ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣበጊሱ

 ኣብ 24 ሰነ 2020፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ናይ ሓባር መግለጺ ምውጸኦም ዝዝክር እዩ። ንዕኡ ንምትግባር ከኣ ኣብ ብዙሕ ኣገዳሲ መዳያት፣ ከም ዲፕሎማሲ፣ ሚዲያን ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ዝኣምሰሉ ስርሖም ጀሚሮም ይርክቡ።