Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ኤርትራውያን ብካናዳዊ ኩባኒያ ኔብሱን ተመዝሚዞም ኣይተመዝመዙን ክርኢ ምዃኑ ገሊጹ።

ኤርትራውያን  ብስም  ሃገራዊ  ኣገልግሎት   ብትእዛዝ  ወተሃደራውያን  ሓለፍቶም  ኣብ  ዕደና  ወርቂ  ቢሻን ንዝነጥፍ ካናዳዊ ኩባኒያ ኔብሱን ብዘይክፍሊት ብነጻ ጉልበት ከገልግሉ ይግበር’ዩ ዝብል ክሲ ክቐርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ  ኮይኑ፡  ላዕለዋይ  ቤት  ፍርዲ  ካናዳ  ብ6  ጥቅምቲ  2016  ኣብ  ዝዘርገሖ  መግለጺ፡  ኣብ  ልዕሊ’ቲ  ኩባኒያ ዝቐረበ ክሲ ክርኢ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።