ቃለ መጠይቕ ኣቶ ሓምድ ሕምድ ምስ ጋዜጣ ጽጌናይ 4ይ ዓመት ቁ 37 ሰኑይ 6 ነሓሰ 2001 ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ

ዝኽበርኩም ኣንበብቲ፡ እዚ ቃለ መጠይቕ፡ ብሳምሶም ሰለሙን ተጠርኒፉ፡ “ርስቲ ጉጅለ 15” ፍራንክፈርት2019 ካብ ዝብል መጽሓፍ ዝረኸብናዮ ኮይኑ፡ ርዝነት ፖለቲካዊ መልእኽቱ ብፍላይ ንመንእሰያትና ሓጋዚ’ዩካብ ዝብል ኩርናዕ ብምብጋስ ከም ዘለዎ ካብ’ቲ መጽሓፍ ዝገልበጥናዮ ምዃኑ ኣቐዲምና ንሕብር። ሓው

ሳምሶም ሰለሙን ድማ ከም ደራሲ ከይተወከስና ብምጽሓፍና ብቃልሲ ሸነኹ ክትርደአልና ንሕብር።ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ህግደፍን ሃገራዊ ባይቶን ኣቶ ሓምድ ሕምድ ብዛዕባ’ቲ ንሱ ዝርከቦም 15 ኣባላትማእከላይ ባይቶ ህግደፍ ዘቕረብዎ ቅሉዕ ደብዳቤ ምስ ጋዜጣታት ኣሻርቕ ኣልኣውስጥን ጽጌናይን ስፍሕዝበለ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ነይሩ።
ንሱ ዳሪክተር ፖለቲካዊ ጉዳያት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ጠረጴዛ
ማእከላይ ምብራቕ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት
መንግስቲ ኤርትራ ሰሪሑ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ቃለ-መጠይቕ እነሆ።
ሕቶ፡-ኣቶ ሕማድ ሕምድ ንስኻ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ህግደፍን ሓደ ካብ’ቶም ፖለቲካውን ቅዋማውን ጽገና
ክግበር ዝጠለቡን ኢኻ። ቀንዲ ጠልብኩም እንታይ’ዩ?
ኣቶ ሓምድ፡ ትሕዝቶ’ቲ ቅሉዕ ደብዳቤ፡ ሃገርና ንትሓልፎ ዘላ ኣሰቃቕን መሪርን ኩነታት ዝገልጽ ኮይኑ፡
ብሓፈሻ ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቓይን የጠቓልል።
እቲ ቅሉዕ ደብዳቤ ብተወሳኺ ተስፋ ዘቑርጽ ኣመራርሓ ህግደፍ የንጸባርቕ። ብርክት ዝበሉ መራሕቲ
መንግስትን ግንባርን ዝፈረምሉ ድማ’ዩ። እቶም ነዚ ቅሉዕ ደብዳቤ ዝፈረሙ ንኹሉ’ቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት
ዝተራእየ ጉድለታት ማዕረ’ቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ተሓተቲ’ዮም።
እቲ ዘቕረብናዮ ቅሉዕ ደብዳቤ ቃል ብቓሉ ፖለቲካውን ቅዋማውን ጽገና ክግበር ኣይጠልብን’ዩ። ምኽንያቱ
ቅዋም ብግብሪ ይሰርሕ የሎን። ስለዚ እቲ ዝሕተት ዘሎ ቅዋም ተተግቢሩ ስርዓተ ሕጊ ክነግስ’ዩ። ከምኡ’ውን
ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ናብ’ዚ ቅዋማዊ መድረኽ ንምስግጋር ዝግበር መስርሕ ሕጋውን ዕላማውን
ክኸውን ዘድሊ ምቅርራብ ክገብሩ’ዩ ዝጠልብ ዘሎ። ብዘይካ’ዚ ህ.ግ. ኣብ’ቲ ዝካየድ ምርጫ ንኽወዳደር
ምድላዋት ከካይድ እቲ ቅሉዕ ደብዳቤ ይጽውዕ።
እዚ ዝተጠቕሰ ጉዳያት ግን፡ ሕጂ ዝለዓል ዘሎ ዘይኮነ፡ ክትግበር ከም ዘለዎ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ሓጋጊ
ኣካል መንግስትን ግንባርን ውሳኔታት ዝሓለፈሉ’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ዝቐረበ ቅሉዕ ደብዳቤ ነቶም ዝሓለፉ
ውሳኔታት ተፈጻምቲ ንምግባር ግብራዊ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ ዝጠልብ። ብተወሳኺ ዝሓለፈ ተመክሮና
ብምግምጋም ንዝተራእዩ ጉድለታት ይጠቅስ። ኣብ ርእሲኡ ብሰንኪ’ዚ ጉድለታት ዘጋጠመኡ ኣሉታዊ
ሳዕቤናት ብምርኣይ ንመጻኢ ብኸመይ ከም እንጓዓዝ ይእምት።
