ናይ ወረቐት ዜግነትን ነዋታዊ ሃብትን ተደሚሩ፡ ሚዛኑ ክንዲ ሃገራዊ መንነታዊ ክብሪ ኣይመጽእን።

ሚዛን ዓለማዊ ሓባራዊ ናብራ ኣብ ህንካን ሃባን’ዩ ዝምርኮስ። ናትካ ሒዝካ ናብ ካልእ ክትገሽ፡ ካብ ካልእ ዝመጽኡኻ ኣጋይሽ ድማ ብግቡእ ከተተኣናግድ ትኽእለሉ ጥጡሕ ባይታ ምስ ዝህልወካዩ ኣነን እከለን ማዕረ ኢና ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ብድፍረት ክትዛረብ ትኽእል።

መሻርኽትኻ’ውን ብርትዓዊ ሓባራዊ መንፈስ
ክሪአካን ክቐርበካን ዝኽእል። ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ሃገርካ ብግቡእ ምምሕዳር ምስ ሓርበተካ፡ ናትካ
ገዲፍካ ናብ’ቶም ህዝቦምን ሃገሮም ብግቡእ ዝመርሑ ዘመሓድሩ ወገናት ገጽካ ምጥማት፡ መጽዋትን
ተመጽዋትን ‘ምበር ብሕግን ብሕልናን ማዕርነታዊ ሚዛን ኣየመልክትን፡፡
ኣብ ሰናይ ምሕረቶም፡ ካብ ጸጋታቶምን ልግሶምን ብትረኽቦ ገንዘባውን ነዋታውን ህያባት ካብ ግዝያዊ
መሰጋገሪ ድልድል ምዃኑ ዝሓልፍ ዘተኣማምን ውሕስነት የብሉን። ነዚ ተረዲእካ ብንቕሓት ብውሳነ ናብ
መሰረታዊ መንነትካ ኣቓልቦ ዘይምግባር ባዕልኻ ንባዕልኻ ሰብኣዊ ክብርኻ ክዋረድ ምፍራድ’ዩ፡፡ ነቲ ናትካ
ብካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ሰሪዕካ፡ ካብ ካልኦት ብልግሲ ንትረኽቦ ረብሓ ቀዳምነት ብምሃብ ከም ውሕስነት ቀጻሊ
ህይወትካ ምውሳድ መንነት ዘይብሉ ሰብ ካብ ምዃን ወጻኢ ካልእ መግለጺ የብሉን። ኣብ ቀንዲ መግለጺ
መንነትካ ዝኾነ ክብርታትን ባህርያዊ ጸጋታትን ተስፋ ምቑራጽ፡ ኣብ ዘይናትካ ከኣ ተስፋ ምግባር፡ መሰረታዊ
ናይ ኣተሓሳስባ ጌጋ’ዩ። ዘኽፍሎ ዕዳ ድማ ብኡ መጠን ከቢድ’ዩ።
ብኽብሪ ተዓዲምካ ዘይኮነ፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ክሳብ እንተሓለፍኩ ጽቡቕ እንተተረፍኩ ዝዕድለይ ብናይ
ሞትን ሕየትን ውሳኔ፡ ብዙሕ ገንዘብ ንደላሎ ከፊልካ ተመለስ እናተበሃልካ ማዕጾ ደፊእካ ትኣትዎ ሃገር ፈጺሙ
ሃገርካ ክኸውን ኣይኽእልን። ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብፖሊሲ ተኲስካ ቅተል እናተቐዝፉ፡ ኣብ ምድረ በዳ
ሰሃራ እናረገፉ፡ ኣብ ባሕርን ውቅያኖሳትን ብኣሰቃቒ ኩነታት እናሃለቑ፡ ኣውዲቕካ ሕለፍ ብዝመስል ንስክላ
ብህይወት ተሪፍካ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዘለዎ ሃገር ምስ በጻሕካ ዝመጻእካሉ ምርሳዕ ከኣ ክብሪ ሰብኣውነት
ምዝንጋዕ’ዩ። ከምኡ’ውን ንዘይናትካ ከም ናትካ ቆጺርካ ኣጉል ኩርዓት ምንጽባቕ ናይ ውድቀት ውድቀት’ዩ።
ሰባት ካብ እንስሳ ዝፈልዮም ሕማቕን ጽቡቕ ዝመምይሉ፡ ታሪኽ ዝሰርሕሉን ዝዕቅብሉን ሕልናን ሰብኣውን
ፖለቲካውን መንነት ስለ ዘለዎም’ዩ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ዝፍለይሉ ናይ ብሄርን ቋንቋን
