ንዘልኣለም ተምበርኪኹ ዝነብር ህዝቢ የለን - Enough! ይኣክል! ! كافية

ኣስመራ፣ ወከልቲ ባይቶን ኣመሓደርቲ ምምሕዳራትን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ቀሪቡ

ወከልቲ ባይቶን ኣመሓደርቲ ምምሕዳራትን ደቡባዊ ምዕራብ ኣስመራ፣ ብ10 መጋቢት ንህዝቢ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብመሰረት ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳኔ ዶባት ስለምንታይ ዘይሕንጸጽ? ምሕንጻጽ ዶብ ስለምንታይ ይደናጎ ኣሎ? ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረቡ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ኣብቲ ኣብ ኤክስፖ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይካ'ዚ፣ ኣብ ኣስመራ ገኒኑ ንዘሎ ክትራን፣ ዝምታን ዓመጽን መንግስቲ እንታይ መፍትሒ ኣለዎ ዝብል ዛዕባ'ውን ካብ ተሳተፍቲ ተላዒሉ'ዩ።