Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ግብጺ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምጥያስ ዝጽበዩ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ

Hamid Al Ajeb

ኣብ ግብጺ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምጥያስ ዝጽበዩ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ኣቦ መንበር ኮሚተ እቶም ስደተኛታት ኣቶ ሓምድ ኣልዓጀብ ምስ ሬድዮ ኤረና ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኮሚተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብውሳኔ ኣብታ ካይሮ ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተመስረተ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ጽላል እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝተመዝገቡ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ከኣ ጉዳያቶም ብመንገዲ'ዚ ኮሚተ ከምዝከታተሉ ኣፍሊጡ።