ንፈታዊኡ ዘቆናጽብ ንጸላኢኡ ዘመጉስ ዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክሳብ ዘይተኣረመ ወጽዓን ወጻዕትን ቀጸልቲ’ዮም።

ፖለቲካ ካብ ደርባዊ ኣረኣእያ ዝምንጩ፡ ክቡር ህይወት ዘኽፍል፡ ኣብ ዕቤትን ውድቀትን ህዝብን ሃገርን ወሳኒ ግደዘለዎ ዓውዲ ‘ምበር፡ ከም ስፖርት እንተደሊኻ ብቲፎዘነት ተሰሊፍካ ትድግፎ፡ እንተዘይደሊኻ ትገድፎ ኣይኮነን።

ስፖርትን ስፖርታዊ ስነ-ስርዓትን ኣብ ኣካላውን ማሕበራውን ህይወትና ዘለዎ ኣውነታዊ ቦታ ረዚን’ዩ። ይኹን ግን ምስ
ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዝወዳደር ኣይኮነን። ስፖርት ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣእምሮኣዊ ብልሕን
‘ምበር ደምን ህይወትን ኣይሓትትን። ኣብ መጻኢ ዕድል ህዝብታት’ውን ዝጋነን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይፈጥርን። ኣብ
እዋን ውድድር ዝረአ ናይ ዓወትን ስዕረትን ስምዒታት ንግዝየኡ ብልጭ ኢሉ ዝጠፍእ መሰረታዊ ኣሰር ዘይገድፍ
ሰላማዊ’ዩ።
ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ግን፡ ህዝቢ ኣሳቲፍካ ብግቡእ እንተዘይተታሒዙ መዘዙ ብዙሕ’ዩ። ኣብ
ተመክሮ ከም ዝተራእየ ህዝቢ ብንቕሓት ኣብ ዘይተሳተፈሉ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ውሑዳት ሰባት ጉጅለ
ፈጢሮም፡ ብረብሓ ተኣሳሲሮም፡ ንብዙሓት በተሓሳስባን ብተግባርን ኣምበርኪኾም ክገዝኡ፡ ብዙሓት ድማ መሃንኖም
ኣጥፊኦም፡ መሳርዖም ተዘሪጉ፡ ብውደባ ዘይግለጽ ውልቃዊ ምዕዝምዛምን እህህታን እናስምዑ ንፖሊስን መደብን
ውሑዳት ክፍጽሙ’ዮም ዝግደዱ።
ዓውዲ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ክበሃል እንከሎ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ እንዶ ንዘይብሎም ብይበሃል ኣሎ
ንዝምርሑ ሰባት ክብደቱ ኣይረኣዮምን። ገሊኦም ከምዘይምልከቶም ከምዘይናቶም ይቖጽርዎ። ገሊኦም ከኣ ዋላ ንዋሳእ
ኣለና ይበሉ፡ ካብ ስፖርታዊ ቲፎዞ ኣኽቢዶም ኣይሪእዎን። ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ውሑዳት፡ ናይ ዓፈናን
ጭፍጨፋን ትካላት፣ ቁጠባዊ ምንጭታት፣ መራኸቢ ብዙሓን፣ ትካላት ስነ-ጥበብ፣ ማሕበራውን ባህላውን ውዳቤታት
ሃገር ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ክቆጻጸሩ እንከለው ኣብ ህይወቶም ሰብኣዊ ክብሮም እንታይ ይዋደድ ከም ዘሎ
ኣይርደኦምን።
ህዝባውን ሃገራውን ጉዳያት ከመይ ይኹን፡ ከመይ ይመሓደር ንዕኦም ዘይምልከት፡ ነቶም ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ርኻብ
ፖለቲካዊ ስልጣን ዝደየቡ ጉጅለ ውሑዳን ጥራሕ ከም ዝምልከት ተቐቢሎም፡ ዝተባህለ ክሰምዑን ዝተኣዘዝዎ ክገብሩን
ጥራሕ ነብሶም የዳልው ‘ምበር ዓገብ ኣይብሉን። ኣይቃወሙን። ነዚ ድኹም ኣተሓሳስባ’ዚ ዘንበቡ ጉጅለ ውሑዳን ድማ፡
ኣብ ባይታ ዘይረአ፡ ብኢድ ዘይድህሰስ፡ ካብ ሕግን ፍትሕን ዝረሓቐ፡ ግን ከኣ፡ ኣብ ጽልኢ ዝተመሰረተ ጎስጓስ የካይዱ።
እዚ ብገለ ሸነኹ ዝህድድ ዘርዕድ፡ ብገለ ሸነኹ ብመን ከማና ከማኻ ብትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ዘስክር፡ ናይ ተስፋ
