Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ብዛዕባ፦ ድሑን መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 12 ክሳዕ 14 ታሕሳስ አብ ሃገር በልጁም ዚተዋዕለ ሰሚናር

እቲሰሚናርኤርትራውያንዘይኮኑ NGO|s (ዘይመንግስታዊ ትካላት) ዚተጸውዐ ኴይኑ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ አብ ከባቢኡ ከም ተወከልቲ ናይ ሕብረት-ኤውሮጳ ኴይነን ዚሰርሓ ትካላት ከም ናይ በዓል ወ/ሮ ፋን-ራይዘን Mrs. Mirjam van Reisen ዘካተተ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ብዙሓት ዕዱማት ንኣብነት ካብ ትግራይ ሓደ ኣቶ ተኪኤ ኪንፈ ዚበሃሉ ናይ ስደተኛታት ትካል (ARRA)፣ ካብ ከናዳ ሓደ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰባት ብፍላይ ንጕዳይ ዓፋር (Mr. Magnet)፣ እቲ ውሩይ ተቓዋሚ ህግደፍ ዚኾነ ኢንግሊዛዊ  Mr. Martin Plaut፣ ኬንያዊደጋፊፍትሕንተማራማርንካብErasmus Rotterdam university (Mr. Antony Otieno Ong’ayo)፣ አብ ኡጋንዳ ምኒስተር ብጕዳይ ስደተኛታት ዚኾነት (Mrs. Maria Malula) ተወላዲ ዚምባበወ ዚኾኑ ምክትል አብ ሕብረት ኣፍሪቃ (vice president of pan African parlament) ክጥቀስ ይካአል።

Add a comment

ህዝባውን ሃገራውን ድሕነትናን ልዑላውነትናን ዝወሓስ፣ ሎሚ’ውን ብህዝባዊ ቃልስና ጥራሕ እዩ!

ህዝብታት ኤርትራ፡ ዘመናት ዝቚጸረ ጸረ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት እናተቓለሱ ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈሉ፡ ነቶም በብእብረ ዝመጹ ሓይልታት መግዛእቲ እናሰዓሩ ዝመጹ ሓርበኛታት ህዝብታት ምዃኖም ሕሉፍ ታሪኾም ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። በቲ ን30 ዓመታት ዝኣክል ዘካየድዎ ከቢድን ዝመረረን ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣቢሎም ድማ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ንመጀመሪያ ግዜ ሃገራዊ ነ

Add a comment

ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን

ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን ክብል ከለኹ (ናይ ገንዘብ ክፍሊትን ናይ ሓሳባት ክፍሊትን (investment of money and investment of ideas) ማለተይ ኢየ። ናተይ ኣበሃህላ ስለ ዝዀነ ከም መጽናዕታዊ ተቐባልነት ዘለዎ ስነ-ቃል ጌርኩም ኣይትውሰድዎ። ንኣበሃህላይ ክትርድኡኒ ግን እላቦ።

Add a comment

ሕቶ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሶማል ሕቶና’ዩ።

ገለ ምዕራባያውያን ሃገራት፡ ትማሊ ድሕረትን ድኽነትን ኲናትን ግህሰት ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ህዝብታት ኣፍሪቃ ከይውገድ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከምኡ ኢሉ እናተሰጋገረ ክነብር፡ ብሓሳብን ብተግባርን፡ ብወግዕን ብስውርን ይሰርሓ ከም ዝነበራ ዝተፈላለዩ መዛግብቲ ታሪኽን ብህይወት ዘለው ሰብ ጸጋ ዕድመን ይምስክሩ�

Add a comment

ደምበ ህግደፍ ናይ ፖለቲካ ምውታት ሰፈር፡

ኤርትራ ልኡላዊት ሃገርያ። ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘለዎ ህዝቢ ድማ ክህልዋ ነይርዎ። ብተግባር ግን መሬታዊ ልኡላውነት ‘ምበር፡ ህዝባዊ ልኡላውነት የለን። ቦታ ህዝባዊ ልኡላውነት ብሓደ ሰብ ዝተዘምተሉ ወቕቲ ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ መዘውር ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብድሌትን ውሳኔን ሓደ ሰብ’ዩ ተታሒዙ ዘሎ። ምንጪ መትንታት ሃገራዊ ቁጠባ ካበይ፣ ክንደይ ተረኺቡ፣ ኣብ ምንታይ ውዒሉ፣ መን ተረቢሕሉ፣ ዝፈልጥን ዝውስንን ሓደ ሰብ’ዩ። ጸጥታዊ

Add a comment

”ጉድ ተረኺቡ”: ኣግኣዝያውያን ተፋቲሖም

እዚኦም ትሪእዎም ክለተ ጨለታት ሓዲኦም መስራቲ ጽዮናዊ ኣግኣዝያውያን ክኸውን አንከሎ አቲ ካልኣይ ድማ ኩሉ መለኽበጢ ፈተናታት ምስ ፈሸሎ ድሕሩ ናብ ጉጅለ ኢዮብ ዝተሓንገጠ ገዳይ ባሃልይ ኣራዳ እዩ::

Add a comment

ሓደ ዕሱብ ኢሳይያስ ምስ ወጽዓን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ንዝደናገጽ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማርቲን ፕላውት ብምህራሙ ተኣሲሩ

