መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ

መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብዕለት 5 ሓምለ 2019 ክፉት ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ፡
፡ ኣቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብርክት ብዝበሉ ኣባላት ዝተረኽብሉ ኣኼባ፡ ብሓጺር
ቃል ናይ ስርርዕ ሓላፊ ሓው ኢንጅነር ኢድሪስ ኑሩ
ዩ ተከፊቱ፡፡
ቀጺሉ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ሓው ዓ/ጣሃኑር ንህልው ኩነታት ሰልፍናን ሃገርናን
ከባቢናን ኣመልኪቱ፡ ሎሚ ሃገረ-ኤርትራን ክብሪታት ህዝባን ንምውሓስ ከቢድ ስራሕ
ይጽበየና ከም ዘሎ ፈሊጥና ሓቦ ዓጢቅና ክንቃለስ ኣለና ክብል ብሰፊሕ ገሊጹ።
ምክትል ኣቦ ወንበር ሓው መ/ሳልሕ ሓጎስ ቀጺሉ ከምዚ ኣብ ባይታ ንሪኦ ዘለና ውድቀት
ስርዓት ህግደፍ ዘይተርፍ እዩ፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ወነንቲ
ነጻ ኣተሓሳስባ ብምዃን ኣካል ናይ ዚ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ኮይኖም ዝነጥፍዎ
ዘለው ኣመልኪቱ ክቅጽልዎ ዘታባብዕ ናይ ሞራል ሚዛን ዘለዎ ድጋፍን መግለጺ ሂቡ።
መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንሕቶታቅት ተሳተፍቲ ኣባላት ዘዕግብ መልሲ ድሕሪ
ምሃብ ኣብ መውደእታ ድማ ለበዋታት ተቐቢሉ ብግቡእ ከተግብሮም ምዃኑ ንኣባላት
ኣፍሊጡ።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዋኣትና
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

9 ሓምለ 2019