እንጀራ ድማ ዘብልዕ፡ ፍረ ኣለቦ ግን ከኣ ዘየቋርጽ ወፍሪ ብቕሉዕን ብስውሩን የካይዱ። በዚ ብውጥን ብመደብ ዝግበር
ናይ ጠቕመ ፈሊጣውያን ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ ሓቂ ትድብዝዝ ሓሶት ከኣ ንግዝይኡ ትደምቕ። እቶም ክሳብ ሰብኣዊ
ክብረቶም ዜግነታዊ ሕጋዊ መሰሎም ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ነብሶም ዘዋደቑ በሃመት ከም ሰባት ናይ ምሕሳብ
ሚዛኖም ይዛባዕ። ልከዖም ምፍላጥ ክሳብ ዝስእኑ ይኾኑ።
ብባርነት ንውሑዳት እናገልገሉ፡ ሓራ ዝወጽኡ ምሉእ ፖለቲካዊ ሰብነት ዘለዎም ኮይኑ ይስመዖም’ሞ ብውድዕነቱ
ፈታዊኦም ንዝኾነ ኣካል ብጸላእነት ይሓምዩ የቆናጽቡ። ነቲ ኣገዲዱ ከም ቁርዲድ ዝማጽዮም ሰብኣዊ ክብሮም ኣዋሪዱ
ብባርነት ዘስረሖም ናይ ውሑዳን ፖለቲካዊ ጉጅለ ብሓሳብ የመጉሱ። ብጉልበት የገልግሉ። ብገንዘብን ዓይነትን ቆፎኡ
ይመልኡ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶን ጭቡጥ ዘእምን ፖለቲካዊ መረዳእታ ከቕርቡ ግን ኣይኽእሉን። ንጸረ-ህዝቢ
ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡን ካብኡ ተበጊሱ ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍጽሞ ፋሽሽታዊ ተግባርን መንግስቲ ድዩ ኣነ ተጋግየ
ይኸውን ወይ ተጋጊና ንኸውን ብዝብል ቅቡል ብምግባር የጽድቕሉ። ንሕና’ዶ ካባኻ ፈሊጥና ከም ቃሕ ዝበለካ ስጉምቲ
ውሰድ ዓይነት የተባብዕዎ። ነቲ ጸረ-ህዝቢ ደርባዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮን ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ኢ-ሰብኣዊ ፋሽሽታዊ
ተግባርን ግዳም ከይወጽእ ጎረቤት ከይሰምዖ ብክንዲ ዝዓቕሞም ክሽፍንሉ ይፍትኑ። ኣተሓሳስባኦም ስለዝተሰርቀ
ሓይሊ ኣብ ኢዶም እናሃለወ፡ ኣብ እንግድዓኦም ንዝዓርፍ በትሪ ጨካናት ኣልቦ ግብረ መልሲ ከም ኣድጊ ስቕ ኢሎም
ይቕጥቀጡ። መተካእታ ንዘይብላ ህይወቶም ኣብ ክንዲ ዝከላኸሉ፡ ክሳብ ዝሞቱ ይጽመሙ። ብምጽማሞ ድማ
ይሕበኑ።

2
እዚ ሓቂ’ዶ ሓሶት ንምፍላጥ፡ ታሪኽን ተሞክሮን ካልኦት ምፍታሽ ከየድለየና፡ ካብ 1991-1998 እዚ ሎሚ ዕርቃኑ ወጺኡ
ዝርከብ ጉጅላዊ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሃገራዊ ነጻነት መጺኡ ኢሎም እፎይ ከይበሉ፡ ዝዓበየ ሓርነታዊ
ደሞክራስያዊ መሰላት ህዝቢ ንምምላስ ዕጥቆም ከይፈትሑ ዝቐጸሉ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዘካየዶ ዝነበረ፡ ነዳያት፣
ሓምሻይ መስረዐኛታት፣ ከደዓት፣ ትሕቲ ሃገራውያን፣ ኣስላም፣ ጀሃዳውያን፣ ዕሱባት ዝብል ፍጹም ሓለፍነት ዘይስመዖ
ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስን ኣፍርይዎም ዝነበረ በሃማት መጋበርያታትን ምልስ ኢልካ ምዝካር ኣኻሊ’ዩ። ነዚ
ፈጠራዊ ናይ ጸላኢ ጸለመ ዝቕበል ዘተኣናግድ’ዶ ይበዝሕ ነይሩ ወይስ ሓሶት ኢሉ ዝኹንን ሃገራዊ ፖለቲካዊ
ምሕደራና ከመይን ብኸመይን ኢሉ ሕቶ ኣልዒሉ ዝቃወም፡ ኣብ መድረኹ ንኣካለ መጠን በጺሖም ዝነበሩ ዜጋታት ሽዑ
ምስ ዝነበሮም ኣረኣእያን ሚዛንን እናነጻጽሩ ገምጋሞም ከዕርፍሉ ኣለዎም።