ሓደ ያቆብ ገብረመድህን ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቡ ዝነበር ዕሱብ መጋበርያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ምስ ወጽዓን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ብምድንጋጽ ጉዳይ ኤርትራውያን ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ኣብ ምግባር ዕቱብ ኣበርክቶ ንዝገብር ዘሎ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማርቲን ፕላውት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ፡ ርስሓት ብዝመልአ ጀሪካን መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ብፖሊስ ድሕሪ ምእሳሩ ተኸሲሱ። ነዚ ጉዳይ ዝሰምዑ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ሕግን ስርዓትን ዓዲ እንግሊዝ ንዘውሕሶ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ተጠቒሙ ሓሳቡ ብምግላጽ ሞያውን ሞራላውን እጃሙ ንዘበርክት ዘሎ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ንምጉንዳብ ተልእኾ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ ቀይዲ-በተኽ ምልካዊ ስርዓት ንምስላጥ ነዚ ናይ ደ

Add a comment

ታና ዖነዲ ብስክዲረዲዂ ፈሪዕ ሙርቛ ብሊኑኽ ኤርትራ/ሆደ፡01-12-2018

ወክትውራክመ48 ኤሜታትደኩዂዖነዲበስክዲረዲራሕመትእንግገትድድነትል ዪና ቓሓርዲ ዪና ምጨዲ ሙረዲ ክርግናኽር ኣኽኖ ህንብነኩን ዪነኩን። ንደንቢ ክደት ዪኒ ካያ።

Add a comment

ኣባይ ጸሃየ፡ "እቲ ቂምታስ ህወሓት ረሲዕዎ ኣሎ፤ ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን ይረስዕዎ እንዶ"

Abay Tsehaye makes plea to Eritrean president to “transcend old enmities”

መስራቲ ህወሓትን ገዲም ተጋዳላይን ኣባይ ጸሃየ ምስ ቢቢሲ ተግርኛ ኣብ ዘካየዲ ቃለ ምልልስ፡ ህወሓት ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ደጋፊ ቃልሲ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ገሊጹ። መገድታት ባድመን ሑመራን ክኽፈትን ወደብ ባጽዕ እውን ስርሑ ክጅምርን ኣይተ ኣባይ ጸሃየ ጸዊዑ።

እቲ ዕርቀ ሰላም ምሉእ ክኸውን መታን ኣብ መራሕቲ ቅንዕና ክህሉ ኣለዎ ድማ ኢሉ።

Add a comment

ተዘክሮ ዖና መበል 48 ዓመት

መዓልቲ  መዓልቲ ሰማእታት ሰሚናያ። ኣብ ዖና ንህዝብታት ንምጽናት፣ኣብ ኑኡስ ዕድመይ ተዘክሮ ኣሎኒ፣ህዝቢ ጸኒቱ፣ምስ ነደዳ ዓድታት፣ ኣብ ፎሮብያ ቆልዓ ምስ ሰበይቲ ኣብ ባጎኒታት፣ዋጭ ዋጭ ምስ ኣደታት፣ብዘይ ናቶም ዝምነዩ ሐይልታት፣ንነጻነት ዝተኸፈለ መስዋእትታት።

Add a comment

ዘሔጉስ ሓበሬታ

ነቶም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰንከሉ ጀጋኑ ኣሕዋትናን ብጾትናን ኣብ መደበር ከሰላ ሃገረ ሱዳን ዝነብሩ ንምሕጋዝ ብዕለት 08-12-2018 ተጸዊዑ ዝነበረ ዕድመ ዕለቱን ሰዓቱን ብምኽባር ብርክት ዝበሉ ዕድመኛታት ተረኺቦም ዕዉት ዝዀነ ኣኼባ ተኻይዱ።

Add a comment

ስሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት (ጨንፈር ጅዳ) ዕዉት ጉባኤ ኣካይዱ!!

መቀጸልታ ናይቲ ዕዉት ሳልሳይ ጉባኤ ፡ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ መሪሕነትን ሰልፊ ዝተረኽብዎ፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ (መሰረት) ጨንፈር ጅዳ ብጅምዓት 30/11/2018 ዕዉት ጉባኤ ኣሕሊፉ። ኩሎም ተጋባእትን፡ መሪሕነት ሰልፍን ከምኡውን ዑዱማት ኣጋይሽን ምስ ተረኽቡ ኣቦ-ወንበር ኣሳናዳዊ ሽማግለ ጉባኤ ብዕሊ ከፊትዎ። ጉባኤ ብዕሊ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓላፊ ክፍሊ ቁጠባ ነኣቦ-ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ሓው ኣንዋር ኢብራሂም (ኣቡ ረያን) ወኪሉ ንጨንፈር ጅዳ እንቋዕ ኣብዚ ኣብቃዓኩም ዝብል መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላ

Add a comment

ብናይ ፖለቲካ-ማዕበል ትሕቈን ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ

ኣብቲ ነዊሕ ናይ ዘመናት ጉዕዞ፥ ናይታ ክርስቶስ ዝመሠረታ፥ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስቲያን ታሪኽ እንተ ተመልከትና፥ ካብ መከራን ስቓይን መስጐጕትን ስደትን፣ ዘዕረፈትሉ ዘመን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ-ዝኾነ ድማ እቲ ነዊሕ ታሪኻ፥ ብደም ሰማዕታት ደቃ እናተጻሕፈ ዝመጸ፥ ናይ ገድልን ሰማዕትነትን ታሪኽ ደኣምበር፥ ዕረፍትን ሰላምን ረኺባ፣ እፎይ-!! ዝበለትሉ ዓመትን ዘመንን ከም-ዘይነበራ’ዩ፥ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኻ ዝዛረብ። ስለዚ’ውን ኣብተን ቀዳሞት 300-ዓመታት፣ ማለት ካብ ዘመነ-ኔሮን ክሳብ ዘመነ- ዲዩቅልጥያኖስ፣ እታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ፣ ክ ስቶሳዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ሰላምን ዕረፍትን ቅሳነትን ነይሩዋ ትበሃል ኣይኮነትን። ስለዚ ከኣ’ዮም እቶም-ቀዳሞት ክርስቲያን፥ ኣብተን መጀመርታ ዝነበራ 300-ዓመታት፣ ከ

Add a comment

ዝኽሪ መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ !!

