ህሉው ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓይኒ ተንተንቲ

ደስታ ምስ ዓብዱራሕማን ሰይድ ቦሓሽም ቅድሚ ክልተ ዓመት፡8 ሓምለ 2018፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ታሪኻዊ ዝኾነ ምብጻሕ ናብ ኣስመራ ኤርትራ ኣካይዱ። ንጽባሒቱ 9 ሓምለ ድማ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈሪሙ፤ እቲ ንዒስራ ዓመት ዝዘለቐ ኩነታት ኣይ ኲናት ኣይሰላም ከም ዘብቅዐ’ውን ተገሊጹ። ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ምዕባለታት እንታይ ይመስል?