ጉጅለ ህግደፍ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መሳርዕና ዘሪጉ፡ ስሩት ባህላዊ ክብርና ዘባድም ዘሎ ደመኛ ጸላኢ

ጉጅለ ህግደፍ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መሳርዕና ዘሪጉ፡ ስሩት ባህላዊ ክብርና ዘባድም ዘሎ ደመኛ ጸላኢ፡- ኩሉ ነገር መበገስን መዕረፍን ኣለዎ። ነናቱ ዝግዘኣሉ ስነ-ምግባርን ሕግታትን ኣለዎ።

ንኣብነት ዘይከም ሎሚ፡ ባህልና ነናቱ ዘይስገር ኣወንታዊ ክብርታት ነይርዎ። ናይ ኣመጋግባ ስርዓትና፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ገለ

መጠናዊ ዝኾነ ፍልልይ ክህልዎ ይኽእል እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ቁርሲ፣ ምሳሕ፣ ጠዓሞት፣ ድራር ግዜና
ፍሉጥ’ዩ። ናይ መኣዲ ስነ-ስርዓትና፡ ብደረጃ ስድራ ቤት ብፍላይ ኣብ እዋን ምሳሕን ድራርን ኣብ ውሱን ግዜ
ዝፍጸም ኮይኑ፡ ካብ 10 ዓመት ንታሕቲ ዘለው ህጻናት ንበይኖም፡ እቲ ካብኡ ንላዕሊ ዘሎ ኣባል ስድራ ድማ
ብሓባር ኩሉ ደድኳኡ ሒዙ ይኸብብ፡ ኣቦ ወይ ዓቢ ሓው ባርኾት ሂቡ ክሳብ ዘጀምረካ እንጀራ ኣይትሕዝን።
በስም ኣብ ኢልካ ትጅምር። ትሕተኻ ገዲፍካ ኣብ ትሕቲ ካልእ ካብ ዘሎ ኣይትቖርስን። እንጀራ ብስለስተ
ኣጻብዕትኻ ሒዝካ ጠሚዕካ ‘ምበር ከም ድሌትካ ብሓሙሽተ ኣጻብዕትኻ ምሓዝን ምግሓጥን ኣይፍቀድን።
ኣድራጋ ኣይትሕይኽን። ኣግዚፍካ ኣይትኹልስን። ኩሉ ነገር ብመጠኑን ብስርዓትን’ዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ
ስቕ ኢልካ ብድድ ኣይትብልን። ተመስገን ኢልካ ኢኻ ትትስእ።
ካብ ቤትካ ወጻኢ ኣብ ንግደት፣ መርዓን ተስካርን ምስ ካልኦት ኣብ ትራኸበሉ ብተመሳሳሊ ብኣሳሰይቲ ኣብ
መኣዲ ሸሞንተ ትስራዕ፡ ካብ’ቶም ሸሞንተ መራሒ ሃይማኖት እንተልዩ ብእኡ፡ እንተዘይሃልዩ ከኣ፡ ብግምት
ብዕድመ ዝዓበየ ሰብ ተመሪሕካ፡ ከም’ቲ ኣብ መኣዲ ስድራ ቤት ደረት ከይሓለፍካ ምብላዕ ትጅመር። ኣብ
መወዳእታ ከኣ ተመስገን ኢልካ ትትስእ። መርዓን ቀብርን ነናቱ ገዛኢ ዝኾነ ስነ-ስርዓት ኣለዎ። ነቲ ስነ-
ስርዓት ተኸቲልካን ኣኽቢርካን ‘ምበር፡ ንዕኡ ጎሲኻ ወይ ዘሊልካ ምኻድ ቅቡል ኣይኮነን።
ስድራ ቤት መሰረት ሃገር’ያ። ማእከላይ መምዘኒ ወይ መዕቀኒ ናይ’ቶም ስድራ ቤት ዝምስርቱ ክልተ
መጻምዲ፡ ከም’ዚ ሎሚ መዓስ ከምዝረግፍ ዘይፍለጥ ግዳማዊ ተኽለ ሰብነት ኣይነበረን። ከም’ዚ ሎሚ ንዕዘቦ
