Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ሱዳን፣ ናብ ኤርትራ ክሰግር ዝተታሕዘ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ትህግር

Aljazeera

ፖሊስ ሱዳን ናብ ኤርትራ ንምስጋር ዝተታሕዘ'ዩ ዝበልዎ ሃለኽቲ ነገራት ከምዝሃገሩ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ሓቢራ። እዚ ተሃጊሩ ዘሎ ሃለኽቲ ነገራት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ዝተዳለወ ምንባሩ እታ ማዕከን ዜና ንፖሊስ ሱዳን ብምጥቃስ ገሊጻ። ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ብ5 ጥሪ ድሕሪ ምውጻዋ፣ ናብ ኤርትራ ዝተበገሳ ሓያሎ ናይ ጽዕነት መካይን ተዓጊተን ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።