ዕለት 1 ታሕሳስ 1970 ዓ.ም፣ ብመግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣  ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተቐማጦ ዖና፣  ጃምላዊ መቕዘፍቲ ዝተፈጸመላ ዕለት ኢያ። ልክዕ‘ዩ ቅድሚ መቕዘፍቲ ዖናን ብድሕሪኡን፣ ብዙሕ ተመሳሳሊ ተግባራት ብሰራዊት ጸላኢ ተፈጺሙ ኢዩ። ሰፍ ዘይብል ህይወት ህዝብን ተጋደልትን’ውን ተኸፊሉ ኢዩ። እንተኾነ ግን፣ ኣብ ዖና ብዝተኻየድ ባርባራዊ መቕዘፍቲ፣ ከባቢ ሓደ ሽሕ ዝኸውን ኣብ ሓደ ግዜን ቦታን፣ ካብ ሰላማዊ ህዝብና ዝተሰዋኣሉ ዕለት ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ከኣ፣ ነቲ ኩሉ ዝተኸፍለ  ክቡር ህይወት ኤርትራውያን እተጒልሕ መዓልቲ ንኽትከውን፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ንሓደ ታሕሳስ፣ ከም መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ ክትከውን ወሲኑ።

Add a comment

ቀዳማይ አኬባ ባይቶ አብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ጨንፈር   ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና ቀዳማይ አኬባኡ  ብአባል  መሪሒነት ባይቶ ሓፍትና ሂወት ገ/ሚካኤል ዝተመርሔ  ብዕለት 8/12/2018  እኬባ ተሳላሲሉ።

Add a comment

ናዓ ሆ ሆ ጎባይ

ኤረና ኣስላምና ክስታና ሐቢርና

ኤርትራ ንኤርትራዊያን ጭርሖና

ኤረና ሰብ ሕልና ኣለዋና ኣለዉና

ናይ ምምብርካኽ ኣመል ዘይብልና‘

Add a comment

ብማዕዶ ንተቓወምቲ ምሕማይ የብቅዕ ሑሱም ኣጀንዳ ህግደፍ ተሰይሩ ክነቅዕ

ዝኸበርኩም ዝኸበርክን ብትውልዲ ኤርትራውያን የሕዋተይ ኣሓተይ ኤርትራ ሃገረ ሰማእታትና በዕጽምቶምን ብደሞምን  ከፊሎም ሃገር ዝገበርዋ እቲ ተንኮላት ናይ ኢሳያስ ብሰብዓታት ናይ ምትላል ዝጀመር እኖሆ ሎሚ ምቹእ ግዜ ተጸብዩ ንመንእሰያትና ኵናት ኣጊዱ ሓደ ፍርቂ ተካኢ ወለዶ ኣጽኒቱ፥ንስደት ከሙኡ ፍርቂ ተካኢ ወለዶ ኣሳፊሩ፥ ኤርትራ ካብ  ቤት ትምህርቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበዝሔን ዝሰፍሔን ገይሩ ንኤርትራና ረሚሱዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ኣርቦኣታት ኣንድነት  ሓደ  ህዝቢ ኢና ዶብ ዓጋቲ ኣየድልየናን  ቀደም ሓደ ኢና ኔርና ኣጥፊእናዮ ኔርና ሕጂ ግን መሊስናዮ ኣሎና ክብል ከሎ ንቓልሲ ኣማኢታት ኣሻሓት ዝበልዔ ናይ ሂወት መስዋእቲ ንብላሽ ይገብረናሎ።

Add a comment

እስራኤል፣ ብቅትለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ክህደን ዝጸንሐ መንእሰያት ተታሒዙ

Sylvanaኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ብቅትለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ክህደን ዝጸንሐ፣ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ተታሒዙ። እቲ መጻምድ'ቲ ኣዲኣ ምዃኑ ዝተንግረሉ ተስፋብርሃን፣ ነታ ሲልቫና ጸጋይ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፣ ብሰኑይ 26 ሕዳር ድሕሪ ምቕታል

Add a comment

ኣብ ኤርትራ ሃገርና እንታይ ይባሃል ኣሎ፡

ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ስራሓት መንግስቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኢሰያስ ዝራኸቡ ሰበ-ስልጣን ብፍጹም የለዉን ንሱ እውን መሕደሪኡን መውዓሊኡን  ንክትፈልጦ ኣሸጋሪ  ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምስ ገለ ሓለፍቲ ሰብ ብምልኣኽ ብደብዳበ ጥራይ ከም ዝራኸብ እዩ ዝፍለጥ። እዘን ዝሓለፋ 2 ወርሒ ኢሰያስ ንኢትዮጵያ ዝተመላለሰለን፡ህዝቢ ኤርትራ ከም ፈኲስ ሰብ፡ኢትዮጵያዊ እምበር ኤርትራዊ ኣጀንዳ ከም ዘይብሉ፡ንሃገረ ኤርትራ ጠሊሙ ጸግዒ ኢትዮጵያ ከም ዝሓዘ፡ብጽልእን ብኽድዓትን ኣብ ኣደባባይ ብዘይ ፍርሒ ይዝረብ  ዘሎ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