ዘለና ካብ ሕጋዊ ንግዳዊ ስምምዕ ዝተሓተ ኮንትሮባንድ ብዝመልስ እንታይ ትካል ኣለዋ/ኣለዎ። ሃብቲ ሃገር
ሸምጢጡ ሸማጢጡ ኣብ ሓጺር ግዜ በዓል ጸጋ ዝገብር ትርጉም ዘለዎ መንግስታዊ በዓል ስልጣን’ዶ ኣለዋ/ዎ፣
ብኾፍካ ዝቕልብ ዓቕሚ ዘለዎ ቀረባ ዘመድ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ/ዎ ድዩ ዝብል ምልኣተ እምነት ዝጎደሎ
ተሓንጋሪ ወይ ተጸባዪ ሕልና ዝገዝኦ ግዝያዊ ረብሓ ዝዋሕሱ ሓዳር ኣይነበረን።
እወ ዘይ ከም ሎሚ እቲ ናይ ቀደም፡ ብሓባር ሰሪሕና ርእስና ክኢልና ዘፍረናዮም ቆልዑ ብግቡእ መታን
ከነዕቢ ጉልበት ( ኣካላዊ ብቕዓት)፣ ናይ ስራሕ ህርኩትነት፣ ሞያ፣ ቅቡልነት ኣብ ሕብረተ-ሰብ፣ ሃይማኖት፣
ጽንዓት ኣብ ቃል ኪዳን ( ቃል ኪዳን ብፈርማ ዘይኮነ ቃል ኪዳን ብእምነት) ዝብል መምዘኒታት’ዩ ዝገብር
ነይሩ። ብፍላይ ንጓል ኣንስተይቲ ዝምልከት፡ ክሳብ ኣዴታታ ወላዳት ድየን? ጸባዋት ድየን፣ ቆልዑ
ብተኸታታሊ ዝመትወን ከይኾና ..ወዘተ ኣብ ግምት ዘተኣወ ነይሩ እቲ መምዘኒ።
ብዕድመ ንዝዓብየካ ምኽባር፡ ደገፍ ኣብ ዘድልዮ ምድጋፍ፣ ንሕሙም ምብጻሕ፣ ንሓራስ ከይድካ እንቋዕ
ብሰላም ተገላገልኪ ምባል፣ ብፍላይ ንመራሕቲ ሃይማኖትን መማህራንን ዘይምድፋር ግቡእ ኣኽብሮት
ምሃብ፣ ኣብ ግዜ ቀውዕን ምኽዳን ኣባይትን ብመልክዕ ወፈራ ሓቢርካን ተደጋጊፍካን ምስራሕ፣ ካብ
ኣወንታዊ ክብርታት ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ’ዩ።
ኣወንታዊ ባህላዊ ክብሪ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ፡ ብጸጋማይ ኢድካ ‘ምበር ብየማናይ ኢድካ ክትናፈጥ
ኣየተባብዕን። ብየማናይ ኢድካ ‘ምበር ብጸጋማይ ኢድካ ንሰብ ኣይወሃብን። ምሕሳው፡ ምስራቕ፡ ምዕማጽ፡
መሰረት ዘይብሉ ወረ ካብ’ቲ ሓደ ናብ’ቲ ካልእ ብምቅብባል ሰባት ከተባእስ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ምጭካን
ብዘይረሃጽካሉ ክብርን ዝናን ምርካብ ኣዝዩ ዘሕፍር ነውሪ’ዩ። ከምኡ ዝገብር ሰብ ብሕብረተ-ሰብ ጽሉእ
ውጉዝ፡ ንጹል’ዩ።

2
ብሕጊ ኣምላኽ ወይ ዝባን ሕጊ እንተተባሂልካ ኣብ ዘለኻዮ ደው ትብል ወይ ናብ ዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል
ትኸይድ ‘ምበር፡ ባዕልኻ ትፈልጥ እንታይ ከይተምጽእ ኢልካ ረጊጽካዮ ምኻድ ባህልና ኣይፈቅድን።
ሕልና’ውን ኣይቅበሎን። ቅድሚ ዓቢ ኣይትዛረብን ኣይትኸይድን። ዓቢ ድማ ቅድሚ ቆልዓ ኣይሰትን። ኮታ