መንነት ኣለዎም። ናይ ሃይማኖት መንነት ኣለዎም። ናይ ባህሊ መንነት ኣለዎም። ናይ ታሪኽ መንነት
ኣለዎም። ናይ ሞያ መንነት ኣለዎም። ናይ ሃገርነት መንነት ድማ ኣለዎም። እዚ ናይ መንነት ረቛሒታት’ዚ
ነናቱ ክብሪ ኣለዎ። እዚ መንነታዊ ክብርታት’ዚ ብምሉእ ምስ ዝኽበር፡ ናይ’ቲ ሰብ ምሉእ ሰብኣዊ ክብሪ
ተሓልዩ ኣሎ ትብል። ካብ’ዚ ገለ ምስ ዝጎድሎ ከኣ ምሉእ ኣይኮነን ገለ ጎዲልዎ ኣሎ ትብል።
ብሄራዊ ( ቋንቋዊ) መንነት ብምርጫ ወይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ትለብሶ መንነት ኣይኮነን። ካብ ምርጫን ሰብ
ዝሰርሖን ወጻኢ ብተፈጥሮ ትረኽቦ ናይ መንነት ጸጋ’ዩ። ነዚ ምጽላእ፡ ዘይምኽባር ነብስኻ ምጽላእ ሰብኣዊ
ክብርኻ ናብ ዕዳጋ ምውራድ’ዩ። ሃይማኖት ናይ ነፍስ ወከፍ ሰብ ምርጫ ስዒቡ ዝመጽእ መንነት’ዩ። ይኹን
ግን ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓትን ተኸቲልካ ዘይምኻድ፡ ሓደ ክትጎናጸፎ ዘለካ ረዚን ነገር ምስኣን ካብ
ዝበዝሕ ሕብረተ-ሰብ ምንጻል ዘኽትል መንገዲ ዕብዳን’ዩ። ታሪኽካ ዘይምፍላጥ ነቲ ኣወንታዊ ሸነኹ
ዘይምዕቃብ፡ ባህልኻ ብግቡእ ዘይምኽባር፡ ካብ ምልኣተ መንነት ዘውህብ ሚዛን ብገዛእ ርእስካ ምውራድን
ምሕሳርን’ዩ። ንመበቆል ሃገርካ ምስ ናይ ወረቐት ዜግነት ምውድዳር ወይ ካብኡ ኣትሒትካ ምርኣይ ድማ
እቲ ዝኸፍአ ጫፍ ናይ መንነትካ ምጥፋእ’ዩ።

2
ስለምንታይ? ይሕመቕ ይጸብቕ፡ ይድሓር ይማዕብል፡ ይሃብትም ይድከ ናትካዩ ናትካ። ዘይናትካ
ኣይናትካን። መሰረትካ ኣጣጢሕካ ናብ ካልእ ክትገይሽ እንከለኻ ክብሪ ኣለካ። ሰብኣውን ፖለቲካውን
ክብሪ። ብሄራዊ ( ቋንቋዊ) ፣ ታሪኻዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ፣ ሃገራዊ መንነትካ ኣዋዲቕኻ፡ ኣብ ናይ ወረቐት
ዜግነት ተኣማሚንካ ኣስተርሂኻ ክትነብር ምሕሳብ ምስ ዝህሉ ግን፡ ካብ ሳዕሪ ብላዕ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝፍለ
ኣይኮነን።
ምኽንያቱ ዋላ ንስኻ ኣብ ሃገርካ ዝሰኣንካዮ፡ ኣብ ሃገር ስደት ድማ ብዝረኸብካዮ ተዛምዳዊ ሰላምን ብዓይነቱ
ዝተፈልየ ነገራዊ ረብሓን ብምውድዳር፡ ኣፍሪቃ እንታይ ገይራትለይ፡ መበቆል ሃገረይ ገይረላ ‘ምበር እንታይ
ሂባትኒ፡ ኣብ’ዚ ጽቡቕ ናይ መነባብሮ ለውጢ ረኺበ ስለ ዘለኹ እዚ’ዩ ሃገረይ ኣብ ዝብል መደምደምታ
እንተበጻሕካ እታ ዘይናትካ ናትካ ክትከውን ኣይትኽእልን። ንስኻ ማዕጾ ኳሕኲሕካ ኣሕድሩኒ ኣንብሩኒ
ኢልካ ብሰብኣውነት ተደንጊጹልካ ዝኣተኻ ‘ምበር፡ ይብጸሓኒ ይምልከተኒ’ዩ ኢልካ ውርሻ ወለዲ ክትማቕ
ዝኸድካ ኣይኮንካን። ወሰንቲ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑኻ ሰብ መሬት ሰብ ቤት ‘ምበር ንስኻ ኣይኮንካን። ካብ
መዓልታት ሓደ መዓልቲ እዚ ውርሻ ኣቦታትናን ኣቦ ሓጎታትናን’ዩ ናትና ‘ምበር ናትካ ኣይኮነን፡ በታ