Add a comment

ኣቦ መንበር ጉንበት 7 ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ምስ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ካብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ

ሳላ መንግስቲ ኤርትራ ዝገበረልና ወተሃደራዊ፡ ገንዘባውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ክንከፍት ክኢልና ኣለና ይብል ዶክቶር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ‘ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር 2018 ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ።

Add a comment

ፕረዚደንት ሶማል ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ምኽታሙ፣ ኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣኑ ክእለ ጸዊዖም

Somalia President

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላ ፋርማጆ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ምክያዱ፣ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ እማመ ብሰንበት 9 ታሕሳስ ኣቕሪቦም።

ማዕከናት ዜና ሶማል ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም 92 ኣባላት ባይቶ፣ ኣብ ዘቕረብዎ እማመ፣ እቲ ፕረዚድነት ንሃገራዊ ባይቶ ከይተወከሰን ንህዝቢ እኹል ሓበሬታ ከይሃበን ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝከተሞ ስምምዓት፣ ንቅዋም እታ ሃገር ዝጥሕስ'ዩ ብዝብል'ዮም እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዑ ዘለዉ።

Add a comment

ለባም መላኺ ዘመኒ ጭካኔ

ሓደ ካብ’ቲ ብዙሕ ረቛሒታት ንኤርትራ ካብ ካልኦት ፍልይቲ ዘግብራ፡ ንኽንዲ’ዚ ዝኣክል ዓመታት ብሓደ ጉጅለ ዘይኮነ ብሓደ ሰብ ትግረፍ ምህላዋ’ዩ። እቲ ዓይነት ምልኪ ካብ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተራእየ ዝተፈልየ’ዩ። ስርዓት ምልኪ ካብኡ ናብኡ መጠናዊ ፍልልይ ኣለዎ’ዩ። ካብ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝረአ መልኪ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ዝረአ መልኪ ይሓስም። ምኽንያት እቲ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝረአ ምልኪ ኣዝዩ ስውር’ዩ። ኣብ ደሞክራስያዊ መሰላት ‘ምበር፡ ኣብ ሰብኣዊ

Add a comment

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እነዳልዎ ድራር ነቶም ምእንቲ ሃገርምን ህዝቦምን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ደሮናን ኣብ ሃገር ሱዳን ምስ ኩሉ መውጋእቲ ስቓይን ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን ወዘተ----ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን
ኣሕዋትናን፣ ብጾትናን ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፣ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኻ፣ ንዓኺ ዝስወር ኣይኰነን፣ እሞ ኣብዚ ንዕለት

Add a comment

ዜና ብምኽንያት አብ ከተማ ሮተርዳም ዝተኻየደ ህዝባዊ አኼባ፡

 

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ሆላንድ፡ አብ ከተማ ሮተርዳም ብዕለት 24-11-2018ዓ.ም. ካብ ኩለን ከተማታት ሆላንድ ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰፍሕ ህዝባዊ አኼባ አካይዱ። ነቲ አኼባ ዘመርሕዎ አርባዕተ አባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንሳቶም ድማ ደክቶር ዩስፍ ብርሃኑ፣ አሕመድ ነጋሽ፣ መኮነን ተኽለ ከምኡውን ተጋዳሊት አስገደት ተስፍዮውሃንስ እዮም።

Add a comment

ተቃላሳይ ኣሕመድ ሽፋ ዑመር ናስር ፓሻ ብሞት ተፈሊዩና !!

ቓላሳይ ኣሕመድ ሽፋ ዑመር ናስር ፓሻ፣ ብዕለት 9 ታሕሳስ 2018 ወጋሕታ፣ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ከተማ ካርቱም ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈለየና ብምሕባር፣ ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

Add a comment

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋ።

ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እነዳልዎ ድራር ነቶም ምእንቲ ሃገርምን ህዝቦምን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ደሮናን ኣብ ሃገር ሱዳን ምስ ኩሉ መውጋእቲ ስቓይን ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን ወዘተ----ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን፣ ብጾትናን ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፣ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኻ፣ ንዓኺ ዝስወር ኣይኰነን፣ እሞ ኣብዚ ንዕለት 15-12-2018 ኣብ SAALBAU GALLUS FRANKENALLEE 111 60326 Frankfurt a.M. ካብ ሰዓት16.00 ክሳዕ ሰዓት 23.00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ሰዓታት ብጉዳዮምን ብጠቕላላ ማሕበራዊ ጉዳያትናን

Add a comment

ደገፍና ንመበል 13 በዓል ብሄረ-ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ

ወጽዓ ኣብ ዘሎ ቓልሲ ኣሎ። እሺ ኢሉ ዝግዛእ ፍጢር የሎን። ዉጹዕ ተወጺዔ፣ መሰለይ ትነፊግኒ፣ ፍትሒ ጎዲልኒ፣ ኣብ ገዛይ ኣብ ሃገረይ ሰላም ሲኢነ፣ ሓድነት ሃገር ዪሸራረፍ ኣሎሉ፣ ብሰላም ክቓለስ ናይ ግድንዩ። እቲ ዝዉጽዕ ደርቢ ከኣ ኡይታ ህዝቢ ክንዲ ዝሰምዕ፣ መዝመዛን ጨቛናን የኽርር። መንግስታዊ ስርዓቱ ደዉ ከብል፣ ወተሃደርን ሓደስቲ ክፍሊ ስለያን ጎበጥቲ

