Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ሃ.ድ.ኤ ሕድሪ ንጉዳይ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣብ እስራኤል ቀዳምነት ሂቡ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ንዳግማይ ምፍንጫል ቦታ ዘይህብ ንኹሉ ጸረ ሓድነት ሕማማት ሰጊሩ ጉዳይ ሓርነት ህዝቡ ጥራይ እንኮ ዕላምኡ ዝገበረ ውድብ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ(ሃ,ድ,ኤ.ሕ)ንኣርባዕተ መዓልታት ብዝተኻየደ ጉባኤኡ ኣቢሉ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዝገበሮ ጽፉፍ ዳግመ ስርርዕ ህሉው ከምዝኾነ ዝዝከር ኢዩ። ሃ.ድ.ኤ..ሕ.  ኣብ ደምዳሚ መግለጺኡ ኣብ ዘማሓላለፎ መልእኽቱ ኩለን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፈን ሓደ ንቐጻልነት ሃገርና ኣውሒሱ ንከባብያዊ ሰላም ከረጋግጽ ዝኽእል ሓባራዊ ናይ ቃልሲ መደብ ክሰርዓ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ ኢዩ።