ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሸገረኣብ ‘ንሕማማት ተቓሊዕና’ ይብሉ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሸገረኣብ

ኣብ ምብራቕ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገረኣብ ተዓቝቦም ዘለው ኣስታት 5 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ብስግኣት ጸጥታ፡ ሕጽረት መግብን ማይን፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ይሳቐዩ ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።