፡ እቲ ብኣጋ ተፈዊሱ ክድሕን ዝግበኦ ዝነበረ ሕማም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ሞት ክሳብ ዝወስደካ ምጽባይ፡ ካብ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምቕታል ማለት ነብሰ ቕትለት ዘይንእስ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ጥዕና ይመኽሩ። ብተግባር ከኣ ዝበዝሕ ካብ ህዝብና ነባሪ ገጠር ሓሚሙ ኣብ እዋኑ ናብ ዘመናዊ ሕክምና ከይዱ ኣብ ክንዲ ዝፍወስ፡ እቲ ገለ ሕማሙ ተጻዊሩ ቀዳምነት ግዜኡ ንስራሕ

Add a comment

ካብ ኣብ ዘዘለኻዮ ምኽርዛዝን ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ሃላልነትን መታን ክንድሕን

ኣብ ሳልሳይ ክፋል፡ ትማሊ ኣብ ህዝቢ ክስራሕ ዝነበሮ’ሞ ዘይተሰርሐ ፖለቲካዊ ህንጸት ኣጣዒስዎም፡ መትከላዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሎም ኣብ ክንዲ ዝረባረቡ፡ ኣብ ዕለታዊ ስራሓት ተጸሚዶም ጋም-ማን ክብሉ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኽን ተመክሮን’ዩ። ገሊኦም ከርዚዞም፡ ገለ ኣንፈቱ ብዘይፍለጥ ብዓጋም ጠሓስ ፖለቲካዊ ሃላልነት፡ ወርቃዊ ናይ ለውጢ ዕድላት ንከንቱ ይሓልፍ፡ ህዝቢ ድማ ይብተን ኣሎ። እሞ ንብሕጂ’ኸ እንታይ ይገበር

Add a comment

ዲፕሎማስያዊ ዓወት ውጽኢት ቅንዕናን ጥበብን ‘ምበር፡ ፍረ ህልኽን ውዲትን ኣይኮነን

ድሕሪ’ቲ ኣብ መጀመርያ 90ታት ብምምሕዳር ቢልክሊንተን ንጂኦ ፖለቲካዊ ሓቅታት ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ኣብ ኣርባዕተ ጎጅሉ፡ ነዘን ልዕሊ 50 ሃገራት ድማ ናብ’ዚ ወይ ናብ’ቲ ጂኦ ፖለቲካ ክጥመራ ምሕላኑ፡ ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዝካ ኩነታት ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል፡ ምልክታት ነይሮም’ዮም። በቲ ሓደ ካብ’ቲ እዋንቲ ጀሚሩ ንስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዝነበረ ደገፍ፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ፡ በታ ኣብ’ቲ እዋን ብመሪሕነት ነብስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዘይናዊ ትምራሕ ዝነበረት ኢትዮጵያ ወይ ልክዕ ንምዃን ፈደራላዊት ደምክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ መላፍንቲ ክትከውን ዝብል ሕልሚ ነይሩ። ክሊንተን ከምኡ ክሓስብ እንከሎ ግን ዝሰሓቶ ሓደ ዓቢ ዛዕባ ነይሩ።

Add a comment

ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዓወት ኣሳላሲለን !!

ከም ዝፍለጥ ኣብ ወርሒ 3. 2018 ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ፣ ካብ ሙሉእ ኤውሮጳ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከተማ ደንሃግ ኣኸባ ድሕሪ ምግባርና፣ ሓደ ካብቲ ስምምዕ፣ ነፍስወከፍ ማሕበር ኣብ ቦቦተኤና ማሕበር ክንተክል ድሕሪ ምስምማዕና፣ ኣብ ሃገረ ጀርመን እንርከብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብመሰረት ስምምዕና ማሕበር ንምትካል ፣ ብዕለት 19-21 10.18 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጉባኤን
 

