Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ስደት ኤርትራውያንን ሓተትቲ ዑቕባን ግቡእ ኣቓልቦ ከይነፍጎም ጻውዒት ቀሪቡ

 sheyla_eseyasማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ስደት ኤርትራውያንን ሓተትቲ ዑቕባን ግቡእ ኣቓልቦ ከይነፍጎም ጻውዒት ቀሪቡ። ኣብቲ ብሓሙስ ዕለት 26 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተመዚዛ መጽናዕቲ ዘካየደት ሸይላ ኪታሩዝ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፣ ንፖለቲካዊ ጥቕሚ ተባሂሉ ብገለ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝምድና ናይ ምምሕያሽ ጻዕርታት፣ ንቀንዲ ጉዳይ ስደት ኤርትራውያን ይጎስይ ስለዘሎ፣ ኣቓልቦ ክግበረሉ ጸዊዓ።