ንዘልኣለም ተምበርኪኹ ዝነብር ህዝቢ የለን - Enough! ይኣክል! ! كافية

ጠንቂ ጋዝ ንመፍልሒ ቡን ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ስደተኛታት ዘስዓቦ ባርዕ ሓዊ

Image result for eritrean jebena

ኣብ ከተማ ባክናንግ ወረዳ ምምሕዳር ሉድቪክስቦርግ ኣብ ላዕልን ታሕትን ደርብታት ብዙሓት ሓደስቲ ኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋ ስደተኛታትን ዝነብሩሉ ገዛ ብዕለት 17.02.2019 ኣስታት ሰዓት 18፡30 ድ.ቀ ኢዩ እዚ ሓደጋ ዝተኸስተ። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ መብዛሕትኦም ነበርቲ ኣብ ኣባይቶም ነበሩ።