ካብ ወለድና ብተዋረድ ዝተረከብናዮ ስሩት ኣወንታዊ ክብርታት ክልወጥ ዘለዎ ዘሕፍር ባህሊ ዘይኮነ፡ ክዕቀብ
ዘለዎ ዘኹርዕ ረዚን ባህሊ’ዩ።
ባህልና’ኮ ካብ ጎደቦ ፈርስ ወይ በቕሊ ሰሪሩ ንዝሓልፍ ጋሻ ኣብ ጫፍ ዓድኻ ምስ በጽሐ፡ ንሱ ካብ በቕሉ ወይ
ፈረሱ ወሪዱ ብእግሩ፡ ንስኻ በቕሉ ወይ ፈረሱ ወጢጥካ፡ እንተለካ እኽለ ማይ ሂብካ እንተዘይብልካ ደሓን
ይእትኻ ኢልካ ኣፋንዎ’ዩ ዝብል። ባህልና’ኮ ተኻፊልካ ብላዕ ‘ምበር ደቂ ጎረቤት ዝብላዕ ስኢኖም ጸሞም
እናሓደሩ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ክትሓልፍ ንበይንኻ በሊዕካ ጸጊብካ ክትሓድር ኣይፈቅድን። ባህልና’ኮ
ንዝሕዘነሉ ክትሓዝን’ምበር መሊስካ ክትጭክን ዘተባብዕ ኣይኮነን። ባህልና’ኮ ኣብ መንገዲ ኣድጊ ጽዕነት
ኣውሪዳትሉ ንዝተሸገረ ሰብ ረጊጽካዮ ክትሓልፍ ኣይፈቅድን። ንበይኑ ነቲ ዝወደቐ ጽዕነት ኣብ ኣድጊ ክጽዕኖ
ስለ ዘይኽእል ናይ ግድን ክትሕግዞ ኣለካ፡ ገዲፍካዮ እንተኸይድካ ግን፡ መሬት መስዩ ኣብ ህይወት ሰብን እቲ
ኣድግን ንዝበጽሕ ሓደጋ ብዘይምትሕብባርካ ተሓታቲ’ኻ ዝብል ልዑል ሰብኣውን ሕጋውን ክብደት
ዝነበሮ’ዩ።
እሞ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ነዚ ክብረታት’ዚ ዘይምዕቃብና ዘይምኽባርና ናይ ምንታይ
ምልክት’ዩ፡ ናይ ስልጣነ ወይስ ናይ ድሕረት? ብተግባር ከ ተጠቒምና’ዶ ተጎዲእና? እስከ ነብስ ወከፍና ናብ
ቤትና ኣተዓባብያና ተመሊስና ሕጂ ምስ ዘለናዮ ነውዳድሮ። በየን’የ መጺአ? መን’የ ኣነ ኢልናስከ ንነብስና
ንሕተታ? ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንተሃሊና ስሩት ኣወንታዊ ባህሊ ወለድናን ሃይማኖታዊ ስርዓትናን ብሓቂ
ምሳና፡ ኣብ ኣእምሮናን ዕለታዊ መነባብሮናን ምህላውን ዘይምህላውን እስከ ንፈትሽ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ
ኣብ’ቲ ካብ መነባብሮ ኤርትራ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ምልኣተ ነገራዊ ዕግበት ዝርከበሉ፡ ሃገራት ኤውሮጳ፣
ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራሊያ፣ ከምኡ’ውን ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘለና፡ ሕቶ ገንዘብን ነዋትን ምስ
መለስና እንታይ ይስመዐና ኣሎ? ምሉእ ነጻነት ዘለዎ ክቡር ሰብ ወይስ ገለ ዝጎደሎ ኣብ ዘይናቱ ዝነብር ነብሰ
ትሕተት?
