Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ኣርኣያ ፍትሒ (ዑመር) 1ይ ክፋል 1/6

ንነፍሱ ፍትሒ ዘይምነ / ዘይደሊ ሰብ ክሳብ ሕጂ ኣይተወልደን። ኣይክውለድን`ዩ ። ኪኖ`ዚ ዘሎ  በዳሂ ስጉምቲ ግና ንናይ ኻለኦት ፍትሒ  ምምናይን ምስራሕን ምስዋእን `ዩ። ኣብ`ዚ ዝሓለፈ 200 ዓመት ከም ኣርኣያ ፍትሒ ክንወስዶም እንኽእል ከም ኣብራሃም ልንኮን ንስንሰለት ባርነት ዝበተኸ፤ ብሰንኪ ፍትሓውነቱ ዝተቀትለ። ከም ማህተማ ጋንዲ ጸሬ ወጽዓ ዝተቃለሰ፤ ደቂ ሰባት ፍትሒ ዘይተጋራጨውቲ  ክገብሮም ይኽእል ምዃኑ ዝኣመነ፤ ብሰንኪ`ዚ እምነቱ ዝተቀትለ። ከም ማርቲን ሉተር ክንግ ንፍትሒ ደቂ ሰባት ዝተቃለሰ፤ ብስንኪ`ዚ ፍትሓዊ ቃልሱ ዝተቀትለ። ……….  ንዖኦም ዝመስሉን ኣለዉ።