መራሕትን ተኸተልቲን ዝተፈላለያ እምነታት ኤርትራ ዝተረኸቡሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ለንደን ተኻዪዱ ኣዋሃሃዲ ናይቲ መደብ ዶክተር ፍስሃየ ወልደሱስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝጻሓፍዎ ደብዳበ ደገፎም ንምግላጽ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝወደብዎ ተዛሪቡ።