ኩሉ’ዚ ዝተጠቕሰ ርእይቶን ካልኦትን ብዘስምዕ ዘተ ከም ዝትግበር ኢና ንኣምን። እዚ ተፈጻሚ ዝኸውን ከኣ
ህ.ግ. ምስ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብዝሳነ መልክዕ ብቕዓቱ ንምሕያል ኣሰራርሓኡ ከመሓይሽ ኣለዎ። ብህላወ
ርእይቶ ካልኦት’ውን ክንኣምን ይግባእ። ሽዑ ድማ’ዩ ፖለቲካውን ስነ-ሓሳባውን ፕሮግራም ከምኡ’ውን
ኣሰራርሓ ህግደፍ ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ነጻ ውድድር ምህላው ዝረጋገጽ።
ሕቶ፡- እሞ ጠለባትኩም ብየናይ ኣገባብ ኢኹም ከትግብርዎ?

2
ኣቶ ሓምድ፡- ንኣተገባብራኡ ብዝምልከት ቅድሚ ምዝራበይ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ልኡላዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ
ምዃኑ ህ.ግ. ብመንገዲ ሃገራዊ ቻርተር ከምዘረጋገጸ ክጠቅስ እደሊ። እንተኾነ ቅዋምን ልዕልነት ሕግን ኣብ
ዘይሃለወሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መሰል’ዚ ክጥቀመሉ ከምዘይክእል ርዱእ’ዩ።
ንድሕሪት ተመሊስና ህ.ግ. ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ርኢቶ ካልኦት ኣብ ምጽዋርን ፍልልያት ኣብ
ምፍታሕን ዝነበሮ ተሞክሮ እንተርኢና፡ ብመንጽር’ዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ተስፋ ዝህብ ኣይኮነን።እዚ
ሕጂ ንህ.ግ. ገጢምዎ ዘሎ ብደሆ ካብ’ቲ ናይ ቀደም ወድዓውን ርእሰ ነገራውን ፍሉይነት ስለ ዘለዎ ብዘተ
ምፍትሑ እቲ ዝሓሸ ኣመራጺ’ዩ።
ሕቶ፡ እዋናውነት ናይ’ቲ ዝተላዕለ ሕቶ ኸ? ብፍላይ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን መዕለቢ ከይረኸበ፡
ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ህዝቢ ኣብ ሕማቕ እንከሎ እዚ ሕቶ ምልዓሉ ከመይ ትሪኦ?
ኣቶ ሓምድ፡- ብዛዕባ ብቕዓት ህዝቢ ኣብ ምምካት ናይ’ቲ ኣብ ዳግመ ህንጻ ዘጋጠሞ ብደሆ እንተደኣ ኮይኑ፡
ካብ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ወጻኢ፡ ተኣምር ዝሰርሕ ህዝቢ በፍጹም የለን። ከም ጸቕጢ ጽልእን ህጹጽ
ኩነታት ከኣ ብዙሓት ኣህዛብ ንኽደሃሉን ክሰዓሩን ምኽንያት ኮይኑ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ ኣህዛብ
ዝተራእዩ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣብ ትሕቲ ዝተማለአ ነጻነት’ዮም ተተግቢሮም።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ክከላኸልን ክዕወትን ዝኽእል፡ ድሌቱ ዘንጸባርቕ ሕጊ ብመንገዲ ቅዋም ምስ
ዝትግብር’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ጥዕና ዘለዎ ሃዋህው ምስ ዝፍጠር ድማ’ዩ ቁጠባውን ማሕበራውን
ጸገማቱ ክፈትሕ ዝኽእል። ነዚ ቅዋማዊ መሰል ንምግሃስ ዝቐርብ ዝተፈላለየ ምስምስ ከኣ ፈሻሊ ኮይኑ፡ ህዝቢ
ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ሃገሩ ንኸይሳተፍ ብሓሞኽሽቲ ጌርካ ዓይኑ ከም ምድፋን’ዩ ዝቑጸር። ብኡ ኣቢልካ
ድማ፡ ውሑዳት ሰባት ብዓቕሚ ህዝብን ሃገርን ንኽጻወቱ ዕድል ምኽንፋት’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ኲነት እቲ ሳዕቤን
እንታይ ከም ዝኸውን ንምግማቱ ኣየሸግርን።
ሕቶ፡- እዚ ዘይምርድዳእ ኣብ’ዚ ንኽበጽሕ ምኽንያት ዝኾነ እንታይ’ዩ? ብመንገዲ ትካላት ውድብን
መንግስትን ክፍታሕ’ዶ ኣይምተኻእለን? ሕጂ’ኸ ንምፍትሑ ተኽእሎ ኣሎ’ዶ?