Add a comment

ብህዝብናን ሃገርናን ወርትግ ካብ እንሻቐል፡ ተወሃሂድናን ተደጋጊፍናን ንቃለስ፣

 ኣብዚ ውቕቲዚ ኣብ ህዝብታትናን ተቓወምቲ ሓይልታቶምን ኣብ ርእሲቲ ብመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝወርዶም ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ወጽዓን ሓሳረ-መከራን ዝፈጥሮ መዳየ-ብዙሕ ሕሰማት፡ ምስ ጉዳይ ዶብ
ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላምን ሕጋውን ኣገባብ ንምፍታሕን፡ ሓፈሻዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምምሕያሽን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዘተ፡ ኣብ ኣተሓሕዝኡን መራሕቲ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝህብዎ ዘለዉ
ኣሰካፊ መግለጺታትን ጥርጡር ኣካይዳን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይዚ ዘርእዮ ዘሎ ተለማማጺ ዘይእመን ኣካይዳን ዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኩሉ ኤርትራዊ ዝንጸባረቕ ዘሎ

Add a comment

ምድሓን ሃገር! መተካእታ ዘይብሉ ናይ ቃልሲ ጸዋዒት፡

ሃገርና፡ ብናህሪን ቀጻልን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ይወርዳ ኣሎ። ኤርትራዊ ሓበንን ንያትን ብሕሱም ክዳሃኽ ስለዝጸንሐን ዘሎን፡ ዜጋታታ ነታ ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ከፊሉ ናጽነታ ዝተጋገጸላ ሃገሩ ራሕሪሑ ኣብ ምብትታትን ይርከብ። ኤርትራ፡ ብዘይ ህዝባ፡ ህዝባ ብዘይ ሃገረ ኤርትራ ክብራዊ መንነት ክህልዎም ኣይክእልን። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ውጽኢት ናይ ነዊሕ ዓመታት እከይ ምሕደራ ስርዓት ውልቀ-

Add a comment

ጻውዒት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ አብ ከተማ ስቶክሆሎም

ሓይሊ ዕማም ሰተክሆሎም ብምኸንያት ዓመታዊ ዝኽሪ አቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ቶካሲ ሰውራ አኸርያ ካብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልሓቅ ንምዝካር ብኸብሪ ትዕድም ።
ዕለት 03/11/2018
ሰዓት 15:00 – 19:00
ቦታ ፣ Tensta träff

Add a comment

ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፎርት

ዕላማ ናይ’ዚ ሎሚ፣ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2018፣ ኣብ ፍራንክፎርት ዚግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን፥ ንኣኼባ ኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ኤውሮጳ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ፈደራላዊት ኢትዮጵያ - ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ -  ንምዕንቃፍ ዘይኮነስ፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕ ኤርትራ ዚገብሮ ዘሎ ዘይግሉጽ ስምምዓት፣ ስምዕታንን ምሕጽንታንን ንምግላጽ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ አብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዘላ ወይ አብ ትሕቲ ምስሊ ናቱ ዚኾነ ጉጅለ ህግደፍ ተቆሪና ዘላ ሃገር’ያ። ስለዚ

Add a comment

ዓወትን ኣሳልጦን ንዳግማይ ትንሳኤ ንሃገራዊ ባይቶና

ተቛጺርኩም ኣይበለና፣ን31 ጥቅምቲ ቆጸራና፣ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት።ዓወትን ኣሳልጦን‘‘ ንዳግማይ ትንሳኤ‘‘ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ።ቃልስና ኣሳልጦ ክረክብ‘‘ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ‘‘ኣብ ትሕቲ ጽላላል‘‘ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ‘‘ንጠርነፍ ኣብ ሐንቲ‘‘ለውጢ ካባና ናባና ክኸውን ምእንቲ።