እዚ ካብ 1991-1998 ህግደፍ ዝዘርኦ ኣዕናዊ ጎስጓስን ኣብ ውሑዳት ዘይኮኑ ዜጋታት ፈጢርዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ
ምዝባዕን ከም ተሞክሮ ክውሰድ ይግባእ ነይሩ። ናይ ምምዝዛን ተኽእሎኡ ዘይተዛበዐ ሰብ ካብ ቤት ትምህርቲ ጥራሕ
ዘይኮነ ካብ መዓልታዊ ተሞክሮኡ ይመሃር’ዩ። ካብ ዝሓለፈ ጉድለት ይመሃር’ዩ። ውሑዳት ዘይኮኑ ኤርትራውያን ግን፡
በቲ ክሳብ ትመውት ተጸምም፡ ኣነ ዝበልኩዃ ጥራሕ ስማዕን ተግብርን ዝብል ኣዕናዊ ህግደፋዊ ስብከት ኣይሰክሑን
ኣይተማህሩን።
ብዶብ ሽፋን ገይሩ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ወሊዑ፡ ስርዓት ወያነ ካርታ ዓባይ ትግራይ ኣውጺኡ። ልኡላዊ መሬት
ኤርትራ ኣብኡ ኣእትዩ። ብዓዲ ምሩግ ከምዚ ተገይሩ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዓገብ ዝብል ብኢድ
ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ናብ መራሒ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ሰዲዱ። ብስልኪ ተዘራሪቡ። ኣብ ባድመ 7
ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዕጡቓት ወያነ ተቐቲሎም ዝብል ኣብ ፈጠራዊ ጽልኢ መሰረት ዝገበረ
ምውዕዋዕ ክገብር እንከሎ፡ ዋእ ትማሊ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ማዕቢሉ’ዩ። ዝምድናና
ብደምን ዓጽምን ጀጋኑና ዝተነድቀ’ዩ። ብኮንፈደሬሽን ክንተኣሳሰር ኣለና’ዶ ይበሃለና ኣይነበረን?
መሬት ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓባይ ትግራይ ከም ዝኣተወ መንግስቲ ርግጸኛ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ዘይኮነ
ብወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ዓገብ ዘይብል? ብሕጊ ዘይሓትት? ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰብ ተሓቢኡ
ብናይ ኢድ ጽሒፉ ዓገብ ኢሉ ነይሩ ማለት ቅቡል ኣይኮነን። ስለምንታይ ካብ ሃገራዊ ባይቶ ተሓቢኡ? ስለምንታይ
ብደረጃ ካቤነ ሚኒስተራት መግለጺ ዘይወሃበሉ? 7 መኮነናት ኤርትራ ስለምንታይ ብዘይኣፍልጦን ፍቃድን ዝምልከቶ
ኣካል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብትግራይ ኣብ ትመሓደር ባድመ ኣትዮም? ናይ መሬት ይግበኣኒ ሕቶ’ኸ ብሕጊ
‘ምበር ብጎነጽ’ዶ ይፍታሕ’ዩ? ተገዲድና ዝኣተናዮ ናይ 30 ዓመት ኲናትን በሰላኡን ዘይኣኽለና? ምስ ሱዳን ኣብ
ዝተኻየደ ምኽንያቱ ዘይብሩ ውግኣት ዝኸፈልናዮ ህይወትን ንብረትን ሓዘኑ ከይተዓጽወ፡ ኣብ የመን ዝመቱ ዕሸላት
ደቅና ጓሂ ከይወጽኣልና ሕጂ ድማ ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ሃገራዊ ባይቶ ብዘይፈልጦ፣ ካቢነ ሚኒስተራት
ብዘይፈልጥዎ፡ ህዝቢ ብዘይፈልጦ ንዂናት ዝኸውን ገንዘብ ኣውጽእን ንኲናት ተዳሎን ክበሃል ግልጽነት ዘይብሉ
ሽርሒ ዘለዎን ስለ ዝኾነ ኣይንቕበሎን። ጸገም ኣሎ ትብሉ እንተደኣ ኮይንኩም ብግልጺ ውፈርሉ ብሕጊ ሕተትሉ ዝብል
ተሪር ተቓውሞ ክቐርብ ነይርዎ። እቲ ዝኾነ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ካብ ተራ ጽልኢ ዝብገስ ስምዒታዊ ረስኒ ዝደፍኦ