ኣሕዋትን ኣሕትን እስከ “ ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ” ንዝብል ብሂልና ወጊድ ኢልና፡ ብኣካልና ዘይኮነ
ብምዕቡል ኣተሓሳስባ፡ ሰብኣዊ ክብረትን ምልኣት ዘለዎ ሰብ ኮይና፡ ንነብስና፣ ንስድራ ቤትና፣ ንሕብረተ-
ሰብና፣ ንሃገርና፣ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ንምዘን። እዚ ልዕል ክብል ተገሊጹ ዘሎ ካብ ቀዳሞት ወለድና
እናተወራረሰ ዝመጽአ ኣወንታዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታትና፡ ይሕፍር ድዩ? ካብኡ እንተዘይፍጠር
የብል ድዩ? ናይ ካልኦት ባህልን ሃይማኖታዊ ክብርታትን ከነቋምት ክንሰድዕ ዝገብር ድዩ? እስከ ከም ሰብ ከም
ሰባት ከም ህዝቢ ርግእ ኢልና ንሕሰበሉ’ሞ መልሲ ንሃበሉ። ብዘይጥርጥር ምልኣተ ሕልናዊ ዕግበት ዝህብ ናይ
ስደት ጥዑም የለን። ናብራ ስደት ምስ ስኽፍታኡ’ዩ። እንተሰሊጡኳ ከብድካ ትመልእ፡ ጨርቒ ትቕይር፡
ትሕከም፡ ትመሃር፡ ናተይነት ዋንነታዊ ስምዒት ግን ኣይትረክብን። ስለምንታይ ናትካ ገዲፍካ ናብዘይናትካ
ዝመጻእካ፡ ኣብ ምሕረት ወንነቲ መሬት፡ ሃብትን ባህልና ተጸጊዕካ ትነብር ስደተኛ ኢኻ።
ኣብ’ዛ ዘለናያ መድረኽ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንሃሉ ኣብ ስደት፡ ኣይኮነን ወነንቲ ኣወንታዊ ባህልና፣
ታሪኽናን ሃይማኖትናን ክንከውን ከም ሰባት ወነንቲ ነብስና’ውን ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰብኣዊ
ክብረትን ነጻነት የብልናን። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምልኣት ዘለዎ ሰብኣዊ ክብረትን ነጻነትን የብልናን።
ንህይወትና ኣብ ቤትና እንከለና ንሰግእ፣ ካብ ቤትና ናብ ከባቢና እንተወጺእና ንሰግእ፡ ዶብ ኤርትራ ምስ
ሰገርና ንሰግእ፡ ኣብ’ቲ ውሑስን ደሞክራስያውን ዝበሃል ሃገራት ምስ በጻሕና’ውን ንሰግእ። ኤርትራዊት ነብሲ
ብስግኣት ምስተኸበበት ምስተሸበረት’ያ።

3
ነዚ መን ኣምጺእዎ? ነቲ ዘሕብን ስሩት ኣወንታዊ ባህላዊ ክብርታትናን ሃይማኖታዊ ስርዓትናን ብግቡእ
ከይንውንን ከይንዕቅብ፡ ንዕኡ ዝጎደሎ እናመላእና ተደጋጊፍና ኣብ ማይ ቤትናን ሃገርናን ከቢርና ከይንነብር
ዝገበረና መን’ዩ? እወ መን’ዩ ጠንቂ ናይ’ዚ ሕጂ ንርከበሉ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ማሕበራዊ፣
ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ ውድቀትን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎን? በብግዝይኡ ዝነበሩ ምምሕድራት ኣሜሪካ? ካብ
ንጉስ ሃይለ ስላሴ ክሳብ ህወሓት-ኢህወደግ ዝነበሩ ስርዓታት ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ሶቬት ነበር፣ ንዞባዊ ርእሰ
ሓያልነት ዝቀዳደሙ ዘሉ ብፍርያት ነዳዲ ዝሃብተሙ ገለ መንግስታት ማእከላይ ምብራቕ? ወይስ ስማዊ
መንግስቲ ህግደፍ?