ዝመጻእካላ ተመለስ ውጽኣልና ከም ዝብሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምኻድ ከም ዘድሊ ክዝንጋዕ የብሉን።
እቲ ዝሃብናካ ናይ ዘይግነት ወረቐት ስሒብናዮ ኣለና። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ’ዚ ኣብ ሃገርና ክትነብር ምርጫ
ስለ ዘይኮነ፡ ናብ ሃገርካ ኪደልና ኣይተጻብበልና ከም ዝመጽእ፡ ርዱእ ብምግባር ብምሉእ ዓቕምኻ ናብ’ቲ
ዝሓመደ ዝተዘርገ ግን ከኣ መግለጺ መሰረታዊ መንነትካ ዝኾነ፡ ታሪኽ፣ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፡ ነዚ ኩሉ
ሓቚፉ ዝሓዘ ሃገር ጠመተ ምግባር፡ ናይ ብሱል ልቦና ግዴታ ‘ምበር ምርጫ ኣይኮነን። ስለምንታይ ቀጻልነት
ውሕስነት ህይወትካ ኣብ’ቲ ብተፈጥሮ፡ ብሕግን ብፖለቲካን ትፍለጠሉን ዝወነንካዮ ናትካ ‘ምበር፡ ትኳቦ
እንዳማትካ ኣይኮነን።
ዓለም ናይ ዓሌት፣ ሃብቲ፣ ስልጣነ፣ ፍትሒ ኣድልዎ ከም ዘወገደት፡ ብዓይኒ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣውን
ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ሓደን ተመሳሳልን ሚዛን ትመጽእ ከም ዘላ፡ ኣብ መላእ ዓለም ከም ፍልጠትካን
ትሕዝቶኻን ብነጻነት ክትዋሳእን ብዘይ ዝኾነ ስኽፍታ ክትነብር ከም እትኽእልን ስብከት ካብ ዝጅመር ነዊሕ
ዓመታት ተቖጺሩ ኣሎ። ብፍላይ በቶም መዘውር ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ወተሃደራዊ፣ ዜናዊ፣ ባህላዊ ዓለማዊ
ዓብላልነት ዘረጋገጹ፡ ንገዛእ ርእሶም ቀዳማይ ዓለም ዝሰመዩ ሃገራትን መንግስታትን ብዛዕባ ማዕርነትን
ነጻነትን ደቂ-ሰባት ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ጥዑም ነገራት ክበሃል’ዩ ዝስማዕ።
እቲ ወዲ-ሰብ ኣብ ዝኸደ ከይዱ ሰብኣዊ መሰሉ ክኽበር ኣለዎ ተባሂሉ ብወግዒ ዝተኣወጀን ኣብ ሰነዳት ሰፊሩ
ዝምደረሉ ጥዑም ሓሳባትን፡ ልባዊ እምነት’ዩ ኢልካ ክትቅበል ግን መረጋገጺ የለን። ሃገራት ብሕጊ
ዝተረጋገጸ፡ ኣብ ካርታ ዝተሳእለ ልኡላዊ መንነት ኣለወን። ኣብ’ተን ሃገራት ዝርከብ ጸጋታት ከኣ ናይ’ቶም
ዘቖምወን ህዝብታት’ዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባት ኣድልዎ ክግበር የብሉን። ብፍልጠቶምን
ትሕዝቶምን ኣብ ዝኾነ ክፍለ ዓለምን ሃገርን ከይዶም፡ ሰሪሖም ህይወቶም ክመርሑ ምሉእ መሰል ኣለዎም
ዝብል ርእይቶ ብመትከል ቅኑዕን ቅቡልን ኮይኑ፡ ረብሓ ናይ’ቶም ደቂ ሃገር ክሳብ ዘይተቓጸጽካን ዘየጉደልካን
ምዃኑ ኣቐዲምካ ምርዳእ ግን ኣገዳሲ’ዩ። ብጋህዲ ንሰምዖን ንሪኦን ዘለናን ከኣ ጭቡጥ መረጋገጺ’ዩ።
ብግምት ናይ ሎሚ 10 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም
ነይሮም። በቲ መጥቃዕቲ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣካሎም ጎዲሎም። ህይወቶም ድማ ስኢኖም። ብዙሕ