Add a comment

እወ ንሰላም ህዝቢ ዘማእከለ

Image result for dr abby ahmed

ዶክተር ንዓኻ እና ስምዓና ጽን ኢልካ ብሸለል ኣይትራዮ እዚ ኩሉ ንብለካ ዘይሓወየ ቁስሊ ኣይትጉዳእ መሊስካ ልእላዊት ሃገር እንከይ ተናኸፍካ ሻርነት ዘይብሉ ቅንዕና ኣኸቲልካ ንሰላም እንተኾይኑ እዚ ኹሉ ጉያኻ ንሕና ኣውን ኣሎና ኣብ ጎንኻ።

Add a comment

ዘመነ ስድነትን ሞራል-ኣልቦነትን

ኣብዛ ዓለም ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብ ሓድሽ ነገር የልቦን፡ ሓድሽ ኣገባብ ግን ኣሎ። ኩሉ ኣቐዲሙ ዝነበረ እዩ፡ ኪደጋገም ድማ ይነብር፡ ኪደጋገም ከሎ ግን እናማዕበለ እዩ ዚኸይድ (spiraling upward)። መንግስታትን ግዝኣታትን በቝለን ዓብየን ኣሪገን ጠፊአን። እተፈላለዩ ህዝብታት ተንሲኦም ኣስፋሕፊሖም ጨቍኖም፡ ከም ሰቦም ድማ ሓሊፎምን። ኣብ ኩሉ ዘበናት፡ ጨቆንትን ሓረድትን መራሕቲ ነይሮም እዮም። ኣብ ግዜ

Add a comment

ካብ ኣብ ዘዘለኻዮ ምኽርዛዝን ኣንፈቱ ዘይፈለጥ ሃላልነትን መታን ክንድሕን፡

ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ክፋል፡ ብዘይካቶም ክሳብ ሎሚ፡ ብተመክሮ ገድሊ ናይ ትማሊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ ስማዊ ሰልፊ ህግደፍ ናትና’ዩ ዝብል እምነት ዘለዎም፡ ብጠቕሚ፣ ብዝምድና፣ ብከባቢ ምስኡ ተላጊቦም ኣብ ገበናዊ ተግባራት ተዋፊሮም ዘሳስዩ ዘለው ኣዝዮም ውሑዳት፡ እቲ ዝበዝሕ ተጸመም ንዝብል ሽጣራ ኢሳያስ ተርቢዑ ለውጢ ናብ ዘቋምተሉ ተሰጋጊሩ ወይ ውድዓዊ ኩነታት ካብ ልክዕ ንላዕሊ በሲሉ ክንሱ፡ ብግቡእ መሪሑ ዘቃልሶ ስኢኑ እነሆ ኣብ ጽምልምትምት ኣትዩ ይርከብ። እሞ ብፖለቲካዊ ውድባት ክግበር ዝነበሮ፡ ግን ዘይተገብረ

Add a comment

ምትእኽኻብ ጽቡቕ፡ ዕላማኡ ግን ንጹር ኣይኮነን

ካብ’ቶም ዘነይቱ ብዙሓት ኤርትራዊ ባህላዊ ክብርታት ሓደ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ምስ ዝተላለኻዮ ሰብ ወይ ዝተላለኻዮም ሰባት ርክብካ ክቕጽል ክዓሙቕ ዝድርኽ ልባውን ምቕሉልን ኣቀራርባ ምዝውታር’ዩ። ነዚ ኣወንታዊ ባህላዊ ክብሪ ከይሃስስ ምቁር ኮይኑ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገር ክቕጽል ዝገብሮ ድማ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ስድራ ቤት ወይ ጎረቤት ምስ ጎረቤት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሓት ተዋፊሮም ዝወዓሉ ሰባት ድሕሪ ድራር፡ ቅድሚ ድቃስ ኣብ ዘሎ እዋን ከካብ ገዛኦም ውጽእ ኢሎም ኣብ ገበላኦም ጥቃ ጥሪቶም ተኣኻኺቦም ብመልክዕ ዋዛ እከ