ኣቶ ሓምድ፡- ፖለቲካውን ስነ-ሓሳባውን ፕሮግራም ህ.ግ. መሰል ህዝቢ ኤርትራ ኣህጉራውን ዞባውን
ብደሆታት ኣብ ዝገጠመሉ እዋን ቃልሲ’ዩ ተሓጊጉ። ማሕበራውን ውድባውን ኣቃውማ ኤርትራ’ውን ናይ’ቲ
ግዜ’ቲ ተወሳኺ ብደሆ’ዩ ነይሩ። ምስ’ዚ ኩሉ ሕልኽላኻትን ግን ህ.ግ. መሪሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ
ኣረጋጊጹ። በዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ዘይሕከኽ ተዘክሮ’ዩ ገዲፉ።
እንተኾነ እዚ ዓወታት ፍረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ብፍሉይ ዝምልከቶ ወገን የለን። ይኹን ‘ምበር
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንኽዕወት እቲ ዓብላሊ ተራ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ምንባሩ ዘመትእ
ኣይኮነን። እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ህ.ግ. ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ኣብ ምትግባር ብዘርኣዮ
ተኣማንነትን ብቕዓትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዘማዕበሎ ባህሊ ሓቢርካ ምስራሕ’ውን እዩ። ህ.ግ. ኣብ ቃልሲ
ብዝነበሮ ዓብላሊ ተራ ድማ’ዩ ድሕሪ ነጻነት ንስልጣን እዛ ሃገር ክቆጻጸር ክኢሉ። እንተኾነ ኣብ’ዚ እዋን
ንዝሓንጸጾም ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ንምትግባር ዘርእዮ ተኣማንነትን ብቕዓትን ትሑት’ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ
መደባትን ኣሰራርሓን ህ.ግ. ዘይተኣማንነት ተጋሂዱ። ዝተረኽቡ ዓወታት ኣይተዓቀቡን። ከምኡ’ውን ኣብ
ኣካይዳ እቲ ግንባር ዝነበረ ፍሉይ ተውህቦ እናጎደለ መጺኡ።
መንግስቲ ናይ’ቲ ውድብ ነጸብራቕ’ዩ። ኩነታት መንግስቲ ምስ እትዕዘብ ከኣ፡ እቲ ግንባር ፖለቲካውን ስነ-
ሓሳባውን ፍልሰት ኣጋጢምዎ ምህላው ኢና ንርዳእ። ብተወሳኺ እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ካብ
ነዊሕ እዋን ነዚ ግንባር ኣጋጢምዎ ዘሎ ፖለቲካውን ስነ-ሓሳባውን ድስካለ ዘንጸባርቕ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ኣድማሳዊ
ኣረኣእያ ብዙሓት ኣባላት መሪሕነት እዚ ግንባር ብምጽባቡ ካብ ውሽጢ ትካላት እቲ ውድብ ንዝለዓሉ ገለ
ሓሳባት ከይተረፈ፡ ክሳብ ከም ናይ ጸላኢ ርእይቶ ጌርካ ምቕራብ ተበጺሑ።

3
ካብ’ዚ ብምብጋስ ገለ ኣባላት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይ’ቲ ግንባር፡ ንሓገግቲ ትካል ከይተወከሱ ብዛዕባ
ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገር ብዝምልከት ንህዝብን ኣባላት ግንባርን ባዕላዊ ገምጋም ክህቡ ተራእዮም። ነቲ
ብገለ ኣባላት መሪሕነት ዝቐረበ ሃናጺ ርኢቶ ድማ ከም ሃገራዊ ክድዓት ብምቕራብ ንኣባላት ግንባርን ህዝብን
ከእምኑ ፈቲኖም። ዕላማኡ ከኣ ኣትኩሮ ኣባላት ግንባርን ህዝብን ንምልዋጥ’ዩ።
ኣብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን መሰረታዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣካይዳ ብዘይምህላው፡ ነቲ ድሕሪ ነጻነት
ዝተራእየ ጉድለታት ኣሰራርሓ ቀንዲ ምኽንያት’ዩ። ሓደ ካብ’ቲ ጉድለታት ርኢቶ ካልኦት ዘይምስማዕን ኮነ
ኢልካ ትካላት ግንባርን መንግስትን ዘይምምዕባልን’ዩ። ከምኡ’ውን ተራ ናይ’ተን ብቐንዱ ድኹማት ዝኾና
ሓገግቲ ኣካላት ከም ዝብእስ ምግባር’ዩ። ብተወሳኺ ማእከላይ ባይቶ ግንባርን ሃገራዊ ባይቶን ኣብ’ዚ
ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣበርክቶ ከይገብራ ብፍላጥ ከም ዝዳኸማ ተገይሩ። ስለዚ እቲ ተስፋ ኣብ’ዚ እዋን
ድኹም’ዩ።
ሕቶ፡- ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባርን ሃገራዊ ባይቶን ዘሎ ሓፈሻዊ መርገጺ፡ ከመይ ይመስል? ነዚ ዘይምርድዳእ
ንምፍታሕ’ከ ዝግበር ጻዕሪ ኣሎ’ዶ?
ኣቶ ሓምድ፡- ብዛዕባ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ ውሽጢ’ቲ ግንባርን ሃገራዊ ባይቶን ዘሎ ኣረኣእያ
እንተደኣ ኮይኑ፡ ገለ ሰባት ኤርትራ ህያብ ሻዕቢያ፡ ሻዕቢያ ከኣ ህያብ ውልቀ ሰባት ገይሮም ዝርድእዎ
ኣይተሳእኑን። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ድማ ህ.ግ. ንህዝቢ ኤርትራ ብሞግዚትነት ዘመሓድረሉ ኩነታት ተፈጢሩ።
ገለ ኣባላት መሪሕነት መንግስትን ግንባርን’ውን ብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ሃገር፡ ንህዝቢ ከምዘይምልከትን
ብቕዓት ከምዘይብሉን ገይሮም ክሓስቡ ጀሚሮም። ንሃገር ናይ ምሕሳብ መሰል ንነብሶም ጥራሕ ብምብሓት፡
ህዝቢ ዘይፈልጦ ስጉምታት ወሲዶም። እዚ ኣተሓሳስባ ብግዲኡ ገለ ግሩማት (ካሪዝማቲክ) መራሕቲ ፈጢሩ።
እዚ ካርዝማዊ ጠባይ ከኣ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ምዃኑ ተሪፉ ናብ ናይ ሃገር ካሪዝማ ተሰጋጊሩ።
ብሰንኪ’ዚ እቶም ህዝቢ ሓሳቡ ዝገልጸሎም ትካላት መንግስትን ግንባርን ናብ ምስሊ ተቐይሮም። እዞም
ትካላት ግቡእ ስራሖም ንኸየካይዱ ዝግበር ፈተነ ኸኣ፡ ከም ንሃገር ዘስግእ ምንቅስቓስ ጌርካ ተወሲዱ። እዚ
