Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ

ዝኸበርኩም ነበብቲ፡ መብዛሕትኡ ጠመተ ጽሑፋትናን ሓሳባትናን ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ ጥራይ ዘተኩረ ኢዩ። ግድነት ከምዚ ክኸውን ዝገበሮ ከኣ፡ ፖለቲካ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ሃለዋትና ወሳኒ ቦታ ስለ ዘለዎ ኢዩ። ኩሉቲ ዘይምዕሩይ ፖለቲካ ሃገርና ብዙሕ ጊዜ ዝዝረበሉን ዝጸሓፈሉን ስለዝኾነ ግን ናይ ሎሚ ሓሳባተይ ብዛዕባ ሳዕቤናቱ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃይማኖት ዘትኮረ  ኢዩ።