Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ናይ ብሄረ - ትግራይ ናይ መንነት ቅልውላውን ሕልሚ ትግራይ ትግርኝን

ኤርትራ ከም ሃገር ዝቖመት ብ 1890 ብመንግስቲ ጣልያን ኢዩ። ቅድሚ መንግስቲ ጣልያን እቲ ምዕራባዊ ቆላ ብመሻይኽ (ደግለላትን፥ ከንቲባታትን ) ክመሓደር ከሎ ፥ እቲ ከበሳዊ ሸነኽ ከኣ ብራእስታት ሓሓሊፉ’ውን ብባሕሪ ነጋሽ ዝፍለጡ ነገስታት ይምራሕ ነበረ ። ባጽዕን ከባቢኣን መጀመርያ ብቱርኪ ቀጺሉ ከኣ ብደቂ ናይብ ዝፍለጡ ምስሌነታት ወይ መሻይኽ ይመሓደር ነበረ ። እቲ ደቡባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መሬት ደንካልያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብሱልጣናት ይመሓደር ነበረ። እዘን ኩለን ዞባታት ነብሰን ክኢለን ባዕለን ንባዕለን የመሓድራ ነበራ ።