ናይ’ዚ መልሲ ንምርካብ መጀመርያ ምስ ሕልናኻ ምትዕራቕ የድሊ። ብካልኣይ ባህርን ተግባርን ህግደፍ
ምፍላጥ የድሊ። ብሳልሳይ ርትዓዊ ውሳነ ንምሃብ ፍትሓዊ ኣረኣእያን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ምውናን
ይጠልብ። ራብዓይ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከም ዘለኻ ምግንዛብ የድሊ። ነዚ ብግቡእ ዝገምገመ ኣእምሮ፡
ፖለቲካና ብመን ተዘሪጉ፣ ሃይማኖትና ብመን ተሓሚሱ፣ ባህልና ብመን ተበሪዙ፣ ኣግራብና ብመን ባዲሙ፣
እንስሳና ብመን ኣብ ደረጃ ብርሰት በጺሐን ንፍላጥ ኣይጽገምን። ናይ ኩሉ ነሕልፎ ዘለና ናይ ሕማቕ ሕማቕ
ህይወት ጠንቂ ወይ ተሓታቲ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ምዃኑ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ’ዩ።
ኣብ ጸገም ከም ዘለና፡ ጠንቂ ጸገምና ዘቤታዊ ጸላኢና ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ምዃኑ እንተተረዲእና ደኣሞ
ስለምንታይ ኣስታት ን30 ዓመት ብህግደፍ ተገዚእና? እንታይ ኮይና ተቓሊስና ካብ እንግድዓና ዘይነውርዶ
ዝብል ሕቶ ከመጽ ባህሪያዊ’ዩ። መልሱ ድማ፡ ካብ’ቲ ዝበርስ ዘሎ ስሩት ኣወንታዊ ባህላዊ ክብርታትና፡
ሃይማኖታዊ ስርዓትና፡ ሰብኣዊ ክብረትናን ህዝባዊ ልኡላውነትናን ስማዊ መንግስቲ ህግደፍን መራሒኡን
ከይመቱ ዘይኮነ ከይሓሙ ዝሻቐሉ ብንሕና ንሱ ዝሰኸሩ፡ ብስም ህዝብን ሃገርን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃብቲ
ዘዋህለሉ፡ ኣብ ዕጡቕ ክፍልታት ኮነ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታት ተጸፍዮም ደም ህዝቢ እናማጸዩ ህይወቶም
ዝመርሑ በሃማትን ኣገልገልትን ይዕንቅፉና ስለ ዘለው’ዩ።
እቲ ቅድም ዝነበረ ገዲፍና ካብ 20 ሰነ 2018 ንደሓር ምስ እንምልከት’ኳ እዚ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ንነዊሕ
ዓመታት ተጎልቢብሉ ዝነበረ መደናገሪ ሜላታት ተተርቢዑስ ብሃገራዊ ክድዓት ዝጥርጠረሉ ዘሎ ወቕቲ’ዩ
ሎሚ። ዝበዝሕ ህዝቢ ጽገናዊ ዘይኮነ መሰረታዊ ለውጢ ዝጠልበሉ ዘሎ’ዩ ሎሚ። ግን ከም’ቲ “ ኣብ ስርናይ
ክርዳድ ኣይሰኣንን፡ ዝበሃል ኣብ’ዚ ዕርቃኑ ወጺኡ ከም ብሓዊ ዝተጸልወ ብላስቲክ ዝርገሐኡ ተሸምሪሩ ዕለተ
ውድቀቱ እናተጸበየ ሕልምልም ዝብለሉ ዘሎ፡ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሓጋዚ ዝኾነ ወቕቲ፡ ብስመ
ሃገራዊ በዓላት ኣብ ዝጸወዖ ከይዶም ዘሳስዩ፡ ኣብ ዘዳለዎ ፈስቲቫላት ዝቆጻጸዩ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብራስያ
ብዝተረኽበ ሃብትን ገበናትን ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት ዝሰርሕዎ ድፋዕ ስለዘይፈረሰ’ዩ። ብኩለንትናኦም እናበረሱ
ንኣብራሲኦም ዝጣበቑ ዝከናኸኑ ዕሩባት ሕልና ስለ ዘለው’ዩ። ስለዚ ንዕሩባት ሕልና ንምእራም፡ ነዚ ንብረሰት
ህዝብን ስሩት ኣወንታዊ ክብርታት ኤርትራን ንምድዋን ኢሉ’ውን ንምፍራስ ብመደብ ዝሰርሕ ዘሎ ስማዊ
መንግስታዊ ጉጅለ ንምውጋድ ብንቕሓት፣ ብብልሓት፡ ብጽንዓት፡ ብውህደት ንረባረብ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 12-07-2019