Add a comment

ጻውዒት ኮምሽን መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ መንግስቲ ኤርትራ

ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጉዳይ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፣ ብመንጽር ሰነድ ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት ኮምሽን ኣፍሪቃ፣ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ግብረ መልሲ ንክህብ መጸዋዕታ ቀሪቡሉ። እቲ ቅድሚ 4 መዓልታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተላኣኸ ደብዳቤ፣ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ‘ብተወካሊ ሰሎሞን ወልደክርስቶስን ማሕበር ሕጊ ኤርትራዊያንን ንዝቀረበሉ ጥርዓን ተመኩዙ፣ 73 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፣ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምዕባለን ሚኒስትር ገንዘብን ኤርትራ ከምዝነበረ ይሕብር።

ክልቲኦም ወገናት፣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ 17 መስከረም 2018 ብሓይሊታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዘይተነጸረ ቦታ ከምዝተወሰደ ገሊጾም’ለው።

መንግስቲ ኤርትራ ዛጊድ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ እቲ ደብዳቤ ካብ ዝተላኣኸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ብመሰረት ሕጊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ቁጽሪ 98 ንኡስ ቑጽሪ 4 ግብረ መልሲ ንክህበሉ እቲ ኮምሽን ጸዊዑ’ሎ።

Add a comment

ባጃጅ ወይ(ላምብረታ) ኣብ ከተማ ኣስመራ ዑቁባ ሓቲታ።

ጎደና ከተማ ኣስመራ ብጸጥታን ብጽመዋን ንነዊሕ ዓመታት ተዋሒጣ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ግን ፍልይ ዝበለ ምንቅስቃስ ንሪኢን ንዕዘብን ኣሎና። እዚ ኻኣ ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶብ ምኽፋቱ ኮይኑ፣ነባሪ ከተማ ኣስመራ ናብ ጎደናታቱ ክውሕዝ ይረኤ ኣሎ። እቲ ናብ ጎደነታት ዝውሕዝ ህዝቢ ክትምልከት ከለኻ ድማ ኣብ ገጻቶም

Add a comment

ብሕታዊ ኤርትራዊ ፍታሕ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ጥራሕ

ኣብ ዝተናውሐ ሰላማውን ዕጥቃውን ተጋድሎ፡ ብጅግንነትን ተወፋይነትን ተጋዲሉ፣ ተሰዊኡ፣ ቆሲሉን ኩሉ ዝኽእሎ ዝኸፈለ፡ ግን ድማ፡ ናይ ኢዱ ዘይረኸበ ህዝቢ እንተልዩ ኤርትራዊ እዩ ምባል ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ፡ ብሕጊ እንዳባ እናተማሓደረ ዝመጸ፡ ፍሉይ ክብርታት ዘለዎ ክነሱ፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ነጻነታዊ ተጋድሎኡ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ዝበለጸ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ናብ ቅዋም ኣልቦ ፍጹም ፋሽስታዊ ኣገዛዝኣ ዝወደቐ ህዝቢ እዩ፤ ናይ ስራሕ ባህሉን ስነ ስርዓቱን ዘሐብን፡ ጽዒሩ ግዒሩ ክልወጥ ወትሩ ድሉው ዝኾነ ህዝቢ፡ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ፡ ናብ ተመጽዋቲ ዝተለወጠ ህዝቢ እዩ። ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ነጻ ህዝቢ ተኸቢሩ፡ ብጎደና ምዕባለ ንቕድሚት ክምርሽ ዝባሃገን ዝተቓለሰን፡ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለላን ዝፈትዋን ሃገሩ፡ ከም እሾኽ ዳንዴር እናወግኣቶ ቅሳነት ስኢኑ፡ ኩቦ እናደርበየላ ብኣእላፍ ናብ ስደት ክዕዘር ዝጸንሐን ዘሎን ህዝቢ ኢዩ ኤርትራዊ።

