Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ምቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ምቅስቓስ ኤርትራዉያን ንድሕነት ሃገር ካብ ዕለት 8 ክሳብ 13 ነሓሰ 2017 ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣብ'ቲ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ዘልዓሎም ዛዕባታት፡ ህሉው ኩነታት ዓለም፡ ዞባናን ከባቢናን ብመንጽር ኣብ ቃልስና ዘለዎ ድርኺትን ትርጉም ዝምልከት፡ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ጸላኢ ህግደፍን፡ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ፡ ብፍላይ ከኣ ጉዕዞ ትሽዓተ ወርሒ ስምረት ዝምልከት እዩ። ማእከላይ ሽማግለ እቲ ኣኼባ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ብኹሉ መልክዑ ፍሉይ ዝገብሮ ብዙሕ ረቋሒታት ብምህላዉ፡ እቲ ዝያዳ ብዕምቆት ኣትኲሩ ዝዘተየሉ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራን፡ ሃለዋት ጸላኢ ህግደፍ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰትን ጥፍኣትን ንምድሓን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝባዊ ሓርነት ዘተኮረ ኢዩ።