Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ኣባላት ጸጥታ፣ በዓልቲ ቤት ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣሲሮም

Berhane Abrehe

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣልማዝ ሃብተማርያም ንዝተባህለት በዓልቲ ቤት ናይቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ደስኪሉ ዝርከብ ሚኒስተር ፋይንናስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ከምዝኣሰሩዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ወይዘሮ ኣልማዝ ሃብተማርያም ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ኣትሒዛ ኣብ ቀይዲ ከምእትርከብ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣባላት ጸጥታ፣ ምስቲ ሚኒስተር ነበር ቅርበት ንዘለዎም ሰባትን ምስመን ይራኸብ ምህላዎን ብቀረባ ይከታተሉ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።