ንብረት’ውን ዓኒዩ። ኣብ እዋኑ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ዝነበሩ ሚስተር ቶኒ ብሌር ነቲ መጥቃዕትን
ብሳዕቤኑ ዝበጽሐ ሞትን ዕንወትን ኣመልኪቶም ኣብ መድረኽ ወጺኦም ብወግዒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሃገረ
እንግሊዝ፡ እንግሊዛዊ መበቆል ናይ ዘለዎም ዜጋታት ሃገር’ያ። እቶም ናይ ወረቕት ዜይግነት ዘለዎም ሰባት
እንተደኣ ሕግና ኣኽቢሮም ተመሳሲሎም ዘይነብሩ ኮይኖም፡ ኩሎም ካብ ሃገርና ክወጽኡልና ኣለዎም ኢሎም

3
ኢሎም ምንባሮም ይዝከር። እነሆ ድማ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ን4
ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝኾና ጸለምቲ ደቂ-ኣንስትዮ ምንም ከይተሰከፉ፡ ሓላፍነት ከይተሰመዖም፡ ብዘርኣውነት
ሃገርና ለቒቕክን ኪዳ ብማለት ኣብ መንጎ ጸዓዱን ጸለምትን ዘሎ ፍልልይ ብግልጺ ኣንጸባሪቆም።
ፕረዚደንት ዓባይ ሃገረ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ዘርኣዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ትዊተር
ብዝተባህለ መራኸቢ ብዙሓን ዘርጊሐሞ ኣለው። ኣብ’ቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ድመ ነተን ራሺዳ ቲላብ፡
ኣያና ፕረስሊ፡ ኢልሃን ዑመር፡ ኣሌክሳንዲያ ኦክስዝዮ-ኮርቴዝ ዝተባህላ 4 ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ብስራሕ
ምኽንያት ሓሳበን ስለ ዝሃባ ጥራሕ ኣይትዓንቅፋና ነናብ ዝተዘርገ ሃገራትክን ክትከዳ ትኽእላ ኢኻን ክብሉ
ካብኦም ትጽቢት ዘይግበር ናይ ብደዐን ምንእኣስን ቃል ኣስሚዖም። እዚ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ’ተን ኣርባዕተ
ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝኾና 4 ደቂ-ኣንስትዮ ዝተወርወረ ሓሳብ “ ካብ እግሪ ኣፍ ይዕንቀፍ” ኢልካ ትቕበሎ
ሙላቕ ኣይኮነን። ኣብ’ተን 4 ሰባት ጥራሕ ዘነጻጸረ’ውን ኣይኮነን። ንሚሊዮናት ህዝብታትን ሃገራቶም
ዝትንክፍ ሓላፍነት ዝጎደሎ መልእኽቲ’ዩ። ብርግጽ ድሕሪ ዓሌታዊ መልእኽቲ ናይ ትራምፕ ብፍላይ ኣብ
ሰልፊ ደሞክራሲ ኣመሪካ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ክሳብ ባይቶ ተኣኪቡ ተዘራሪብሉስ፡ 240 ኣባላት ባይቶ ነቲ
ዓሌታዊ ጸርፊ ክኹንንዎ እንከለው 187 ከኣ ከም ዝደገፍዎ ብማዕከናት ዜና ክቃላሕ ቀኒዩ ኣሎ። ኮይኑ ግን
ዘመኑ ሓሳብን ተግባርን ምጥዕዓም ዝተሳእነሉ፡ “ ዒሉ መቐመጫኻ ሓሉ” ይኸውን ከም ዘሎ ምርዳእ ግን
ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ’