Add a comment

ኤሃባደለ-ሰ/ኣ ዞባዊ ጉባኤ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ንምግባር ይሸባሸብ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ሰሜን ኣሜሪካ ኩሎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከቡ መሰረታት ባይቶ ኣለዓዒሉ፣ ናብቲ ዝዓበየ ናይ 2ይ ሃገራዊ ባይቶ ጉባኤ ተሳተፍቲ መሪጹ ንምስዳድ፣ ካብ ታሕሳስ 1-2, 2018 ኣብ ዓባይ ከተማ ደንቨር ኮሎራዶ ዞባዊ ጉባኤ ከካይድ ካብ ዝሸባሸብ ገለ 4 ሰሙናት ሓሊፍውሎ።

Add a comment

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን!! ዕለት 31.10.2018

Image result for eritrean demonstration in germany 2018

ዶክተር ኣቢይ ናብ ሃገር ጀርመን ክምጽእ ምስ ተባህለ፣ ብናይ ኤርትራውያን መዴያታት ደለይቲ ፍትሒ፣  ጎስጋስ ክግበረሉ ዝቀነየ ሰላማዊ ሰልፊ ትማሊ ዕለት 31.10.2018 ብውዕውዕ መንፈስን ንድሪን ዝተሓወሶ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተኻይዱ። እቲ መንፈስ ሰላማዊን ሩጉእን እካ እንተነበረ፣ ንሕዋትና ኢትዮጵያውያን ነፍስወከፍ ናብ ኣዳራሽ  ዘምርሑን ዝነበሩ፣ ዕላማ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ብጽሑፍ እናተዓደለ ሓደ ሰብ ከይተርፍ  ጉዳይና ኩሉ ክፈልጦዎ ኣለዎም ብዝብል መንፈስ  ተበጊስና፣ ንቡዙሓት ድሕሪ ምዕዳል፣ ሓያሎት ኢትዮጵያውያን ብኣካል እናመጹ ብምሕታት፣  ንሕናውን ይርዳና እዩ ፣ዕድል እንተረኺብና እውን ንዶክተር ኣቢይ ክንሓቶ ኢና ብዝብል፣  ብቁንዕ መንፈስ ይጎልጹልና ነበሩ።እቲ ንህቦን ንገልጾን ዝነበርና፣ ኩነት  ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ፣ ዶብና ክሕንጸጽ። እቲ ዝግበር ስምምዕ እውን  ንህዝብና ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ፣  ወዘተ እዩ ዝብል ዝነበረ።

Add a comment

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ኣትዮም ዝተባህሉ 109 ኤርትራውያን ተኸሲሶም

Kenya Eritreans

መንግስቲ ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ንዝበሎም 109 ኤርትራውያን ኣብ ፍርዲ ከምዘቕረበ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።እቶም ኤርትራውያን፣ ብሰኑይ 15 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኢስዮሎ ኣብ ዝርከብ ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ዝመጹ ምዃኖም ስለዝጠቐሱ፣ ጉዳዮም ብኮሚሽን ስደተኛታት እታ ሃገር ክርአ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ከምዝተበገሱ ዝግመት፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝጠቐሱ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ሰባት፣ ናብ ከተማ ናይሮቢ እናምርሑ'ዮም ብ12 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኢስዮሎ ብፒሊስ ተታሒዞም።

Add a comment

ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ኣረና ፍራንክፈርት መቃልሕ ደለይቲ ፍትሒ

Image result for eritrean demonstration in geneva 2018

ናይ ደለይቲ ፍትሒ‘ሰላማዊ ሰልፊ‘ ኣብ ኣረና ፍራንክፈርት‘ ኢድኩም ኣክቡ ኣይትወስኹልና ህውኮት‘ዓገብ ንውዲት‘ ክንካባበር ከም ጎሬቤት‘እንቢ  ንምልኪ እወ ንሐርነት‘‘