Add a comment

ንፖለቲካዊ ቂም ኣይፋል፡ ክብሪ ንዝግበኦም ብኣውዲቕካ ሕለፍ ንምስጋር ዝግበር ፈተነ ድማ ዓገብ ንበል

ኤርትራዊ ሃገርነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ካብ ዝተጀመረሉ፡ መጀመርያ ኣርበዓታት ክሳብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ፡ ብዘይካቲ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ዝሰርሓሉ ዝነበረ ያታዊ ሕግታት፡ ናትና ብዝብልዎ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ተመሓዲሮም ኣይፈልጡን። ከም ህዝቢ ከም ሃገር፡ ካብ ስግኣት ነጻ ኮይኖም ይሕሸኒ የገልግለኒ ኢሎም ብመንገዲ ሕጋዊ፡ ወግዓዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምርጫ፡ ብመምረጺ ካርዲ ገይሮም ኣብ ስልጣን ዘደየብዎ ናትና ኢሎም ልቦም ዘውድቕሉ ኣፎም

Add a comment

ንልዕላውነት ሃገርናን ንዝኽርን ሞጎስን ስውኣትናን፡ ብደምና

Image result for seattle washington

ብዛዕባ’ቲ ብዶክቶር ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮፕያ፡ ዝቐረበ ናይ ኤርትራን ፡ ኢትዮፕያን  ዕርቅን ፡ ሰላምን፡ ፍቕርን፡ ዝምልከት እማሜ፡  ኢትዮፕያ ብዘይ ሓደ ቅድመ-ኩነት ነቲ ናይ ኣልጀርስ ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ዶብ ብይን ክተተግብሮ እያ ፡ ከምኡ’ውን  ካብ’ተን ሒዛተን ዘላ ናይ ኤርትራ ፡ ዓድታት ክተንሳሕብ’ያ ዝብል አዩ ኔሩ።   ንሰላም፡ ኣይኮነንዶ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራስ፡ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ዝግባእ ቅዱስ ተግባር እዩ ።  ህዝቢ ኤርትራ፡ ከኣ ኣብ ቅንዕና ዝተመርኮሰ እማሜ መሲሉዎ፡ ብዘይ-ቃል-ዓለም ተቐቢሉዎ ኔሩ እዩ።

Add a comment

ዘሔጉስ ሓበሬታ

ነቶም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰንከሉ ጀጋኑ ኣሕዋትናን ብጾትናን ንምሕጋዝ ኣብ ከተማ ስቱትጋርትን ትቢንገንን ከባቢኡን ንዕለት 24-11-2018 ኣብ Heilbronner strasse 107 stuttgart ተጸዊዑ ዝነበረ ዕድመ ዕለቱን ሰዓቱን ብምኽባር ብርክት ዝበሉ ዕድመኛታት ተረኺቦም ዕዉት ዝዀነ ኣኼባ ተኻይዱ።

Add a comment

ባይቶን አገዳስነቱን

ናይዚ ሎሚ አኼባና ዋና መበገሲ ዝኾነ ቀንድን እንኮን ምኽንያት ኩነታት ሀገርና ንምግምጋም ጥራይ ዘይኮነስ  ንብድሕሪ ሕጂ’ኸ ‘እንታይ ይገበር’ ብዝብል ተረድኦ ኢዩ።  ምናልባትውን ተጋግየ ክኸውን ይኸእል ኢየ።  ግን አይመስለንን። ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይኑ ግን ፈቲና ጸሊእና  ቴማ ናይ’ዚ  እኼባና አተኩሩኡ አብ ‘ ሕጀ’ኸ እንታይ ይገበር’ ዝብል ኢዩ።

Add a comment

ገዲም ሰብን ገዲም ዓሳን ጥራይ ዝነብረላ ምድረ-ባሕሪ ኤርትራ

ደላይ ጽቡቕ ሓውና ዶ/ር በርሀ ሃብተገርግስ ነቶም በቲ ናይ ብቐዳማይ ዘረብኡ ሕርኽርኽ ዝበሎም ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለ ብዙሕ ከይጠቀሰ ንህግደፍ ብዙሕ ከይወቐሰ እታ ብዙሕ ጸጋታት ዘለዋን ኣዝያ ምዕብልቲ ዝነበረትን ኤርትራ ብፍላይ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ኣዝያ ከምዝተረመሰት ንዕረ ብመዓር ሓዊሱ ብዝወሓጠሎም ጥበብ ገይሩ ናይ ተስፋ እንጌራ ኣኾሊስዎም። ኤርትራ ብቑጠባ ክትዓብን ካብ ጎረባብታ ጸብለል ክትብልን ተስፋ ዘለዋ ሃገር ምዃናን ዘለዋ ዕቑር ሃብትን ስልጡን ሕብረተሰብን ጽላት ብጽላት ብኣብነት እንዳ ኣሰነየ ንልቦም ዘረስርስ መግለጺ ገይሩሎም። ሓደ ካብቲ ተስፋ ናይ ኤርትራ ክኸውን ዝኽእል ዕቑር ሃብቲ ድማ ኤርትራ ዘለዎ

