ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰጋገር ዘሎ ብዝሒ ናቕፋ የሻቕል

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ሕጋዊ መልክዕ ብዘይምሓዙ፣ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰጋገር ዘሎ ብዝሒ ናቕፋ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ተሓቢሩ። ብመንገዲ ኤሪፖርት ንዝወጹ ነጋዶን ካልኦት ገያሾን፣ ካብ 1 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ሒዞም ከይወጹ ጽኑዕ ቁጽጽር ክግበረሉ እንከሎ፣ ብመንገዲ ሑመራ ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ግና ናብ ዓዶም ሒዞሞ ንዝምለሱ ዘለዉ ብዝሒ ናቕፋ ቁጽጽር ኣይግበረሉን'ዩ ዘሎ።