Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ሰፊሕ በዓል ኤርትራ - ካስል

ብሓልዮትዲሞክራስያዊማሕበርመንእሰያትንሓርበኛታትኤርትራን(ግንባርሃገራዊድሕነትኤርትራ) ጨንፈርጀርመን፣ብምትሕብባርምስዝተፈላለዩፖለቲካዊውድባትንበርጌሳውያንማሕበራትንኤርትራ  ብሓባርዝተዳለወፈስቲቫል  ካብ04-06/08/2017 መበል 32ሰፊሕ በዓል ኤርትራ (ፈስቲቫል ካስል 2017) ኣብ ትሕቲ “ምዕቋብ ሓድነት ህዝብናን ልዑላውንት ሃገርናን፣ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ  ኢዩ” ዝብል ማእከላይ ጭርሖ፣ መኣዲዘተን ምርድዳእን ኣዳሊዩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ ዝተኻየድ ዘተ ብኣገደስቲ ምሁራትን ምኩራት ሃገራውያን ተቓለስትን ምስ ቴማ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ዝሳነ ኣገዳሲ ናይ ክትዕ ወረቓቕቲ ከም ዘቕረቡ ክንሕብር ደስ ይብለና። እዚ ወረቓቕቲ‘ዚ ንኩሉ ሃገራውን  ብኤርትራ ንዝገደስን ንክንብቦን ንኽፈልጦን ብማለት ክንዝርግሖ ምዃና ነረጋግጽ። እዚ ቀጺሉ ኣብ ትሕቲ “ጻዊዒት“ ዝብል ኣርእስቲ ንዝርገሖ ዘሎና፣ በቶም መደረ ዘቕረቡ ኣሕዋት ዝቐረበን ብተሳተፍቲ ፈስቲቫል ዝተደገፈን ለበዋ ኮይኑ፣ ብመንገዲ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኣቢሉ ናብ ኩለን ሃገራውያን ውድባት ንክበጽሕ ዝተዳለወ ኢዩ።