Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ ዘስልጥን ዝነበረ ኤርትራዊ..............

ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ ዘስልጥን ዝነበረ ኤርትራዊ ብዓሊታዊ ኣድልዎ ምኽንያት ካብ ስራሑ ከም ዝተሰጎጎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን። እቲ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ግሪንላንድ ዝነበረ ተኽለ ገብረልኡል ዝተባህለ በዓል ሞያ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ካልእ ምስ ጉድለት ኣብ ስራሕ ዝምልከት ዝጭበጥ ምኽንያት ዘይብሉ ካብ’ቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ስራሕ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዝሰጎጎ ሓቢረን። እዚ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዝተሰጎጕ ዝዝረበሉ ዘሎ ኣሰልጣኒ ተኽለ ገብረልኡል ወዲ 14 ዓመት ትሕቲ ዕድመ እንከሎ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወ ብዙሕ ግዜ ሰባት ብሕብሪ ቆርበቱ የናሽውዎ ከም ዝነበሩ፡ ኣ