Add a comment

መድሕን ኣብ ከብዲ ዘሎ ወዲ ዶ ጓል ንበሎ

ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ጉድ ረኺቡ

ከም ውላዱ ዘዕበየ ንሱ ኣይኮነን ዓስቡ

ኣይተ ሰለሙን ቅነ ዘለዎ ዘረባ ክትዛረቡ‘

 

Add a comment

ቀንዲ በዳሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ እምበር ማሕበረሰብ ዓለም ኣይኮነን

ብ14 ሕዳር፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልዎ ምስተባህለ፡ ሓደ ኣብ ምቅባል ስደተኛታት ዝነጥፍ ብቀረባ ዝፈልጦ ኣመሪካዊ ዜጋ ተለፎን ደዊሉ፡ እንቋዕ ሓጎሰካ፡ ሃገርካ እገዳ ተላዒሉላ፡ ደጊም ኣብ ሃገርኩም ጥሜት የለን” ኢሉ ጽቡቅ ትምኒቱን ሰብኣዊ ርህራሀኡን ገሊጹለይ። ነቲ እንቋዕ ሓጎሰካ ደጊም ኣብ ሃገርኩም ጥሜት የለን ዝበለኒ ኣመሪካዊ፡ ንስለ ቀልዓለምን ስለቲ ተገዳስነቱን፡ የቀንየለይ (Thank You) ብምባል ጥራይ ክሓልፎ ኣይመረጽኩን። የግዳስ እቲ እገዳ እንታይ ከምዝነበረ፡ መበገሲኡን፡ ምልዓል

Add a comment

ገዛእ ርእስኻ ካብ ፖለቲካዊ ድሕረት ከይወጻእካ፡

ኣካል ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዃን ኣይከኣልን ኣብ ፖለቲካ፡ ትምክሕቲ፣ ጽበት፣ በለጽ፣ ዘይግሉጽነት፣ ዘይሕጋውነት፣ ዘይተሓታትነት፣ ነብሰ ፍትወት፣ ውልቀ ዝና፣ ክሕደት፣ ምድንጋር …ወዘተ ዓቐኖም ክፈላለ ይኽእል ‘ምበር፡ ኩሎም ኣካል ድሑር ኣረኣእያ፤ ኩሎም ድማ ዘይሃነጽቲ ኣዕነውቲ’ዮም። ናይ ሎሚ ፖለቲካዊ ውድቀት ኤርትራ ከኣ ካብ’ዚ ድሕረታት’ዚ ዝምንጩ’ዩ። ፖለቲካዊ
ድሕረት፡ ዕንቅፋት ሓቀኛ ሃገራዊ ሰላም’ዩ። መርዛም ጻህያይ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ሓድነት’ዩ። ኣንጻር ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሓባራዊ ልምዓታዊ ዕቤትን ሃገራዊ ፍቕርን’ዩ።

Add a comment

መንዩ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢቦላም

መንዩ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢቦላ

መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ጉሒላ

ማፍያዊ ጉጅለ ሐሐሊፉ ንኹላ

ንቀርኒ ኣፍሪቃ እሾኽ ዘሪኡላ‘

Add a comment

ኤርትራ፡ ገበነኛ ዝውደሰላ፡ ደላይ ፍትሒ ዝህደነላ ሃገር

ብ ሕብረተሰብና፡ እታ ዳስ ሓውያስ ዝእቱምበር ዝወጽእ ኣይርኣናን” ትብል ብሂል፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣጸቢቃ’ያ ትገልጻ። ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፡ እገለ-እገሊት ተኣሲሩ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ኤውሮጳ ኣትዩ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ፡ ብሰርሰርቲ ተታሒዙ ወይ ህይወቱ ስኢኑ እምበር፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ወጺኡ፡ ብምሕረት ተፈቲሑ፡ ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ተመሊሱን ሓድሽ

Add a comment

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ህጹጽ ቆላሕታ ክወሃቦ ሓቲቶም

US Congresmen

መንግስቲ ኣመሪካ፣ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ህጹጽ ቆላሕታ ክህቦ፣ ክልተ ኣባላት ባይቶ ሓቲቶም። እቶም፣ ተወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ዝኾኑ ጀመስ መጋቨርን ራንዲ ሃልቲግሪን፣ ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖሞዮ፣ ኣብ ዝልኣኽዎ ደብዳቤ፣ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ዝህሉ ዝምድና፣ ንምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ቀዳምነት ክህብ ተላብዮም።

ንሳቶም ኣብቲ ብ19 ሕዳር ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከተመሓይሾ ዘለዋ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘርዝሪሮም።

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፣ ኣብ ኤርትራ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝበልዎ ኣርባዕተ ነጥብታት፣- ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ዝፍጸም ዘሎ በደላት፣ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራትን መሰል ምንቕስቓስ ዜጋታት ምኽባርን ዝብል'ዩ።