ስለምንታይ ዘይብሉ ሕራይ’ዩ ነይሩ። እዚ መገለጺ ዘይብሱል ዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዩ።
ዶባዊ ኲናት ከም’ቲ ገለ ገለ ሰባት ዝብልዎ ብስዕረት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብስዕረት ዓንዳሪ ወተሃደራዊ ጉጅለ ህግደፍ
ተዛዚሙ። ኣብ ማይ ቤት ህግደፍ ኣብ ቅርቅርቲ መሪሕነታዊ ኣካሉ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ጉዕዞ 10 ዓመት ንገምግም፡ ምስ
ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ኣይኮነን ህዝቢ ንሕና እቶም ኣብ ዝለዓለ መሪሕነታዊ ቦታ ዘለና ሓለፍቲ
እኹል ኣፍልጦ ስለ ዘይብልና፡ ከመይ ተበጊሱ፣ ምስኣተናዮ’ኸ ኣመኻኽታኡ ከመይ ነይሩ፣ እንታይ ከሲብና እንታይ’ከ
ከሲርና ኮፍ ኢልና ብወግዒ ንገምግም፡ ውጽኢት ገምጋምና ንህዝቢ ንሓብሮ፡ እዚ ህዝቢ ንብድሎ ኣለና፡ ከም በዓል ቤት
ናይ’ዛ ሃገር መጠን፡ ንመሰሉ ንሃገሩ ተጸባዪ ዘይኮነ ቀጥታዊ ተዋሳኢ ዝኾነሉ ናብ ቅዋማዊ ባይቶኣዊ ስርዓት ዘሰጋግር
ባይታ ንፍጠረሉ ዝብሉን ኣይፈሉን ገማግምን ቅዋምን ኣየድልን፡ ህዝቢ ምስ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ
ምሕደራን ገና ኣይተላመደን፣ ሕጂ’ውን ልኡላውነት ገና ኣይተኸብረን ኣብ ዝብልን ምስሕሓብ ኣብ ዝተፈጥረሉ፡ ነዚ
ከም ጽቡቕ ዕድል ተጠቒሙ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮኡ ተማሂሩ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ኩለ መዳያዊ ፖለቲካዊ ገምጋም ንግበር፡
ቅዋም ይተግበር ብቅዋም ንመራሕ ዝጠለበ ወገን ደው ዝብል፡ ነቲ ዓማጺ ጉጅለ ደጊፉ።
እዞም ለውጢ ዝብሉ ዘለው ምስ ወያነ ምትእስሳር ዘለዎም’ዮም። ኣብ ሳልሳይ ወራር ወያነ ኣስመራ ኣትዮም
ክጭፍልቑና’ዮም፡ እዛ ሃገር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ኣመሪካ ነረክባ፣ ወያነ መታን ከይሃርሙና ፕረዚደንት

3
ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ ዝበሉ ስዑራት’ዮም። ኣውርጃውያን’ዮም ንዝብል ፈጺሙ ጭብጢ ንዘይብሉ
ብተልምዶ 03 ብዝፍለጥ ናይ ውሽጢ ውሽጢ ጸለመ ወፍሪ ቅቡል ብምግባር፡ ክሳብ ብፈጣሪ ብዝተዋህበና ክቡር
ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመጸና ኣይንጻወርን እዞም ከደዓት ክርሸኑ ኣለዎም ዝብል ዕሙት ደገፍ ምሃብ
ተበጺሑ። እዚ’ውን ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ፍቕሪ ሃገራውነት ዝደፍኦን ዘይኮነ ፍረ ኢሳያስን መሰልቱን ኮነ ኢሎ ናይ
ዝዘርእዎ ተወኒኑ ዘሎ ዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዩ።
ካብ 20 ሰነ 2018 ንደሓር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕብልናታት ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብመልክዑን መጠኑን ፍልይ
ዝበለ’ዩ። ድሕሪ 20 ሰነ 2018 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ተገይሩ ብዝተባህለ ናይ ሰላም
