ኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደንን ከባቢኣን፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ለንደን ተቓውሞኦም እናገለጹ

ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ፥ መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን በታ ቤተክርስትያን ዝመሓደራ 22 ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ክዕጸዋ ድሕሪ ምእዛዝ፡ ንተኣለይቲ ናብ ናይ መንግስቲ ትካላት ጥዕና ክሰጋገሩ ጌሩ'ዩ።

ንገለ ካብተን ነተን ትካላት ዘካይዳ ደናግል ድማ፡ ካብ መንበሪ ገዝአን ክወጻ ኣገዲዱ ነይሩ።

መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ነቲ ንልምዓታዊ ንጥፈታት ሃይማኖታውያን ትካላት ዝድርት ናይ 1995 ኣዋጅ ንምትግባር ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝተወስደ ስጉምቲ'ዩ ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ ተጣበቕቲ መሰላትን፡ እቲ ስጉምቲ መልሰግብሪ ናይቲ ጳጳሳት ናይታ ቤተክርስትያን ክገብርዎ ዝጸንሑ ናይ ፍትሕን ዕርቀሰላምን ጻዊት'ዩ ይብሉ።

ላዕለዎት መራሕቲ እታ ቤተክርስትያን፡ ብተደጋጋሚ ኣብታ ሃገር ናይ ምሕደራን ፍትሕን ጸገማት ከምዘሎን፡ ብሰንኪ'ዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ምውሓዞም ከም ዘተሓሳሰቦም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ ኤርትራ ይካየድ ኣሎ ዝበልዎ ሰፊሕ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ደዉ ክብል'ውን ጸዊዖም።

መንግስቲ ብሪጣንያ ጸቕጢ ክገብር ዝጠልብ መጸዋዕታ'ውን ንቤት ጽሕፈት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ ከም ዘረከቡ ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ሰልፊ ዳኒኤል ገብረስላሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ነቲ ኣብ ኤርትራ በዚ ዘሎ ስርዓት ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ይኣክል ንምባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ዝግፍዑን ዝድፍኡን ዘለዉ ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ይኹን፡ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት፡ ብሓፈሽኡ ህዝቢ ኤርትራ ንኣብ ልዕሊኡ ዝግበር ዘሎ ጸቕጥን ግፍዕ ብምቅዋም" ነቲ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተዛሪቡ።

"እቲ ቀንዲ ድማ ነቲ ዝውጻዕ ዘሎ ህዘብና ኣብ ጎኒኻ ኣለና ንምባልን፡ ነቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበጊሱ ዘሎ ናይ 'ይኣክል' ምንቅስቓስ ንምቕጻል ኢና ኣብዚ ዘለና" ኢሉ።

ሓንቲ ካብ ተሳተፍቲ ዝኾነት ወይዘሪት ምሕረት ተስፋይ ብወገናት፡ "እዚ ሰላማዊ ስልፊ ሓድሽ ኣይኮነን፡ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ'ዩ። ምኽንያቱ ብብግዚኡ ኩሉ ተጌሩ'ዩ። ግና እቲ ሱቕ ምባል'ዩ ንህዝብና ኣብጺሑዎ ዘሎ" ስለምንታይ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክትሳትፍ ከም ዝመጸት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"መራሕትና ነቲ ጽቡቕ ነገር ክገብሩ ኣይተዓደሉን፡ ጽቡቕ ነገር ምግባር ሓደ ህያብ'ዩ" ድሕሪ ምባል "ንኹሉ ኣስላማይ ክስታናይ ዘይተዳሉ ሕክምና ምዕጻው፡ እዚ እቲ ዝኸፍአ ናይ መወዳእታ ኮይኑ'ሎ ኣብ ሃገርና" ኢላ።

"እዚ ናይ ኩፉእ ኩፉእ'ዩ። መመክሒ ዓለም ኮይንና ኤርትራውያን። እንተላይ ነቲ መንግስቲ'ኮ ክፉእ'ዩ፡ ጸላኢና ብሕማቕ ይለዓል፡ ጸላኢና ድሕሪት ይበሃል፡ ጸላኢና ኣይረብሕን ይበሃል። ክሳብ መዓስ ኢና ከምዚ'ልና ክንቅጽል?" ብምባል ቁጠዐኣ ገሊጻ።

"ኤርትራዊ መላገጺ ኮይኑ፡ ከምዘይፍጡር፡ ነዚ ናይ ምረት ምርት ስለዝተሰመዓና ኢና ኣብዚ መጺእና ዘሎና"

ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ዳውኒንግ ስትሪት 10፡ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፥፡እቶም ካብ ዝተፈላለያ እምነታተነ ብሄራትን ዝኾኑ ተሳተፍቲ፡ ማእሰርቲ ንጹሃት ዜጋታት ደው ክብል፡ ምዕጻው ትካላት ጥዕና ደው ይበል፡ "ይኣክል" ዝብል ጭርሖታት ኣቃሊሖም።