Add a comment

ብምኽንያት ዝኽሪ 31ጥቅምቲ፡ ማዓልቲ ህዝባዊ ተቃውሞ ቤት ትምህርቲ ድያእ

ዕድሜ ብምኽንያት ኤርትራዊባህላዊፎርምኣብበርሚንጋሃም ነቲውሩይ ጋዜጠኛ ንጡፍ ኤርትራዊ ሓው/ዓሊ ህንዲ ኣአንጊዱ ሓድሽ ሃዋህው ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንወሽመጥ ዓረብ ንዝብል ዓቢ ኣርእስቲ ኣልዒሉ ሰፍሕ ኣስተምህሮ ኣዳልዩ ስለ ዘሎ

Add a comment

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ብምኽንያት ሓገዝ ነቶም ንልዕሊ 40 ዓመታት ብውግእ ዝሰንከሉ 'ሞ ኣብ መደበር ከሰላ ሃገር ሱዳን ዘለዉ ብናይ ቁስልን ቃንዛን፥ብሕማም ሽኮርን፥ጸቕጢ ደምን፥ካልእ ተወሳኺ ሕማማትን፥ ብደሮናን ሙቐትን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት፡ኣሕዋትናን ብጾትናን ሓገዝ ንምግባር መዲብና ስለ ዘለና ምሳኻትኩም ብምርድዳእ ዘቕረብናዮ ሓሳብ ቅቡል ብምዃኑ

Add a comment

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ብሰንኪ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ቺኩንግያ ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ተገሊጹ

chikungunya mኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን፣ ብሰንኪ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ቺኩንግያ ካብ ክልቲኡ ወገን ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።ብወገን ኤርትራ ኣብ ከባቢታት ኣርባዕታ ዓሸር፣ ታላታ ዓሸር፣ ዓሊግድር፣ ግርባ፣ ተሰናይን ከባቢኡን በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ኣሽሓት ሰባት ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ምስዚ ሕማም ብዝተሓሓዘ 11 ሰባት ከምዝሞቱ'ዮም ዝጠቕሱ።

     ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፣ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢታት ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ኣቐዲሙ ኣሚንሉ'ዩ።

Add a comment

እንታይ እዩ ጥልመት?

ጥልመት ናይ ወድሰብ ጥንታውን ደመነፍሳውን ባህርይ እዩ። ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ እተባህለ እኮ ናይ ወድሰብ ጥልመታዊ ባህርያት ንምግላጽ እዩ። ወድሰብ ዘዋጽኦ ንምግባር ድሕር ስለ ዘይብል፡ ንሓዉ ኣይገድፍ፡ ንኣዲኡ ኣይገድፍ፡ ንዓዱ ኣይገድፍ፡ ንህዝቡ ኣይገድፍ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጠላሚ እዩ። ጥልመት ካብቶም ስሕት ኢሎም በጭቕ ዚብሉዎ ግን ሓያላት ባህርያቱ ሓደ እዩ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ጥሜትን ዓጸባን፡ ቆልዑ ካብ ዝኣረጉ ኣቦታቶም መግቢ ኪምንጥሉ፡ ደቀባት ንጻላኢ ኣሕሊፎን ኪህቡ ተራእዮም እዮም። ዘመነ ኣካሒዳ እኮ ተባሂሉ እዩ። ኣደ ካብ ደቃ መንጢላ ክትበልዕ ከላ፥ ኣባላት ስድራቤት ነቲ ብጥምየት ዚመውት

Add a comment

ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶባት ተኸፊቱ ማለት ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸገም ኤርትራ ተፈቲሑ ማለት ኣይኮነን

ኣብ ታሽዓት ክፋሉ፡ ካብ ብህድማ ብስደት ካብ ባርነት ሓራ ምውጻእ፡ ብውሽጢ ተወዳዲብካ ህዝብኻን ሃገርካን ካብ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ኣድሒንካ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምምጻእ ዝዓበየ ክብርን እፎይታን ዝህብ ምዃኑ ብግቡእ ኣስተማቒሮምን ወሲኖምን እንተኣትየሞ፡ ከም ንዓማጺ መህረሚ በትሪ ዝዓጠቑ እኩባት ሰባት መጠን ድሙቕ ኣወንታዊ ታሪኽ ከም ዘመዝግቡ ኣየጠራጥርን ኣብ

