Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ደምዳሚ መግለጺ

ዋዕላ፡ ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ዉድባት ኤርትራ፡ ኣርባዕተ ውድባትና፡ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር(ስምረት)፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ሰደግኤ)ን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ- ሕድሪ)፡  ካብ ሕዳር 2015 ጀሚሮም፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ዘንጸላለዎም ዘሎ ናይ ብርሰትን ምብትታንን ሓደጋ ንምድሓን፡ ዓቕምታቶም ጠሚሮምን ኣወሃሂዶምን ክቃለሱ ብዝበጽሑዎ ስምምዕ፡ ንምዕዋቱ ዕቱብ ጻዕርታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። በቲ ዝበጽሑዎ ስምምዕ መሰረት ከኣ፡ ካብ ዕለት 7 ክሳብ 12 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም ብዘካየድዎ ዋዕላ፡ ብሓባር ዘቃልሶም ሰፊሕ ፖለቲካዊ ዉዳበ፡ እምነ-መሰረት ኣንቢሮም።