Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ባህ ከይተብል ኣብ ኢሳያስ ምስጋድ ባርነት ብፍቓድካ ምቕባል’ዩ

ፖለቲካ ምስ ባህታን ተራ ጽልእን ክተኣሳሰር ዘይብሉ ዓውዲ’ዩ። ፖለቲካ፡ ጉዳይ ከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ዓውዲ ብምዃኑ፡ ደርባዊ ባህሪኻ ብዝዓደለካ ኣረኣእያ ትውንኖ ደኣምበር፡ በዓል እንከለ ቤተሰበይ ዓርከይ መተዓቢተይ ስለ ዘለውዎ ኢልካ ትኣትዎ፡ በዓል እከለ መባእስተይ ስለ ዘለውዎ ኢልካ ድማ ትነጽጎ ትርሕቆ ጉዳይ ኣይኮነን። ውሽጣዊ ባህሪኻ ወይ ዝንባለኻ ብዝሃበካ ሕርያ ወገንነት ተነጽረሉ ዓውዲ’ዩ ፖለቲካዊ ምሕደራ።