Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ርዋንዳን እስራኤልን ዘካይድኦ ዘለዋ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ንምኹናን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Israel Demo

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ፣ ነቲ መንግስቲ ርዋንዳ ምስ እራኤል ዘካይዶ ዘሎ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ። እቶም ኣማኢት ኤርትራውያን ሎሚ ሰኑይ 22 ጥሪ ኣብ ከባቢ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ ከተማ ሄርጽልያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ርዋንዳ ብምትእኽኻብ፣ ኣብ ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ርዋንዳ ምእንቲ ገንዘብ ክብል ብዘይድሌቶም ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ስደተኛታት ክቕብል እንተወሲኑ፣ ኣብ ታሪክ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ጸሊም ታሪኽ ክገድፍ ምዃኑ የተሓሳስቡ።