“ሕማቕ ጓሳ ብበትሩ ህይረም”

ናትና ናይ ኤርትራውያን ኣተሃላልዋ ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። ተባዕ ኔርካ ፈራሕ፡ ኣረጊት መግዛእቲ ኣባሪርካ ኣብ ሓድሽ መግዛኢ ምርዓም። ምስ ሓይልኻ እንከለኻ ድኹም። ምስ ትሕዝቶኻ ተመጽዋቲ። ኩሉ ነገርና ካብ ንቡር ዝወጽአ ኮይኑ።