ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ አብ NRW ሓፈሻዊ ህዝባዊ ኣኼባ

ትማሊ ቀዳም 6 ሚያዝያ 2019 አብ ከተማ ኮሎን /NRW/ ምንቅስቓስና ህዝባዊ ኣኼባ አካይዱ። ብድሌት ናይቲ ኣኼበይና ከአ እቲ ኣኼባ ካብ ሓፈሻዊ ዛዕባታት ናብ እዋኑ አምጺእዎ ዘሎ - ናብ ናይ “ይኣክል” ጻውዒት ተማሓይሹ፤ - በዚ ሓድሽ ናይ ይኣክል ዛዕባ ከአ እቲ ገዛ ነታ “ተወሊዓ ዘላ ሽግና” ንኸይትሃስስ ብከመይ ዓይነት እስትራተጂ ንቕድሚት ንደፍኣ ብዚብል ንሁር ክትዓት ተዛትዩ።