እዘን "ዘ ስኳድ" ብዝብል ስም ዝጽወዓ 4 ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ እተን ሰለስተ ብትውልድን ብሕግን
ኣመሪካውያን’የን። እታ ሓንቲ ኢልሃን ዑመር ከኣ ብሕጊ ኣመሪካዊት’ያ። ትራምፕ ግን ብሕብሪ ቆረበተን፣
ብመበቆለን ብጾታአን ከም ዝጎጥየሞን። ደፊረሞን። ሃገርና ግደፋልና ናብ ሃገርክን ኪዳልና ኢለሞን
ስለምንታይ ዝብል መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ይርከቡ።
ብምርጫ ብህዝቢ ዝተወከላ ኣባላት ባይቶ ከምዚ እንተተባሂለን፡ እቲ ብዙሕ ዝዝረበሉ ሰብኣውን
ደሞክራስያውን መሰላት ብኣፍ ‘ምበር ብእምነት ከምዘይኮነ የረደኣና። ንሕና ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ
ብሰንኪ ጠላም ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ ገዛና ዓጽና ናብ ስደት ንውሕዘሉ፡ ግዳያት ስደትን ንኾነሉ
ዘለና ኣዝዩ ሕሱም ወቕቲ ንርከብ ኣለና። ነተን ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ሃገርና ክደፋልና ናብ’ቲ ዝፈራረሰ
ሃገርክን ኪዳልና ክብል ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ መዓስን ኣበይን ብመንን እንተዘይኮይኑ ሓደ መዓልቲ
ንዓና’ውን ክበሃለና ምዃኑ ፈሊጥና ጠንቂ ኣልጊስና ዝተዘርገ ፖለቲካ ሃገርና ናብ ንቡር መሊስና ኣብ መሬትና
ብመንነትና ከቢርና ንነብረሉ ባይታ ንምፍጣር ብሓላፍነታዊ ስምዒት ብንቕሓት ክንረባረብ ኣለናን
ይግባእን።
ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ብሃገርና ብመንነትና ክንግደስን ክንሕበንን ኣለና። ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ሰብ ናይ ሰብ ምዃኑ
ፈሊጥና ንሃገራዊ ፖለቲካዊ ጉዳይና ምሉእ ኣቓልቦ ንሃብ። ሓሳብ ምስ ተግባር ወዲና ተወሃሂድናን
ተኸባቢርናን ኣንጻር ዘቤታዊ ምልኪ ንቃለስ። ዓለም ናትካ ሒዝካ፡ ኢድካ ሓዊስካ ጥዕምቲ፡ ናትካ ኣጥፊእካ
ጽግዕተኛ እንተኾይንካ ግን ሕስምቲ ምኳና ካብ’ዚ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ንመሃር።
ክንስደድ ገጽ ሰብ ክንርኢ ክንዋረድ ንዝገበረና ጉጅለ ህግደፍ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ጸላኢና ምዃኑ መርገጽ
ወሲድና ንምእላዩ ብምሉእ ዓቕምና ንረባረብ። ሓቀኛ ታሪኻዊ፣ ብሄራዊ፣ ባህላዊ መንነትና ምስ ኤርትራዊ
ሃገራዊ መንነትና ዝተኣሳሰረ’ዩ። ስለዚ ኣብ ሃገረ ስደት ብዝረኸብናዮ ግዝያዊ ሰላምን ነዋታዊ ሃብትን
ከይተዘናጋዕና ወይ ከይተታለልና ኩሉ ጠመተና ናብ ሃገርና። ምኽንያቱ ናይ ዜግነት ወረቐትን ነዋታዊ
ሃብትን ተደሚሩ፡ ሚዛኑ ክንዲ ሃገራዊ መንነታዊ ክብሪ ኣይመጽእን።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 17-07-2019

4