Add a comment

ካብ ኣብዘዘለኻዮ ምኽርዛዝን ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ሃላልነትን መታን ክንድሕን

ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ መዓስን ብኸመይ መልክዕን ይብገስ በዚ መራሒ ጥፍኣት ኣቐዲሙ ውጥን ዝተታሕዘሉ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኣይደንጎየን ህዝቢ ንነዊሕ ዓመታት ተሓሪምዎ ዝነበረ ጻምእ ሰላም ከየስተማቐረ፡ ተጋደልቲ ብዝተናወሐ ኲናት ዝተጎሳቐለ ኣካሎም ከይሓወየን እፎይ ከይበሉን ጀሚሩ ኣብ ዝብል ምስ በጽሐ’ዩ ተቛሪጹ ነይሩ። ካልኣይ ክፋሉ ድማ እነሆ ካ

Add a comment

ታሪኽ ክደጋገም ከሎን-ግደ ተጋሩን

ሪኽ ክደጋገም ከሎ (ብዝምድናዊ ኣበሃህላ) እቲ ሕማቕ በሰላ ምሕንጣጥ፡ ዋላ እቲ ጽቡቕውን ጋም-ማን ስለዝዀነ ኣብ ዘለኻዮ ደው ወይ ደውታ ምዃኑ እዩ። እቲ ምዕባለ ዝብሃል ግን ነቲ ጽቡቕ ክትውስኸሉን ክትጽግኖን ከምኡ ድማ ናብ ሓድሽ ለውጥታት ከተሰጋግሮን ከለኻ ኢዩ። ኣብ ጒዕዞ ቃልስና ወይ ታሪኽና ኣወንታዊ ዝተመዝገበ ሽቶን ከምኡ ድማ ኣሉታዊ ዝተደጋገመ ሃስያታት ፍረ-ኣልቦ ከንቶን ኣጋጢሙና ኢዩ። እቲ ኹሉ ተቓሊስና ዘምጻእናዮ ክሳብ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ምርግጋጽና ብኣወንታ ዝግለጽ ጽቡቕ ሸነኻት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኹሉ ሕድ-ሕድ ኲናታት ሕልኽልኻት ጥልመታት ብዓቢኡ ክኣ ወረራታ

Add a comment

ፖለቲካዊ ውሳኔታት መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ

ህዝባውነትና መሰረት ጽንዓትናን ዓወትናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብን ጉባኤ ጽንዓትን ሓድነትን ንህዳሴና” ብዝብል ስያመን ካብ 16 ክሳብ 21 መስከረም 2011 ዓ.ም ዝተኻየደ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት 346 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 1150 ተሳተፍቲ ብድምጺ፣ 45 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም 146 ተሳተፍቲ ድማ ብዘይድምጺ ከምኡ ‘ውን 346 ተዓዘብቲ ብድምሩ 1842 ጉባኤተኛታት ዝተሳተፍሉ ኮይኑ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ጉባኤ ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ተመያይጡ ብምጽዳቕን ሓሙሽተ ኣባላት ፕሬዝድየም ብምምራጽን ስሩዕ ስርሑ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ጸብጻብ ማእኸላይ ኮሚቴ፣ ኣብ ሕሉፍ 27 ዓመታት

Add a comment

ኣብ ኤርትራ ምቕታል ሰብ ዝልምዓቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ልምዓት ትካል ይምርቕ፡

