Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ዘይንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ዘይንቡር ባህሊ የተኣታቱ

ንቡርን ዘይንቡርን ክልተ በበይኖም ገጻት’ዮም። ብካልእ ኣዘራርባ ከብድን ሕቖን’ዮም። ንቡር ብደረጃ ያታዊ ባህሊ ድዩ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ሕብረ-ተሰብ ተኣታትዩ፡ ቅቡልነት ረኺቡ፡ ደረጃ ብደረጃ ድማ እናተመሓየሸን እናማዕበለን ዝኸይድ’ዩ። ዘይንቡር ግን፡ እቲ ሕብረ-ተሰብ ዘይፈልጦ፡ ምስ ባህሉ ርክብ ዘይብሉ ዝጽየፎ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ከም ተርእዮ ክኽሰት እንከሎ’ዩ። ዘይንቡር ዝተፈላለየ ሽፋን ገይሩ’ዩ ዝመጽእ። ዘይንቡር ብደረጃ ውልቀ ሰባት ክፍጸም እንከሎ