ፍርሒ ብወገኑ፡ ህላወ ሓገግቲ ትካላት ግንባርን መንግስትን ኣብ’ዚ ናይ ፍልልይ መድረኽ’ዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡
እንኮላይ ኣብ ብዙሓት ወሰንቲ ጉዳያት ናይ’ዚ ሃገር ትርጉም ኣልቦ ከም ዝኾኑ ገይሩ። እዚ ብደረጃ’ቲ ሓጋጊ
ኣካል ዘሎ መረዳእታ ክኸውን እንከሎ፡ ኣባላት’ዞም ኣካላት ብውልቀ እንተሪእናዮም ግን ሕግን ስርዓትን
ክነግስ’ዮም ዝደልዩ።
ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ነቲ ኣብ ሓገግቲ ኣካላት ዘሎ ድኽመት ንምእራም ህዝቢ ኤርትራ ፈተነ ከካይድ
ባህሪያዊ’ዩ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዝተፈጥረ ፍልልይ ንምጽባብ ብሕጋዊ መንገዲ
ንምፍትሑ ክሰርሕ ንዕዘብ ኣለና። እንተኾነ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ንዘቕርብዎ ርእይቶ ዝጻወር ዓቕሚ
ስለ ዘየለ፡ እቲ ፈተነ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እዚ ከኣ ኣብነት ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን እናማዕበለ
ዝኸይድ ዘሎ ምልካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። እዚ ጠባያት ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓባራዊ ኣረኣእያ ከይህሉ
ዝጻረር ኣካይዳ ግንባር ኣብ ርእሲ ምንጽብራቑ ሓገግትን ፈጸምትን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ይሰርሕ
ከምዘየሎ ዘነጽር’ዩ።
እቲ ኩነታት ብዝኸም’ዚ ዘለዎ እናተደኣ ቀጺሉ፡ እቲ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዘሎ ኣባል’ቲ ግንባር’ውን ንመጻኢ
ስግኣት ኣለዎ። ኩሉ ድማ እቲ ዘይምርድዳእ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ክፍታሕ ዝደሊ’ዩ። እንተኾነ’ቲ
ኣገደስቲ ቦታታት ኣብ ኢድ እቶም ርእይቶ ካልኦት ንዘይምስማዕ ብደረጃ ግንባርን ህዝብን ስነ-ሓሳባዊ
ግብረ-ሽበራ ዘካይዱ ባእታታት ብምዃኑ፡ ዛጊት ፍታሕ ከምጽእ ኣይከኣለን። እዚ ኣንጻር’ቲ ካብ ቃልሲ
ዝወረስናዮ መትከላት ኮይኑ፡ ንመጻኢ’ውን ከም ዝቕጽል’ዩ ዝግበር ዘሎ። ብመንገድ’ቲ “ እቲ ዝዓበየ ንኹሉ
ይወስዶ” (The winner takes all) ዝሰረቱ ብፍላጥ ዝተነድፈ ሕጊ ምርጫ ድማ ተነጺሩ ኣሎ። ይኹን

4
‘ምበር ኣብ’ዚ ሓቢርካ ናይ ምንባር ዘመን ተቐባልነት የብሉን። ምስ’ቲ ባህላዊ፡ ፖለቲካውን ኢትኒካውን
ብዙሕነት ህዝብና ዝገልጽ ሃገራዊ ቻርተር ህግደፍ’ውን ፍጹም ዝሳነ ኣይኮነን።
ሕቶ፡- ገለ ወገናት ግን እዚ ዘይምርድዳእ ካብ ውልቃዊ ጉዳያት ዝብግስ’ዩ ይብሉ። ነዚ ጠለብ ስለምንታይ ኣብ
ስልጣን ኣብ ዝነበርኩምሉ ዘየልዓልኩሞ?