ምቕናይ ኩሉ ንምርኣይ በለ ደረፋይ፡ ዕድመ ዝሃቦ ብዙሕ ይሰምዕ ብዙሕ ይርኢ። ኣስታት 20 ዓመት ብድኽነት ኢትዮጵያን ጉድለት ጽሬት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባን ከም ትካል ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ብዘዕረፍቲ ዘቆናጽብ፡ ንሕና ንምዕብል ንሕና ንስልጥን ንሕና ንጸሪ ሕሱር ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፡ ወይ ሚዛናዊ ንምዃን መንግስቲ ኢሳያስ፡ ልኡኻትና ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሰድድ ከም ዘለና ንሕብር ዝብል እግረ መንገዳዊ ግን ከኣ ወግዓዊ መግለጺ ካብ ዝሃበሉ 20 ሰነ 2018 ንነጀው፡ ከም ብሃንደበታዊ ፍቕሪ ዛንዛን ዝበለ ወርጠበ ናብ ኢትዮጵያ ዘብዘብ ክብል፡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ’የን ዝፈላሊ የብለንን ዝብል መግለጺታት ክህብ፡ ንበይኑ ዘይኮነስ

Add a comment

ፕሪስደንት ሳህለ ዘውደ ትፍጽሞዶ ?

ይኹን እምበር እዚ መልእኽተይ ናብታ ብባይቶ ኢትዮጵያ ዝተመርጸት ፣ በቲ ዘካይዶ ሓድሽ ምምሕያሻት ብዙሕ ዘኽብሮን ዘደንቆን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ድማ ደገፍ ዝረኸበትን ፣ ሓዳስ ፕሪስደንት ናይ እትዮጵያ ሳህለ ዘውደ ክጽሕፍ ስለ ዝተገደድኩ እየ !!

Add a comment

ስምምዕ ሰላምን ምኽፋት ዶብን ዘግሃዶ ሓቂ፤

ምስ ውዑል ሰላም ክልቲኦም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተታሓሒዙ፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወርሓት ትጽቢት፡ ዶባት ክኽፈቱ ከምዝጀመሩ ኩሉ ዝርእዮ ዘሎ ግብራዊ ሓቂ እዩ። ህዝብታትና ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ምምልላስ ዕድል ረኺቦም፤ ፍስሃ ዎ-ደስታ ወሪሱዎም ንርእዮም ኣሎና። ናይ ብሓቂ ድማ፡ ፈጺሞም ክፈላለዩ ዘይነበሮም ኣሕዋት፣ መኻፍልቲ ጸገም ዝኾኑ ህዝብታት፡ ብሰንኪ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስታት ኣብ ሞንጎኦም ብዝነበረ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ዝተፈንጀረ ጎንጺ፡ ን20 ዓመታት እናተደላለዩን እናተነፋፈቑን ተማዓዳድዮም ጸኒሖም እዮም። ኣብ'ዚ ጥራሕ'ውን ዝተወሰነ ኣይኮነን፤ ካብ ክልቲኦም ሃገራት፡ ካብ ደቂ ድኻታት ህዝብታት ኣብራኽ ዝወጹ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ጨላቕዕ መንእሰያት ተቐዚፎም፤ ልዕሊኡ ድማ፡ ንኣካል ም

Add a comment

ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝተሓቑፉ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ተቓውሞ ይገጥሞም

tewahdo churchኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝተሓቑፉ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዘካየደዎ ዑደት ተቓውሞታት ገጢምዎም። እቶም ብኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ጨርሎስን ዝተመርሑ ጳጳሳት፣ ኣብ ኢጣልያ፣ ሆላንድን ኖርወን ኣብ ዝርከባ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፣ ኣቦና ፓትርያርክ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣበይ ኣለዉ? ንስኻትኩም መሳርሒ ህግደፍ ኮይንኩም ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣሕሊፍኩም ሂብኩሞም፣ ንቤተክርስትያን ሸይጥኩማ ዝብልን ካልእን ተቓውሞታት ከምዘስምዑ'ዩ ካብቲ ከባቢታት ዝበጽሕእና ሓበሬታ ዘረጋግጽ።

Add a comment