Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ብስትራተጂካዊ ውጥን ዘይምራሕ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ውድብ ኣይኮነን

ፖለቲካ ምስ ህይወት ደቂ-ሰባት ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ ገዚፍ ዓውዲ’ዩ። ብመንጸር ምስ ሰባትን ህዝብታትን ዘለዎ ቀጥታዊ ምትእስሳር ድማ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምስትውዓል የድልዮ። ልዑል ሓላፍነታዊ ተወፋይነት ይጠልብ። ካብ ናይ ካልኦት ውድቀትን ዓወትን ልምዲ ክትወስድ ተመክሮ ክትቀስም ድልውነት ይደሊ። ጽሮት፡ ሕብረትን ምክብባርን’ውን ይጠልብ። ቅድሚኡ ግን፡ ከም ዝተወጻዕካ ምፍላጥ፡ ጸላኢኻ ምልላይ፡ መሰልካ ንምኽባር ክትቃለስ ምውሳን፣ ተኣኻኺብካ ውድብ ምስራሕ፣ ፖለቲካዊ መደብ- ዕዮን ሕገ-ህንጻን ምቕራጽ ካብ ዘይተርፉ ግድነታት’ዮም። ከም’ዚ ምግባር ግን ገለ ካብ ክኸውንን ክግበርን ዘለዎ ደኣምበር እኹል ናብ መንገዲ ዓወት ዘብጽሕ መርሆ ሒዝካ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን።