Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ኣብ ከተማ ካለ ፈረንሳ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ተባኢሶም ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ተጎዲኦም

መበገሲ ምኽንያት ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣብ መንጎ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካለ ፈረሳይ ተዓቚቦም ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ብዝተፈጥረ ባእሲ ኣርባዕተ ብከቢድ ዝተሃስዩ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝቖሰሉ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብ 2 ለካቲት 2018 ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና ኣፍሊጣ። እቲ ግጭት ብዕለት 1 ለካቲት 2018 ከም ዘጋጠመ፡ ኣባትር፡ ጠራሙስን ካልእ በላሕቲ ነገራት ከም ዝተጠቕሙ፡ መን ዝተኮሶ ዘይተፈልጠ ብጥይት ዝተሃረሙ ከም ዘለውዎም፡ ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ መንጎ ኣትዩ ነቲ ሓደገኛ መልክዕ ሒዙ ዝነበረ ግጭት ደው ከም ዘበሎ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዠራርድ ኮሎምብ ብኣካል ኣብ’ቲ ቦታ ከይዱ ከም ዝተዓዘቦን ኣፍሊጣ።