Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ዘዳሉ ትካል ትቖጽር

Israel

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ዘዳሉ ትካል ከምዝቖጸረ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ። እቲ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ከምዘለዎ ዝተገልጸ ኣብ ፖሊሲ ኢምግሬሽን ዘድሃበ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል፣ ብዛዕባ ኤርትራ መጽናዕቲ ንኸካይድ ምስ መንግስቲ እስራኤል ናይ ኣስታት 14 ሽሕ ዶላር ውዕል'ዩ ኣካይዱ።

እቲ ትካል ኣቐዲሙ፣ ነቲ ብዴንማርክን ብሪጣንያን ዝቐረበ፣ ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ይርአ 'ሎ ዝብል ጸብጻብ ከም መወከሲ ክጥቀመሉ ከምዝጸንሐ'ዩ ዝንቀፍ።