Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ትራምፕ ስለምንታይ ጸሪፉና ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ዜጋታት ኣፍሪቃ ሃገሮምን ኣህጉሮምን ይገድፉ ኣለው ዝብል ሕቶ መልሲ ክረክብ ኣለዎ።

ኣህጉራና ኣፍሪቃ ብባህሪያዊ ጸጋታት ሃብታም’ያ። ብዝሒ ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ መንእሰይ፡ ንህይወታውያን ፍጡራት ዝሰማምዕ ክሌማ ወይ ኣየር፣ ገና ዘይተተንከፈ ድንግል መሬት ዝተዓደለት ክፍለ ዓለም እውን’ያ። ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ መጺእካ ግን ድኻ’ያ፡፡ ሓንቲ ሃገር ካብ’ታ ካልእ ሃገር መጠናዊ ፍልልይ’ኳ እንተሃለወ፡ ብወሳኒ መልክዑ ክምዘን እንከሎ ግን ኣፍሪቃ፡ ብሰሪ ስእነት ብሱላት ሓላፍነታውያን ፖለቲከኛታት፡ ንመሰሉ ብትብዓት ብዝተወደበ ኣገባብ ዝከራኸር ንቑሕ ህዝብን ትሕመስ ዘላ ኣህጉር’ያ። ገለ መንግስታት ኣብ ሓደ መድረኽ ጥዑም ይዛረቡ፡ ጽቡቕ ንጥፈታት የርእዩ.ሞ ርሑቕ ከይተጓዙ ይ