ኢጣልያ፡ ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምልጥ ዝፈተነ ኤርትራዊ ብሓደጋ መኪና ህይወቱ ሓሊፉ

ሚኔዎ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሲሲሊ ዝርከቡ መዕቆቢ ስደተኛታት 8 ሓምለ 2019 ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ፡ ካብ ማእከል መዕቆቢ ሓተትቲ ዑቐባ ክሃድም ዝፈተነ ኤርትራዊ መንእሰይ ብመኪና ተሃሪሙ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ኢንፎ ማይግራንትስ ጸብጺቡ።