Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ንዝቐረበሉ ክሲ ናይ ይግባይ መስርሕ ክርኢ ጀሚሩ

Nevsun Bisha

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዕደና፣ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ፣ ብናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ምስኡ ዝተሓሓሓዘ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ርዲ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ክስትታት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ'ዩ ክርአ ዝግባእ ብምብል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ንምውራዱ ክከራኸር ጸኒሑ።