ኣቶ ሓምድ፡- ኣብ እዋን ሰውራ ዝነበረ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ መትከል ህ.ግ. ህዝብን መሬትን ካብ መግዛእቲ ነጻ
ምውጻእ ዝብል’ዩ። ድሕሪ ነጻነት ከኣ ዜጋታት ስቪላዊ መንግስቲ ብምቛም፡ መሰረታዊ ነጻነትን ሕጋዊ
መሰላቶምን ክረኽቡ’ዩ ነይሩ እቲ ቃልሲ። እዚ ከኣ ፖለቲካዊ ርግኣትን ቁጠባዊ ምዕባለን ብምምጻእ’ዩ
ዝረጋገጽ።
ነዚ ምትግባር ቀሊል’ኳ እንተዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝነበረ ሕልኽላኻት ስዒሩ ናብ’ቲ
ካልኣይ መድረኽ ብርእሰ ምትእምማን’ዩ ሰጊሩ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ነዚ ክውን ንምግባር ዝማዕበለ
ተሞክሮ እንተርኢና ናይ ደገ ኣሉታዊ ሳዕቤናት (ብውሕዱ ኣብ’ዚ እዋናት) ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ።
ይኹን ‘ምበር ሃገር ኣብ ምምሕዳር እንኽተሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን እንጥቀመሉ ኣገባብን ሕልምና ንምግሃድ
መሰረታዊ ረቛሒ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ’ዚ መዳይ ዘለና ተሞክሮ ድማ፡ ብዙሕ ድኽመታት ከም ዘለዎ
ርዱእ’ዩ። ስለዚ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ’ቲ ግንባር ዝጸንሖ ጉድለት ተኣማንነት ከመሓይሽ ኣለዎ። ትካላዊ መንግስቲ
ንምምስራት ከኣ ኣገደስቲ መደባት ክሕንጸጹ ይግባእ። ዲክታቶራዊ ጠባይ ዘለዎ ፕሮግራምትና’ውን ምስ’ዚ
ዘለናዮ እዋን ንኽሳነ መሰረታዊ ለውጢ የድልዮ። ካብ’ዚ ተበጊስና ንኹነታት ሃገርና ምስ እንርኢ፡ እዚ ሕጂ
ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ መንጎ ተወዳዳሪ ዝፈርሕ ውልቀ መላኺ ርእይቶን ሓቀኛ ለውጢ ዝቕበልን
ኣብ ፖለቲካዊ ባህላውን ኢትኒካውን ብዙሕነት ዝኣምንን ኣተሓሳስባ ዝካየድ ፈጽሚ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ
ትማሊ ሻዕብያ ሎሚ ሻዕብያ ጽባሕ ሻዕብያ ዝብል ኣካይዳ ምስ ህልዊ መድረኽን ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራን
ስለ ዘይከይድን ብዘይተሳትፎ ካልኦት ህላዌኡ ዘብቀዐ ኣተሓሳስባ’ዩ። እምበኣር እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ
ዘይምርድዳእ ብውልቃዊ ጉዳይ ዘይኮነ፡ ኣብ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ህ.ግ. ዘጋጠመ ሓቀኛ ፍልልይ’ዩ።
ሕቶ፡-ብመንጽር’ዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ መጻኢ ኤርትራ ከመይ ትሪኦ? ቀንዲ መደባትኩም’ከ
እንታይ ይመስል?
ኣቶ ሓምድ፡- እዚ መሪሕ ውድብና ኢልና ክንጽውዖ እንፈቱ ህ.ግ. ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ቀራና መንገዲ’ዩ ዘሎ።
ሓደው መደባት ግንባር ተተግቢሩ፡ ተራ ካልኦት ተቐባልነት ረኺቡን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ተዓዊቱን ሃገር
ናይ ኩሉ ክትከውን’ያ። ወይ ከኣ እቲ ኩነታት ከም ዘለዎ ብምቕጻል ናብ ምልካዊ ስርዓት ክቕየር’ዩ። ሃገርና
ከኣ እንታይ ይጽበያ ከምዘሎ ክግመት ዝከኣል ይመስለኒ።
ብዛዕባ መደባትና እንተኾይኑ፡ ደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዝሰፈና ሃገር ብቅዋም ዝተደገፈ ሕጋዊ መሰል
ንምርግጋጽ ምጽዓር’ዩ። እዚ ድማ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ከምኡ’ውን ምዕባለ ንምምጻእ ምስራሕ
ማለት’ዩ። እዚ ብደረጃ ሃገር ክኸውን እንከሎ ብደረጃ ግንባር ድማ፡ ደሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን
ዝመትከሉ ፖለቲካውን ውድባውን ፕሮግራም ንምምዕባል ምጽዓር’ዩ።
ሕቶ፡- ኣብ ኤርትራ ንመጻኢ ዝግበር ደሞክራስያዊ ለውጢ ከመይ ትሪኦ? በቲ ኣብ ምዕባለን ማሕበራዊ
ፍትሕን ዛጊት ዝተዓመ መደባት’ከ ዕጉብ ዲኻ?
