Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ዕድመ ን ዳህሳሲ ኮንፈረንስ

ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለና ንማንም ብሩህ ኢዩ።ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝጸናሕና ውን ምስጥር ኣይኮነን።ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ኣብ መፋርቕ 2016 ጽላሎት እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ስለዘምበበ ህግሓኤ ናይ ሎሚ ህግደፍ ካብ ጥንቲ ጸረ ኤርትራን ኤርትራውነትን ብሓፈሻ ውን ጸረ ህዝብን ዘይሕጋውን ጉጅለ ምኳኑ ኣብ መንፌስቶኡ ገልጺዎ ኣሎ።ስለዚ እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፣መፈጸምታ ትምቢት ኣባላትን መራሕትን ምንቅስቓስና ደኣ እምበር ጋሻ ነገር ኣይኮነን።ህግሓኤ  ሃገር ንምፍራስን ህዝቢ ንምብታንን ዝተወደበ ሓይሊ ኢዩ ዝበልና ካኣ ንፋልሶ ወይ ንስለ ፕሮፖጋንዳኣይነበረን።ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ካብ ምጅማሩ ኣትሒዙ ህግሓኤ ወይ ህግደፍ መንግስትና