ምፍራስ ኤርትራውያን ስድራ ቤታት ምልክት ምፍራስ ልኡላውነት ሃገር

ሃገር ማለት ሰብ’ዩ። ኣብ ክሊ ሓደ ፍሉጥ ካርታ ዝርከብ ጎቦታት፣ ሩባታት፣ ጎላጉል፣ እምባታት፣ ቃላያት ( ባሕሪ) ማለት ኣይኮነን። ሃገር ማለት ኣብ ውሽጢ’ቲ ፍሉጥ ካርታ ዝተሓቑፈ ጸጋታት ማለት ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ጸጋታት ብዘይ ህላዌ ፍልጠትን ጉልበትን ወዲ-ሰብ ትርጉም ዘለዎ ነገር ኣይኮነን።