Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ህጹጽ መጸዋዕታ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን

ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ሰማላዊ ህዝብና ዝተነስነሰ ጠያዪት ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝተቓለሐን ንኹሉ ኣማኒ ምስልምናን ክርስትናን ዘስደመመ ተርእዮ እዩ። ሎሚ እቲ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ናይ ሓደጋ ደበና ከም ዝመጾ ክሓልፍ እዩ ኢልካ ዝግደፍ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን ሕቖን ከብድን ካብ ዝኾኑ ዓመታት ኣቚጺሮም ስለ ዘለዉ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ብሰላም ክፈትዎ ኢልካ ትምኒት ዝግበረሉ ኣይኮነን። ህዝብን ጸረ-ህዝብን በበይኑዩ ኣጀንዳኦም። ህግደፍ ዝዓበየሉን ዝኣረገሉን ኣጀንዳ ይገብር ኣሎ። ህግደፍ እታ ዝፈልጣ ናይ ኣፈታትሓ ግርጭት ስልቲ፡ ብረትን ዓረርን ስለ ዝኾነት ሕጂውን ቆሉዑን ኣንስትን ኣረጋውያንን ካብ ምጭፍጫፍ ድሕር ክብል ኣይኮነን።