ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ) ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 16 ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2020 ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ ኣብ መጀመርታ ርብዒ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ንምክያዱ ተመዲቡ’ኳ እንተነበረ፣ ብስንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ክሮና (ኮቪድ 19) ክካየድ ኣይተኻእለን።