መመሊሱ ዝፈልሕ ዘሎ ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኩነታት ሃገረ ሱዳን ከኣ ብፍላይ፡

ምዕባሌታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል ኩሉ ከም ዝርደኦ፡ “ፊልድ ማርሻል” ዖመር ሑሴን ኣልበሽር ብዕልዋ ኣብ ስልጣን ደይቡ ንሃገረ ሱዳን ኣስታት ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ምምራሕ ይርከብ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ግን ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ። ኣቦ-መንበርነት ናይ’ቲ ንሱ ዝመርሖ “ሃገራዊ ጉባኤ” ዝተባህለ ሰልፊ ንሓደ ካብ እሙናቱ “እሺ” በሃልቱ ኣረኪብዎ ኣሎ።