Add a comment

ሓይሊ ሓሳብ ዘይብሉ ሰብ ከምኡ’ዩ ዝገብር፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ናይ ኣእምሮ ሕሙም ይኹን ናይ ባህሪ ዕሱብ ኤርትራዊ፡ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ኣብ ዝተዓቑበሉ ደሞክራስያዊ ሃገር፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ እንኮ ሰባዊ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ንዘቃለዐ ጋዜጠኛ ከም ዝሃረመ፡ ከም ዝተኣስረን ጸኒሑ ብዋሕስ ብቖጸሮ ከም ዝወጽአን ማዕከናት ዜና ከቃልሓ ምቕናየን ዝዝከር’ዩ። በቲ ተግባር ድማ ህግደፍን ህግደፋውያንን መን ምዃኖም ተቓሊዖም። ለባማት ኤርትራውያን ድማ ሓፊሮም’ዮም። ዝያዳ ብሩህ መታን ክኸውን፡ ማዕከን ዜና ቢቢሲ መደብ ቋንቃ ኣምሓርኛ፡ ምስ’ቲ ብኤርትራዊ ዝተሃርመ ጋዜጠኛ

Add a comment

ንመርዓት ደኣ፡ብጭብጨባን፡ ኮቦሮን፡ተፋንዋ’ምበር ንሃገርካ አናዓለልካ ንጸላኢኻ ኣይተረክባን ኢኻ ?

ክቡራትን፡ክቡራንንደለይቲፍትሒኤርትራያንተቐማጦከተማሲያትልንከባቢኣን፡ዳርጋኩልናከምንፈልጦእታመኢተ-ኣሸሓትምስዋእትን፡ስንክልናንተኸፊሉላዝመጸት፡ነጻነትሃገርና፡ብሰንኪ’ቲ  ንብዙሕዓመታትብገርህናዘታለለናን፡ዝጠለመናንውልቀ-መላኺኢሳያስኣፈውርቂ፡ፍረናይ’ታዝተረኽበትነጻነትከየስተማቐርናያከሎና፡ንህዝብናኩሉስነ-ሰብኣዊ መሰላቱቀንጢጡ፡ኣብመቕዘፍትን፡ማእሰርትን፡ኣደዳስደትንኣብጺሑዎ።ብዘስካሕክሕኩነታትከኣ፡መሰረታዊስነሰብኣዊመሰላትህዝብና፡ብተደጋጋሚ፡ስለዝተቐንጠጠ፡ብቤት-ጽሕፈትሰብኣዊመሰል ምጥብባቕ፡ሕቡራትመንግስታትዓለም፡ እኹልመጽናዕቲድሕሪምክያድ፡ኣብልዕሊመንግስቲኤርትራቁጠባዊእገዳድሕሪምብያኑ፡እቲእገዳንትሽዓተዓመታትዝኣክል፡ንስምጥራሕተተግቢሩድሕሪምጽንሑ፡ብዕለት14 ሕዳር፡2018 ዕ.ም.ፈ,ንኤርትራ ተላዒሉላ።እቲእገዳግን፡ኣብልዕሊ’ቲግፍዓዊን፡ቅዋምኣልቦንመንግስቲኤርትራዘርኣዮእኩልጉድኣት ኣይነበረን።ኣብልዕሊግህሰተ-መሰላትህዝቢኤርትራውንዘርእእዮምምሕያሽኣይተራእየን ።

Add a comment

ኤርትራ ሃገራዊ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ

ቅልዕቲ መልእኽቲን ንፈጻሚት ሽማግለ ን ኣሳናዳኢት ሽማግለን ናይ ሃገራዊ ባይቶ ከምኡ ውን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ኩሎም ውድባታትናን...............

Add a comment

ትርጉም ናይ ምልዓል ቁጠባዊ እገዳ ኤርትራን፡ ሃገራዊ ሓላፍነትናን።

ብድሕር’ቲ ዝተፈጸመ፡ ሃንደበታዊ ጥልመት፡ ህዝቢ ኢርትራ፡ ንተንኮላትን፡ ሽጣራታትን ኢሳያስ፡ ፈጺሙ ክበቕዖ ኣይከኣለን። ንዝነበሮ ሕቡእ ናይ ስልጣን ምግባት ኣጀንዳኡ ንምትግባር፡ ኣየሕልፉንን አዮም ኢሉ ንዝገመቶም፡ ብሉጻት ጀጋኑ፡ ተጋደልትና፡ ካብ ኣብራሃም ተወልደ ጀሚሩ፡ ብመንካዕን፡ የሚንን ዝብል ናይ ቅጽል ኣስማት እናሰየመ፡ ንብዙሓት፡  ብርቱዓት ተጋደልቲ ፡ ብዝተፈላለየ ምስጢራዊ ኣገባብ፡ ብምቕንጻሉ፡ ቀስ-ብቐስ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ፡ቀልጢፉ ፡ ብሕሱም ጭካኔ፡ ዝተሰነየ ክፉእ ተግባራቱ፡ ብምጥቃም፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ፍርሕን፡ ራዕድን ከም ዝሰፍር ጌሩ።

Add a comment

ኣምንስቲ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካይዱ ዘለው ቲቦር ናዥ ብዛዕባ እሱራት ክሓቱ ይጽውዕ

ኣብ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዢ ኣብ ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ሓሳቦም ብነፃነት ብምግላፆምን ብጉዳይ እምነትን ዝተኣስሩ ኩሎም ክፍትሑ ክሓቱ ኣለዎም ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምጋሾም ኣብዘውፅኦ መግለፂ ፀዊዑ ነይሩ።

