Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ውድባዊ መግለጺ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ውሽጢ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ውሽጡ ክኸይድ ዝጸንሐ ብልሹው ምሕደራ ዘበገሶ ሕንፍሽፍሽ ብምሕያሉ  ካብ ኣፍልጦ መሰረታትን ገለ ክፋል መሪሕነታትን ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ 2016 ናብ ክልተ ከምዝተገምዐ ዝዝከር ኢዩ። እቲ ንዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምእዙዝ ዝኾነ ኣካል ብንጹር ሃገራዊ ራእይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል ቀጻሊ ናይ ዳግመ ስርርዕ ንጥፈታት ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ ብስጡም ሓድነትን ብዝጸፈፈ መስርሕን ኣቃኒዑ።  “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ሓድነትና ይደልድል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ብ29 ጥሪ 2018  ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣባላቱ ዝተወከሉ ተጋባእቲ ዝተሳተፉሉ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ  ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ዕድመ ዝተገብረሎም መራሕቲ መሓዙት ውድባት ኣብ ዝተረኽቡሉ ብድሙቕ ስነስርዓት ተኸፊቱ  ሎሚ ዕለት 01 ለካቲት 2018 ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቱ ብምዕሩግ ኣገባብ ተደምዲሙ።