ስምምዕን ኢሳያስ ዘስመዖ ዘርባዕባዕን ዘርኣዮ ነውራም ኮሽምሽምን፡ ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታት ኣዕቂልሉ ካብ ዝነበረ
ፖለቲካዊ በዓቲ ወጺኡ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ብቐዝሒ ተሃሪሙ ከድከድ ክብል ተራእዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ብራዕዲ
ተቖሊፉ ዝነበረ ልሳኖም ተኸፊቱ። ኣብ ሓውሲ ድስከላ ኣንቆልቊሉ ዝነበረ ኣተሓሳስባኦም ተበራቢሩ። ዝጸልመተ
ተስፋ ክልምልም ጀሚሩ።
እዚ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። ይኹን ግን ሕጂ’ውን ከም ህዝብን ሃገርን ካብ ዝጸናሕናዮ መሊእና ንምውጻእ፡ ጽገናዊ
ዘይኮነ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ፡ እቲ ናይ ለውጢ ድሌታት ገና ኣይተናበበን ኣሎ። ህግደፍ ክቕጽል
ዝደልዩ ግን ከኣ ኣካል ናይ ለውጢ ሓይልታት ኢና ዝብሉ ወገናት ከም ዘለው ንዕዘብ ኣለና። ብልሳኖም ንህግደፍ
ንጸልኦ ኢና ተበርቊቑ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብሉ ስለምንታይ ከምኡ ኢሎም ደርባዊ ፖለቲካዊ መረዳእታ ዘይብሎም
ወገናት ከም ዘለው ንዕዘብ ኣለና። ብህግደፍ ተገፊዕና ደኺና ሕጂ ህግደፍ ተወጊዱ ህዝቢ ስልጣኑ ክርከብ ኣለዎ ዝብሉ፡
ግን እዞም ተቓወምቲ ደዂሞም፡ ሓሚቖም፡ ጠፊኦም፡ ደንጒዮም እናበሉ ጸግዒ ሒዞም ዝወራዘዩ ወገናት ከም ዘለው
ንዕዘብ ኣለና።
ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ዕጥቂ ዘይብሉ ብተራ ህልኽ ወይ ሕነ ምፍዳይ ብዝመስል፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፖለቲካዊ
ውድብ ገለ መለ ዝበሃል ኣየድልየናን’ዩ። ሕጂ ህዝቢ ዝጠልቦ ዘሎ ሓደ ኮይና ንህግደፍ ምልጋስ ጥራሕ’ዩ ዝብሉ
ወገናት ከም ዘለው ንዕዘብ ኣለና። ብዝለዓለ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስትራተጂካዊ ግንባር ተኣሳሲርና መሪሕ ተራና
ክንጻወት ኣለና ዝብሉ ግን ከኣ፡ ብምኽንያት ኣልቦ ውልቃዊ ኮርነፍነፍ እናተመዓደው ነብሶም ሓራ ኣውጺኦም ንካልኦት
ዝኹኑን ወገናት ከም ዘለው ንዕዘብ ኣለና። ብዝተሓተ ፕሮግራም ኣንጻር ደመኛ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘትከለ
ግንባር ዓሲልና ክንቃለስ ኣለና ዝብሉ “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ” ዝጭርሑ፡ ብተግባር ኣብ ሕድሕድ
ምጽልላም ወርቃዊ ናይ ዓወትን ለውጥን ዕድላት ዘምክኑ ወገናት ከም ዘለው ንዕዘብ ኣለና…ወዘተ። እዚ ዘርእየና ነገር
እንተሃለወ ሕጂ’ውን ካብ ዝተደዋወሰ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘይተላቐቕና፡ ካብ ሕሉፍ
ተሞክሮና ከምዘይተመሃርናን ብሃውሪ ንኸይድ ከም ዘለናን’ዩ።
ስለዚ ካብ ፖለቲካዊ ዓፈና ክንድሕን ካብ ዝተዘባዐ መርገጽን ኣረኣእያን ሓራ ወጺእና ሰብ ህዝባዊ መትከል ንኹን።
ምኽንያቱ ንፈታዊኡ ዘቆናጽብ ንጸላኢኡ ዝረሩ ዘመጎስ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ክሳብ ዘይተኣረመ፡ ወጽዓን ወጻዕትን
ቀጸልቲ’ዮም።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 15-07-2019