ናይ ዮሃና መልእኽቲ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣል ኣድሓ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣል ኣልኣድሓ ኣል ሙባረክ፣ ንኹሎም ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድማ ንሓይልታታ ዲሞክራስያዊ ለውጥን፣

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ከምኡ’ውን ንኣመንቲ እስልምና ኣብ ዓለም እንቛዕ ናብ ዒድ ብሰላም ኣብጻሕኩም ብምባል፣ ርሑስ ዒድ ክገብሮ ምንዮቱ ብምግላጽ፣ ንህዝብና ካብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተገላጊሉ፣ ኣብ መላእ ሃገርና ናይ ሓርነትን ሰላምን ርግኣታትን ሰንደቕ ዕላማ ዘንበልብለሉ እዋን ክኾናልና ንልዑል ፈጣሪ ይልምን።

 

ርሑስ ዒድ ኣል ኣድሓ ይግበረልና !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

11 ነሓሰ

 2019