Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገ መንእሰይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ

Cairo airport

ካብ ኣመሪካ፣ ተሰጕጉ ናብ ኤርትራ ዘምርሕ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰያት፣ ኣብ ግብጺ መዓርፎ ነፈቲ ካይሮ ድሕሪ ምብጽሑ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።እቲ ዘርእሰናይ ኤርሚያስ ተስፋጽዮን ዝተባሀለ ወዲ 34 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ንምስግጋር ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣብ መሕጸቢ ሰብነት ናይቲ ተታሒዝሉ ዝነበረ ቦታ' ብቀዳም 9 ሰነ'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ሬስኡ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ፣ ነቶም ኣሰንዮሞ ዝመጹ ኣባላት ክፍሊ ኢምግሬሽን ኣመሪካ ከምዝተረከበ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።