ኣቶ ሓምድ፡- ንመደባት ተመጣጣኒ ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሕን ብዝምልከት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ገለ
ሕጽረታት’ኳ እንተነበረ፡ ድኽመት ትካላዊ ኣሰራርሓ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ርእይቶ ዘይምህላውን ኣሉታዊ
ተራ ከም ዝነበሮ ፍሉጥ’ዩ። ንኹነታት ስቪላዊ ኣገልግሎት ሃገርናን ዩኒቨሪሲቲ ኣስመራን እንተርኢና
ባህላውን ኢትኒካውን ብዙሕነትና ኣየንጸባርቕን’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ማሕበራዊ

5
ፍትሒ ከምዘይተዓወተ ዝግለጽ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ብመሰላቱ ክጥቀም ዕድል ከም
ዘይረኸበ ዘመልክት’ዩ። ብዘይካ’ዚ ኣዋጅ መሬት ሃገርና ኣብ መላእ ኤርትራ ዝርከብ መሬት ናይ መንግስቲ
ምዃኑ ንህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ብማዕረ ክጥቀመሉ ዘፍቅድ’ኳ እንተኾነ፡ ብተግባር ግን ብኣንጻሩ’ዩ
ተሰሪሑ። እዚ ድማ ልምዓታዊ መደባት ዘተዓናቕፍ’ዩ።
ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ንፖሊሲ ትምህርትን ቋንቋ ዓረብን ብዝምልከት፡ ምስሕሓባት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብ’ዚ ጉዳይ
ዘለካ ርእይቶ ከመይ ይመስል?
ኣቶ ሓምድ፡- እወ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ህ.ግ.ን ቅዋም ኤርትራን እዚ ጉዳይ ደሞክራስያዊ መሰል ምዃኑ’ዩ
ዝኣምን። ኩለን ኢትኒካዊ ጉጅለታት ኤርትራ ቋንቋአን ከማዕብላን ክጥቀማን’ዩ ዘፍቅድ።ብተወሳኺ ኩለን
ቋንቋታት ማዕረ’የን። ብተግባር እንተርኢና ግን ሕቶ ቋንቋ ብጌጋ ስለ ዝተሰርሓሉ ኣብ ሃገርና ማሕበራዊ
ፍትሒ ንኸይረጋገጽ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ሃገራውን
ስቪላውን መሰላቶም ተሓሪሞም።
ሕቶ፡-ኣብ ጉዳይ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዘለካ ርኢቶ’ኸ?
ኣቶ ሓምድ፡- ብርእቶይ ቅኑዕ፡ ጌጋ፡ ጽቡቕ ተግባርን ገበንን ኣብ ህይወት ደቂ-ሰባት ዘጋጥሙ
ተርእዮታት’ዮም። ነዚ ድማ’ዩ ሰባት ሕጊ ንምንጋስ ሕግታትን ትካላት ፍርድን ዝመሃዙ። ስራሓት ፍርዳዊ
ትካላት ንምሕጋዝ መንግስቲ ሕጋጋት የውጽእ። ዕላማኡ ድማ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ገበን ንኸይወድቕን
ንኽከላኸልን’ዩ።
ኣብ ኩነታትና ምስ እንምለስ፡ ውርሻ ቃልስን ሃገራዊ ተወፋይነትን ድሕረ ባይታ ናይ ብዙሓት ሰበ-
ስልጣን’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ምስራቕ ገንዘብ መንግስቲ ብውሱን ዝተራእየ። ነዚ ዝተራእየ ምጥፍፋእ ዝከተትሉ
ከኣ ነቲ ስርቂ ዝፈጸሙ ውልቀ ሰባት’ዮም። ኣብ’ዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ድማ ኣካይዳ መንግስቲ’ዩ። ኣገባብ
ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣብ’ቲ ዝተፈጸመ ምጥፍፋእ፡ ናቱ ዝተወሰነ ብጽሒት ኣለዎ።
ብተወሳኺ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ምስ ቅዋምን ኣህጉራዊ ቻርተራትን ብዝጋጮ መትከላት ክሰርሕ
ኣየምሕረሉን’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ቤት ፍርዲ ካብ ፍርዳዊ ትካላት ሃገርናን ዓለምን ወጻኢ ስለ ዝተሰርሐ
ንኽሱስ ፍትሓዊ መሰል ኣይህቦን።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 15-07-2019