Add a comment

ከመይነት ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዓለምናን ዞባናን ነንብብ።

ነዛ ዓለም በይንና ንነብረላ የለናን። ብኣማኢት ዝቑጸራ ሃገራት፣ ብቢሊዮናት ዝቑጸሩ ህዝብታት ምስናይ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባሌን ተመስገን ዝረሓቖ ሕሉፍ ስሰዐን መናብርቲ ኣለውና። ናብ ደረጃ ኣህጉርናን ዓለምን ምስ እንመጽእ’ውን ከምኡ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን፡ ብዙሓት ድሌታትን ግርጭታትን ዝሓቑፉ መናብርቲ ኣለውና። ናብ ዘቤታዊ ጉዳይና ምስ እንምልከት’ውን ከም’ቲ ጠለምቲ ሕድሪ ህግደፋውያን ፖለቲካ ከኣልና ክብሉ፡ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” እናበሉ ከደናግርሉ ዝፍትኑ ሓደ ህዝቢ ዘይኮናስ፡ ዝተፈላለየ ቋን

Add a comment

መልሲ ንሓው ተስፋብርሃን

ዝኸበርካ ሓው ተስፋብርሃን፡ (ኤርትራዊ ስለዝኾንካ ሓው ኢለ ክጽውዓካ ኣፍቅደለይ) እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝኸደ ኣንጻር ሓው ጀላል ያሲን (ብመገዱ ድማ ንጀበርቲ፡ ንውድብ ናህዳ ንመርበብ ዓዋተን ካልኦትን?) ዒላማ (ታርገት) ዝገበረ መግለጺኻ ስሚዐዮ። ብሓቂ ዘሕዝን’ዩ! ኣብ ፈረንሳ (ሃገር ሓርነት፡ ማዕርነት፡ ሕውነት) እትነብር፡ ዝተመሃርካ መንእሰይ (ትሕት 40 ኢኻ ኢለ እግምት)፡ ንነብሱ ከም ሃገራዊ፡ ደላይ ፍትሒ/ለውጢ፡ ተቓዋሚ ምልኪ/ገባቲ ስርዓት ዝኾነ፡ ሊበራላዊ ኢየ ዝብል ሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ድሑርን ከፋፋልን፡ ጸረ-ሓድነትን ጸረ-ህዝብን ሓሳባት ክትዝርግሕ፡ ነውሪ ኢዩ። ከም ኤርትራዊ፡ የሕዝነኒ!

 

Add a comment

ካብ ሓደ ሃይማኖት ንላዕሊ ምህላው ጠንቂ ናይ ዘይምርድዳእ ክኸውን ይኽእል`ዶ ?

ጠንቂ ናይ ዘይምርድዳእና ክኸውውን ኣይክእልን`ዩ። ብኣንጻሩ ንምርድዳእን ንተኸባቢርካ ምንባርን ዘውሕስ`ዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝህቦ ውሕስነት ካብ`ቲ ሓደ ነዲቁ እቲ ሓደ ዘፍርሶ ደቂ-ሰባት ዘጽድቁዎም ዓለማዊ ሕግታት ዝጸነዔ፤ ደቂ ሰባት ተኸባብሮምን ተረዳድኦምን ክነብሩ ዝገብር ምስ እምነት ዝተቆረነ መሰረት ስለ ዘለዎ።

Add a comment

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ዞባዊ ጉባኤ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)ካብ ታሕሳስ 1-2, 2018 ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዞባዊ ጉባኤኡ ብዓወት ደምዲሙ። ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ ኤሃባደለ ዞባዊ ጉባኤ’ዚ ኣባላት ባይቶ ናይዚ ትካል፣ ዘለዎም ተወፋይነት ነቲ ረቂቕ ሰነዳት ናይ ፖለቲካዊ ቻርተርን፣ ሓባሪ ስእልን (ሮድ ማፕ)፣ ሕግታቱን ብምድጋፍ ኣረጋጊጾሞ። ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2019 ዝግበር ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ኤሃባደለ ዝቐርብ ሰነዳት ብምንባብ ከኣ ናይ ተሳተፍቲ መግበመልሲ (ፊድባክ) መዝጊቡ። ንተዓቅቦታትን፣ ምንዋሕ ግዜን ናይቶም ብሕጽረት ግዜ ክንመጽእ ኣይከኣልናን እሞ ይናዋሓልና ዝበሉ ወከልቶም ዘይመረጹ ከተማታት ሕቶ ዘትዩ፣ ብወኸሳን ፍቓድን

Add a comment

ናይ ሐዘን መግለጺ ብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳላይ ኣደም ሳልም

ናይ ሐዘን መግለጺ‘ብምኽንያት መስዋእቲ ሐርበኛ ተጋዳላይ ኣደም ሐምድ ሳልም‘‘ጅግና ኣደም ፍቃድ ረቢ ኮይኑ ከድካ ዶ‘ ክፈርስ ከይረኤኻዮ ናይ ከዳዓት ኣጉዶ‘ሰብ ኣይነብር እዩ ታሪኽ እንበር‘ከም ጀጋኑ ስዉኣት ብጾትካ ብግጅግናነት ትዝከር“

Add a comment

Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC) North America Concluded its Regional Congres

ENCDC North America Successfully Concluded its Regional Congress December 1-2, 2018 in Denver Colorado. In this historic Regional Congress of ENCDC, members reaffirmed their commitment to the organization by endorsing the draft documents of the Political Charter, the Road map, and its Bylaws. A review of the documents, and feedback from the participants were documented for the General Congress to be held in early 2019. With the approval of the Executive office of ENCDC, members discussed the reservations and time extension requests by some ENCDC members who didn’t join the Regional Congress, and unanimously approved extending the deadline to January 12, 2018 for the election of representatives from the cities that had requested extension.

Add a comment